ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

Comstock Images/Stockbyte via Getty Images

ንቕሑ!

ንኣየናይ መራሒ ኢኻ እትመርጽ፧—መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

ንኣየናይ መራሒ ኢኻ እትመርጽ፧—መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

 ሰባት መን መራሒኦም ከም ዚኸውን ንምምራጽ፡ ኣገዳሲ ውሳነ ይገብሩ ኣለዉ።

 መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

ሰብኣውያን መራሕቲ ዓቕሞም ድሩት እዩ

 ሰብኣውያን መራሕቲ ዓቕሞም ድሩት ከም ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ እዩ።

  •   “ብመሳፍንቲ ዀነ፡ በቲ ኼድሕን ዘይክእል ወዲ ሰብ ኣይትተኣመኑ። ትንፋሱ ይወጽእ፡ ናብ ምድሪ ይምለስ፣ በታ መዓልቲ እቲኣ ሓሳባቱ ይጠፍእ።”—መዝሙር 146:3, 4፡ እግረ ጽሑፍ።

 እቶም ኣዝዮም ክኢላታት መራሕቲ እውን እንተ ዀኑ፡ ሙማቶም ዘይተርፍ እዩ። ኣብ ልዕሊ እዚ፡ ነቲ ዝዓየይዎ ጽቡቕ ዕዮ በቶም ድሕሪኦም ዚመጹ ሰባት ከም ዚቕጽል ውሕስነት የብሎምን።—መክብብ 2:18, 19

 ግደ ሓቂ፡ ሰባት ገዛእ ርእሶም ፈጺሞም ኬመሓድሩ ኸም ዘይክእሉ መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ እዩ።

  •   “ዚመላለስ ሰብ እውን ስጕምቱ ኬቕንዕ ናቱ ኣይኰነን።”—ኤርምያስ 10:23

 ሎሚ ንፉዕ መራሒ ኪኸውን ዚኽእል ሰብ ኣሎዶ፧

ኣምላኽ ዝሰመሮ መራሒ

 ኣምላኽ ብቑዕን ዚእመንን መራሒ ኸም ዝሾመ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ፣ ንሱ ድማ፡ የሱስ ክርስቶስ እዩ። (መዝሙር 2:6) የሱስ፡ ንጉስ እታ ኣብ ሰማይ ኰይና እትገዝእ መንግስቲ ኣምላኽ እዩ።—ማቴዎስ 6:10

 ንመሪሕነት የሱስ ክትመርጽ ዲኻ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ኣገዳስነት እዚ ምርጫ የጕልሕ፦

  •   “ቍጥዓኡ ቐልጢፉ ይነድድ እዩ እሞ፡ ኣምላኽ ከይቍጣዕ፡ ካብ መገዲ ድማ ከይትጠፍኡስ፡ ንወዲ [የሱስ ክርስቶስ] ኣኽብርዎ። ኵሎም እቶም ኣብኡ ዚምዕቈቡ ዘበሉ ሕጉሳት እዮም።”—መዝሙር 2:12

 እትውስነሉ እዋን ሕጂ እዩ። ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ፡ የሱስ ካብ 1914 ኣትሒዙ ኺገዝእ ከም ዝጀመረ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ድማ ድሕሪ ሓጺር ግዜ ንሰብኣውያን መንግስትታት ከም እትትክአን ይገልጽ እዩ።—ዳንኤል 2:44

 ንመሪሕነት የሱስ ብኸመይ ክትድግፍ ከም እትኽእል ዝያዳ ኽትፈልጥ እንተ ደሊኻ፡ “ሕጂ ኣብ ጐድኒ መንግስቲ ኣምላኽ ቁም!” ዘርእስታ ዓንቀጽ ኣንብብ።