ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣስቴር ተባዕ እያ ነይራ

ኣስቴር ተባዕ እያ ነይራ

ኣራግፍ፦

  1. 1. ኣስቴር ካብ ንእስነታ

    ማርዶካይ የዕቢዋ፡

    ምሂሩ ፍቓድ የሆዋ፡

    ኣሰልጢንዋ።

    ብድንገት ንግስቲ፡

    ኰይና ’ኳ ’ተ ተመርጸት፡

    ተኣዚዛ ’ወ ብትብዓት።

    ኣብነተይ’ያ፦

    (ኣዝማች)

    ኣስቴር ተባዕ’ያ ነይራ፡

    ክስዕቦ’የ ኣሰራ፣

    ’ቲ ጽንዓታ ’ወ እምነታ፡

    ብሉጽ’ዩ ህይወታ።

    ኣስቴር ተባዕ’ያ ነይራ፡

    ክስዕቦ’የ ኣሰራ፣

    ክኸውን’የ ኸምኣ፡

    ክቐድሖ ተግባራ።

  2. 2. ንጉስ’ኳ ኸይፈርሀት፡

    ንህዝባ ’ላ ቘመት።

    ለባም’ውን ብምንባራ፡

    ሰብኣያ ኣኽበረት።

    ንናይ ሃማን ውዲት

    ኣፍሺላቶ ብዓወት፡

    ተኣዚዛ ’ወ ብትብዓት።

    ኣብነተይ’ያ፦

    (ኣዝማች)

    ኣስቴር ተባዕ’ያ ነይራ፡

    ክስዕቦ’የ ኣሰራ፣

    ’ቲ ጽንዓታ ’ወ እምነታ፡

    ብሉጽ’ዩ ህይወታ።

    ኣስቴር ተባዕ’ያ ነይራ፡

    ክስዕቦ’የ ኣሰራ፣

    ክኸውን’የ ኸምኣ፡

    ክቐድሖ ተግባራ።