ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መንእሰያት ዚሓትትዎ

ትምህርቲ እንተ ጸሊአኸ፧

ትምህርቲ እንተ ጸሊአኸ፧

 ኣብ ቤት ትምህርቲ፡ ተረርቲ መምሃራን፡ ጸቕጢ መዛኑ፡ ከቢድ ፈተና ወይ ምርመራ፡ ወይ ከኣ ሰፍ ዘይብል ዕዮ ገዛ ኼጋጥም ይኽእል እዩ። እምበኣር፡ ትምህርቲ እንተ ጸሊእካ ዜገርም ኣይኰነን። a ሬቸል b እትብሃል ጐርዞ ኸምዚ ትብል፦

 “ናብ ቤት ትምህርቲ ኣብ ክንዲ ዚኸይድ፡ ኣብ ገምገም ባሕሪ ወይ ምስ መዛኖይ ግዜ ኼሕልፍ፡ ዋላ እውን ንወለደይ ገዛ ኣብ ምጽራይ ወይ ምግቢ ኣብ ምኽሻን ኪሕግዞም እመርጽ።”

 ከም ሬቸል እንተ ዄንካ፡ ቤት ትምህርቲ፡ ትምህርቲ ኽሳዕ እትውድእ፡ ከም ቤት ማእሰርቲ ዀይኑ ኺስምዓካ ይኽእል እዩ። ኣብ ትምህርቲ እተሕልፎ ግዜ፡ ብዝሓሸ ኽትርእየሉ እትኽእለሉ መገድታት ኣሎዶ፧

 ትፈልጥዶ፧ ብዛዕባ ትምህርቲ ዝሓሸ ኣርኣእያ እንተ ኣማዕቢልካ፡ ንዅነታትካ ኽትቈጻጸሮ ኽትክእል ኢኻ፡ ተጻዋርነትካ ዚፍተነሉ ቦታ ኸም ዝዀነ ጌርካ ድማ ኣይክትርእዮን ኢኻ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ቤት ትምህርቲ ንብጽሕና ዜድልየካ ኽእለት እተማዕብለሉ ቦታ ጌርካ ኽትርእዮ ኢኻ።

 ብዛዕባ ትምህርቲ ዝሓሸ ኣርኣእያ ምእንቲ ኸተማዕብል፡ ነዚ ዚስዕብ ኣተኵረሉ፦

 ትምህርትኻ። ብዝያዳ ብእተምሃርካ መጠን፡ ኣብ ስራሕ ወይ ኣብ ካልእ መዳይ ህይወትካ ንዜጋጥመካ ጸገማት፡ ወትሩ ኣብ ካልኦት ኣብ ክንዲ እትምርኰስ፡ ባዕልኻ ብዝሓሸ መገዲ ኽትፈትሖ የኽእለካ። ‘ኣብ ትምህርቲ ዚጸልኦ ነገራት እኳ እንተ ኣሎ፡ ካብ ትምህርተይ እንታይ እየ ዝጥቀም ዘለኹ፧’ ኢልካ ንርእስኻ ሕተታ።

 ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ንግብራዊ ጥበብን ንምምዝዛንን ሓልወን።”—ምሳሌ 3:21

 ዝያዳ ሓበሬታ ንምርካብ፡ “ነጥበይ ሕማቕ እንተ ዀይኑ እንታይ ክገብር ኣሎኒ፧” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።

 ልማዳትካ። ኣብ ቤት ትምህርቲ ዘማዕበልካዮ ልማድ፡ ንግዜኻ ብግቡእ ከተመሓድር፡ ርእስኻ ኽትግስጽ፡ ህርኩት ሰራሕተኛ ኽትከውን፡ ማለት በጽሒ ምስ ኰንካ ዜድልየካ ባህርያት ከተማዕብል ኪምህረካ እዩ። ‘ኣብ ቤት ትምህርቲ ዘማዕበልክዎ ልማድ ርእሰይ ክግስጽን ህርኩት ክኸውንን ዝሓገዘኒ በየናይ መገድታት እዩ፧ ኣብዚ መዳይ እዚ እንታይ ምምሕያሻት ክገብር እኽእል፧’ ኢልካ ንርእስኻ ሕተታ።

 ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ኣብ ኵሉ ዓይነት ከቢድ ዕዮ ጥቕሚ ኣሎ።”—ምሳሌ 14:23

 ዝያዳ ሓበሬታ ንምርካብ፡ “ከመይ ገይረ እየ ንግዜይ ከመሓድሮ ዝኽእል፧” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።

 ርክባትካ። ምስ መማህርትኻ እተማዕብሎ ርክብ፡ ከም ድንጋጽን ኣኽብሮትን ዝኣመሰለ ባህርያት ከተማዕብል ኪሕግዘካ እዩ። ጆሽዋ ዝስሙ መንእሰይ፡ “ምስ ሰባት ብኸመይ እሂን ምሂን ከም እትባሃሃል ምምሃር እውን ኣገዳሲ እዩ” ኢሉ። ኣስዕብ ኣቢሉ እውን፡ “እዚ ኣብ ምሉእ ህይወትካ ዚጠቕመካ እዩ” በለ። ‘ኣብ ቤት ትምህርቲ ካባይ እተፈለየ ድሕረ ባይታ ወይ እምነት ምስ ዘለዎም እውን ከይተረፈ፡ ክሳነ እተምሃርኩ ብኸመይ እየ፧’ ኢልካ ንርእስኻ ሕተታ።

 ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ ‘ምስ ኵሉ ሰብ፡ ሰላም ስዓቡ።’—እብራውያን 12:14

 ዝያዳ ሓበሬታ ንምርካብ፡ “ናይ ዝርርብ ክእለተይ ብኸመይ ከመሓይሽ እኽእል፧” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።

 መጻኢኻ። ትምህርቲ ኽእለታትካ ኸተለልን፡ ምስኡ ዚሳነ ሸቶታት ከተውጽእን ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ። ብሩክ ዝስማ መንእሰይ፡ “ከም እተመኮርክዎ፡ ፍሉይ ስልጠና ምርካብካ፡ ድሕሪ ምረቓ ስራሕ ክትረክብ የኽእለካ እዩ” በለት። ‘ካብ ትምህርቲ ምስ ተመረቕኩ ብኸመይ እየ ርእሰይ ዝኽእል፧ ንስራሕ ዜድልየኒ ትምህርቲኸ ብኸመይ እየ ኽመርጽ ዚኽእል፧’ ኢልካ ንርእስኻ ሕተታ።

 ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ንመገዲ ኣእጋርካ ተጠንቂቕካ ሕሰብሉ።”—ምሳሌ 4:26፡ እ.ጽ.።

a መብዛሕትኡ ኣብዛ ዓንቀጽ እተመያየጥናሉ ስርዓታት፡ ነቶም ኣብ ገዛኦም ጥራይ ኰይኖም ትምህርቶም ዚከታተሉ መንእሰያት እውን ይጠቕሞም እዩ።

b ገሊኡ ስማት ተቐዪሩ እዩ።