ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ተነዲፉ ድዩ፧

ሃመማ ፍረ ዘለዎ ኣብ በረራ ናይ ምጥውዋይ ክእለት

ሃመማ ፍረ ዘለዎ ኣብ በረራ ናይ ምጥውዋይ ክእለት

 ንሃመማ ኺወቅዕ ዝፈተነ ዝዀነ ይኹን ሰብ፡ ምውቃዑ ኽሳዕ ክንደይ ኣጸጋሚ ምዃኑ ይፈልጥ እዩ። እዚ ሓሸራ እዚ ኻብቲ ንምሓዙ ዚግበር መብዛሕትኡ ፈተነ፡ ብፍጥነት ኬምልጥ ይኽእል እዩ።

 ተመራመርቲ ስነ ፍልጠት፡ ሃመማ ፍረ ዚብሃል ሓደ ዓይነት ሃመማ፡ ከም ተዋጋእቲ ጀት ኪጠዋወ ኸም ዚኽእል፡ ነዚ ግና ካብ ካልኢት ኣዝዩ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ኸም ዚገብሮ ተዓዚቦም እዮም። ፕሮፌሰር ማይክል ዲክንሰን ብዛዕባ እዚ ሃመማ ኺዛረብ ከሎ፡ “ካብ ዚውለድ ኣትሒዙ፡ ከም ሓደ ኽኢላ ፓይለት ኪበርር ይኽእል እዩ” ድሕሪ ምባል፡ “ሓድሽ ንእተወልደ ሕጻን ተዋጋኢት ነፋሪት ኬብርር እንተ ትህቦ እሞ ንሱ እውን እንታይ ከም ዚገብር ዚፈልጥ እንተ ዚኸውን ከም ማለት እዩ” በለ።

 ተመራመርቲ ነቲ እቲ ሃመማ ዚገብሮ ምጥውዋይ ብካሜራ ምስ ቀድሕዎ፡ እቲ ሃመማ ኣብ ካልኢት 200 ሳዕ ኣኽናፉ ኸም ዜንገብግብ ኪፈልጡ ኽኢሎም እዮም። ኰይኑ ግና፡ ሓንሳእ ጥራይ ኣኽናፉ ብምቕዛፍ፡ ኣንፈቱ ኪቕይርን ካብ ሓደጋ ምምላጥ ኪጅምርን ይኽእል እዩ።

 መልሰ ግብሪ ንምሃብ ዚወስደሉ ግዜኸ ኽንደይ እዩ፧ ተመራመርቲ ነቲ ሃመማ ዜስግእ ነገር ኬጋጥሞ ኸሎ መልሰ ግብሪ ንምሃብ ዚወስደሉ ግዜ፡ ካብቲ ወዲ ሰብ ቋሕ ሰም ዚብለሉ ግዜ ብ50 ግዜ ኸም ዚፈጥን ተገንዚቦም እዮም። ዲክንሰን ብዛዕባ እዚ ኺገልጽ ከሎ፡ “ሃመማ ሓደጋ ኣበይ ከም ዘሎን ከመይ ገይሩ ብዝበለጸ ኣንፈት ከም ዜምልጥን ንምውሳን ኣብ ኣዝዩ ሓጺር ግዜ፡ ኣዝዩ እተሓላለኸ ቐመር ይገብር እዩ” ኢሉ እዩ።

 እቲ ደቂቕ ሓንጐል ሃመማ ነዚ ብኸመይ ኪገብሮ ኸም ዝኸኣለ፡ ንተመራመርቲ ምስጢር ኰይንዎም ኣሎ።

ሃመማ ፍረ፡ ካብ ካልኢት ኣዝዩ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ኣንፈቱ ብምቕያር ካብ ሓደጋ የምልጥ

 እንታይ ይመስለካ፧ ሃመማ ፍረ ዘለዎ ኣብ በረራ ናይ ምጥውዋይ ክእለት ብፍልቀት ድዩ መጺኡ፡ ወይስ ተነዲፉ እዩ፧