ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንትምህርቲ ብኸመይ ይርእይዎ፧

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንትምህርቲ ብኸመይ ይርእይዎ፧

 እቲ ብዛዕባ ትምህርቲ ዘሎና ኣረኣእያ ኣብ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ እዩ። ነፍሲ ወከፍ ናይ የሆዋ ምስክር በቲ ብመጽሓፍ ቅዱስ ዝሰልጠነ ሕልናኡ ተጠቒሙ ነዚ ስዒቡ ተጠቒሱ ዘሎ ስርዓታት ኣምላኽ ብኸመይ ኣብ ግብሪ ኸም ዜውዕሎ ይውስን እዩ። a

 ትምህርቲ ኣገዳሲ እዩ

 ትምህርቲ ንኸም “ግብራዊ ጥበብን ምምዝዛንን” ዝኣመሰለ መጽሓፍ ቅዱስ ክብ ኣቢሉ ዚርእዮ ባህርያት ከተማዕብል ይሕግዝ እዩ። (ምሳሌ 2:10, 11፣ 3:21, 22) ኣብ ርእሲ እዚ፡ የሱስ ንሰዓብቱ፡ ነቲ ዝኣዘዞም ነገራት ንኻልኦት ኪምህሩ ነጊርዎም እዩ። (ማቴዎስ 28:19, 20) በዚ ምኽንያት እዚ፡ ኣባላትና ንዅሉ ዘጣመረ ትምህርቲ ኺረኽቡ ነተባብዕን ንሕግዝን ኢና፣ እዚ ኸኣ ምንባብ፡ ምጽሓፍ፡ ምዝራብ፡ b ከምኡ ድማ ብዛዕባ ኻልእ ሃይማኖትን ባህልን ምፍላጥ የጠቓልል።—1 ቈረንቶስ 9:20-22፣ 1 ጢሞቴዎስ 4:13

 መንግስትታት እውን ኣገዳስነት ትምህርቲ ስለ ዚፈልጣ፡ መብዛሕትኡ ግዜ መንእሰያት ቀዳማይን ካልኣይን ደረጃ ትምህርቲ ኺረኽቡ ይደልያ እየን። ምስቲ “ነፍሲ ወከፍ ነቶም ኣብ ልዕሊኡ ዘለዉ ሰበ ስልጣን ይገዝኣዮም” ዚብል ትእዛዝ ብምስምማዕ ድማ ንኸምዚ ዝኣመሰለ ሕግታት ንሕልዎ ኢና። (ሮሜ 13:1) ኣብ ርእሲ እዚ፡ ደቅና ኣብ ትምህርቶም ኪተግሁን ዚከኣሎም ኪጽዕሩን ደኣ እምበር፡ ንማለቱ ብምዕያይ ኪዓግቡ ኸም ዘይብሎም ነተባብዖም ኢና። c ቃል ኣምላኽ እውን፡ “እትገብርዎ ዘበለ ንሰብ ዘይኰነስ፡ ንየሆዋ ኸም እትገብርዎ ጌርኩም፡ ብምሉእ ነፍስኹም ግበርዎ” ይብል እዩ።—ቈሎሴ 3:23

 ትምህርቲ ንስድራ ቤትና ዜድልዮም ዘበለ ኸነማልእ ይሕግዘና። ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ሓደ እኳ ነቶም ናቱ፡ ምናዳ ኸኣ ንቤተ ሰቡ ዘይናቢ እንተ ዀይኑ፡ እምነት ዝኸሓደ፡ ካብቲ ዘይኣምን እውን ዝገደደ እዩ።” (1 ጢሞቴዎስ 5:8) ዓለማዊ ትምህርቲ ነቲ ንስድራ ቤትና ኽንድግፍ ዘሎና ቕዱስ ሓላፍነት ክንፍጽም ይሕግዘና እዩ። ዘ ዎርልድ ቡክ ኢንሳይክሎፔድያ ቐንዲ ዕላማ ትምህርቲ እንታይ ከም ዝዀነ ኺገልጽ ከሎ፡ ‘ሰባት ኣፍረይቲ ኣባላት ሕብረተ ሰብን ንቝጠባ ኣበርክቶ ዚገብሩ ሰራሕተኛታትን ኪዀኑ የኽእሎም’ ይብል። ክኢላን ግቡእ ትምህርቲ ዝረኸበን ሰብ፡ ካብ ሓደ ኽእለት ዘየጥረየን መሰረታዊ ትምህርቲ ዘይቀሰመን ሰብ ንላዕሊ ንስድራ ቤቱ ብዝያዳ ኺኣሊ ይኽእል እዩ።—ምሳሌ 22:29

 ወለዲ ንደቆም፡ እኹላት ሰባት ኰይኖም ህይወቶም ኪመርሑ የዕጥቕዎም እዮም፣ ኣብዚ መዳይ እዚ ትምህርቲ ኣገዳሲ ተራ ኣለዎ። (2 ቈረንቶስ 12:14) ትምህርቲ ብናጻ ኣብ ዘይውሃበሉ፡ ብቐሊሉ ኣብ ዘይርከበሉ፡ ወይ እውን ብባህሊ ቕቡል ኣብ ዘይኰነሉ ቦታ ዚነብሩ እውን እንተ ዀኑ፡ ንደቆም ኬምህርዎም ነተባብዖም ኢና። d ኣብቲ ውሉዳቶም ዚረኽብዎ ትምህርቲ ብኸመይ ብንጥፈት ኪሳተፉ ኸም ዚኽእሉ እውን ግብራዊ ምኽሪ ንህብ ኢና። e

 ብዛዕባ ትምህርቲ ሚዛናዊ ኣረኣእያ ኺህልወና ኣለዎ

 ንኣማራጺታት ዓለማዊ ትምህርቲ ብጥንቃቐ ንምርምሮ ኢና። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ገርሂ፡ ኵሉ ቓል ይኣምን፣ ጐራሕ ግና ንስጕምትታቱ ተጠንቂቑ ይሓስበለን” ይብል። (ምሳሌ 14:15) ነቲ ድሕሪ ኻልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ዘሎ እተፈላለየ ኣማራጺታት ትምህርትን ዝሓትቶ ወጻኢታትን ዘለዎ ኣገዳስነትን ተጠንቂቕና ብምምርማር፡ ነዚ ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ እዚ ንዓይየሉ ኢና። ንኣብነት፡ ስልጠና ሞያ መብዛሕትኡ ግዜ ጠቓሚ እዩ፣ ኣብኡ ኽትምሃር እተሕልፎ ግዜ ድማ ርትዓዊ እዩ።

 መንፈሳዊ ትምህርቲ ኻብ ዓለማዊ ትምህርቲ ዚበልጽ ኣገዳስነት ኣለዎ። ዘይከም ዓለማዊ ትምህርቲ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ መንፈሳዊ ትምህርቲ ህይወት ዜድሕን ፍልጠት ኣምላኽ የቕስም እዩ። (ዮሃንስ 17:3) ብዘይካዚ፡ “ጽድቅን ፍትሕን ቅንዕናን፡ አረ መገዲ ዅሉ ሰናይ ዘበለ ኽትርዳእ” ይሕግዝን ስነ ምግባራዊ ስርዓታት ይምህርን እዩ። (ምሳሌ 2:9) ሃዋርያ ጳውሎስ፡ ኣብዚ ግዜና ምስ ዘሎ ትምህርቲ ዩኒቨርሲቲ ዚዳረግ ትምህርቲ ረኺቡ እኳ እንተ ነበረ፡ ነቲ “ብሉጽ ፍልጠት ክርስቶስ የሱስ” ኣፍልጦ ሂቡሉ እዩ። (ፊልጲ 3:8፣ ግብሪ ሃዋርያት 22:3) ሎሚ እውን ብተመሳሳሊ፡ ብዙሓት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብሉጽ ዓለማዊ ትምህርቲ ዝረኸቡ ኽነሶም፡ እቲ ዝረኸብዎ መንፈሳዊ ትምህርቲ ዝለዓለ ኣገዳስነት ከም ዘለዎ እዮም ዚኣምኑ። f

መንፈሳዊ ትምህርቲ ጽቡቕ ስነ ምግባራዊ ስርዓታት ይምህረና

 ዝለዓለ ትምህርቲ ናብ ስነ ምግባራውን መንፈሳውን ሓደጋታት ኪመርሕ ይኽእል እዩ

 ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ምሳሌ፡ “ጐራሕሲ ሓደጋ ይርኢ እሞ ይሕባእ” ይብል። (ምሳሌ 22:3) ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ኣብ ገሊኡ ዩኒቨርሲቲታት ወይ ኣብ ተመሳሳሊ ማእከላት ዝለዓለ ትምህርቲ ዘሎ ሃዋህው ስነ ምግባራውን መንፈሳውን ሓደጋታት ከም ዘለዎ ይኣምኑ እዮም። በዚ ምኽንያት እዚ፡ ብዙሓት ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ንሳቶም ወይ ደቆም ንኸምዚ ዝኣመሰለ ሃዋህው ከይቃልዑ እዮም ዚመርጹ። ኣብ ማእከላት ዝለዓለ ትምህርቲ ግጉይ ኣተሓሳስባ ኸም ዚተባባዕ ይኣምኑ እዮም፣ ገለ ኻብኡ እዚ ዚስዕብ እዩ፦

  •   ግጉይ ርድኢት፦ ገንዘብ ሓጐስን ውሕስነትን የምጽእ እዩ

     መብዛሕትኡ ግዜ፡ ዝለዓለ ትምህርቲ ብዙሕ ደሞዝ ዚኽፈሎ ስራሕ ናብ ምርካብ ዚመርሕ መገዲ ኸም ዝዀነ ጌርካ ስለ ዚግለጽ፡ ቍጽሮም እናወሰኸ ዚኸይድ ዘሎ ተምሃሮ ናብ ዩኒቨርሲቲ ዝኣትዉሉ ቐንዲ ምኽንያት ብዙሕ ገንዘብ ንምኽዕባት ይኸውን ኣሎ። ገሊኦም፡ ገንዘብ ሓጐስን ውሕስነትን ኬምጽኣሎም ተስፋ ዚገብሩ እኳ እንተ ዀኑ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ግና ከምዚ ዝኣመሰለ ኣተሓሳስባ ኸንቱ ኸም ዝዀነ የቃልዕ እዩ። (መክብብ 5:10) ኣብ ርእሲ እዚ፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ፍቕሪ ገንዘብ፡ ሱር ኵሉ ዓይነት ክፍኣት” ከም ዝዀነን መብዛሕትኡ ግዜ እምነትካ ናብ ምጥፋእ ከም ዚመርሕን ይምህር እዩ። (1 ጢሞቴዎስ 6:10) ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ‘ብምትላል ሃብቲ’ ኸይፍንጠሩ ዚከኣሎም ይጽዕሩ እዮም።—ማቴዎስ 13:22

  •   ግጉይ ርድኢት፦ ሓደ ሰብ ነቲ ኣብ ዝለዓለ ትምህርቲ ተማሂርካ ዚርከብ ክብረት ወይ ማሕበራዊ ደረጃ ኺረክብ ኪጽዕር ኣለዎ

     ንኣብነት፡ እቲ ቐዳማይ ሚኒስተር ጆርጅያ ዝነበረ ኒካ ጊላኡሪ ብዛዕባ እቲ ኣብ ሃገሩ ዘሎ ልሙድ ኣረኣእያ ኺገልጽ ከሎ፡ “ኣብ ጆርጅያ፡ ማሕበራዊ ደረጃኻ ኽብ ንምባል ናይ ዩኒቨርሲቲ ዲግሪ ኽትሕዝ ዳርጋ ግዴታ እዩ። . . . [ኣብ ዝሓለፈ እዋን] ዲግሪ ዘይረኸቡ መንእሰያት ንስድራ ቤቶም ውርደት ከም ዝዀኑ ጌርካ እዮም ዚርኣዩ ነይሮም” ኢሉ ጽሒፉ እዩ። g ብኣንጻሩ ግና፡ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ምርኡይ ንምዃን ከይትጽዕር እዩ ዜጠንቅቕ። የሱስ ነቶም ኣብ ግዜኡ ዝነበሩ ኽብሪ ኺረኽቡ ዚጽዕሩ ዝነበሩ መራሕቲ ሃይማኖት፡ “ካብ ንሓድሕድኩም ክብሪ እናተቐበልኩም . . . ከመይ ኢልኩም ክትኣምኑ ትኽእሉ፧” ኢልዎም እዩ። (ዮሃንስ 5:44) ኣብ ዩኒቨርሲቲ ዘሎ ሃዋህው፡ ትዕቢት ከም እተሕድር ይገብር እዩ፣ ኣምላኽ ድማ ነዚ ይጸልኦ እዩ።—ምሳሌ 6:16, 17፣ 1 ጴጥሮስ 5:5

  •   ግጉይ ርድኢት፦ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ብዛዕባ ቕኑዕን ጌጋን ናይ ገዛእ ርእሱ መለክዒታት ኬውጽእ ኣለዎ

     ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዛዕባ ቕኑዕን ጌጋን ነቲ ኣምላኽ ዘውጸኦ መለክዒታት እዮም ዚስዕቡ። (ኢሳይያስ 5:20) ብመሰረት ኣብ ጆርናል ኦቭ ኣልኮል ኤንድ ድራግ ኤጁኬሽን ዝወጸት ዓንቀጽ፡ ብዙሓት ተምሃሮ ብሰንኪ እቲ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ዘሎ ጸቕጢ መዛኑ፡ “ኣንጻር እቲ ዚፈልጥዎ ቕኑዕን ጌጋን ዝዀነ ነገር ዚኸይድ ውሳነ ይገብሩ እዮም።” h እዚ ትዕዝብቲ እዚ ምስቲ “ሕማቕ ዕርክነት ንጽቡቕ ልማድ የበላሽዎ እዩ” ዚብል ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ ይሰማማዕ እዩ። (1 ቈረንቶስ 15:33) ኣብ ዩኒቨርሲቲ፡ እቲ ኸም እኒ ስኽራን፡ ሓሽሽ ምውሳድ፡ ካብ መርዓ ወጻኢ ዚግበር ጾታዊ ርክብ ዝኣመሰለ ኣምላኽ ዚዅንኖ ተግባራት ልሙድ እዩ፣ ሕሉፍ ሓሊፍካ እውን ይተባባዕ እዩ።—1 ቈረንቶስ 6:9, 10፣ 2 ቈረንቶስ 7:1

  •   ግጉይ ርድኢት፦ ዝለዓለ ትምህርቲ ንዓለምና ኼመሓይሽ ዚኽእል ዝበለጸ መገዲ እዩ

     ብዙሓት ሰባት ዝለዓለ ትምህርቲ ዚምሃሩሉ ምኽንያት፡ ሃብቲ፡ ዝና፡ ወይ ዘይግቡእ ባህታ ንምርካብ ኢሎም ዘይኰኑስ፡ ንገዛእ ርእሶምን ንዓለምን ንምምሕያሽ ኢሎም ከም ዝዀኑ ንግንዘብ ኢና። እዚ ጽቡቕ ሸቶ እዩ፣ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ግና እተፈልየ መገዲ እዮም ዚመርጹ። ኣብነት የሱስ ብምስዓብ፡ ዓለምና ዝሓሸት ክትኰነሉ እትኽእል እንኮ ተስፋ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ጥራይ ከም ዝዀነት ኢና እንኣምን። (ማቴዎስ 6:9, 10) ኰይኑ ግና፡ መንግስቲ ኣምላኽ ንጸገማት እዛ ዓለምና ኽትፈትሖ ኢድናን እግርናን ኣጣሚርና ኣይኰንናን እንጽበ። የግዳስ፡ ከም የሱስ፡ “ብስራት መንግስቲ” ኣምላኽ ኣብ ብዘላ ዓለም ብምስባኽ፡ ኣብ ዓዓመት ብኣማእታት ኣሽሓት ዚቝጸሩ ሰባት ህይወቶም ናብ ዝበለጸ ኪቕይሩ ንሕግዞም ኢና። iማቴዎስ 24:14

a ገና ምስ ወለዶም ዚነብሩ መንእሰያት ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ምስ ሕግታት ኣምላኽ ዚጋጮ ኽሳዕ ዘይኰነ፡ ንትምህርቲ ብዚምልከት ምስ ድሌታት ወለዶም ተሰማሚዖም ይኸዱ እዮም።—ቈሎሴ 3:20

b ከም ኣፕላይ ዮርሰልፍ ቱ ሪዲንግ ኤንድ ራይቲንግ እትብሃል ብሮሹር ዝኣመሰለ መሃይምነት ንምጥፋእ ዚሕግዝ ጽሑፋት ብልዕሊ 11 ሚልዮን ቅዳሓት ኣሕቲምና ኢና። ኣብ መላእ ዓለም ብልዕሊ 120 ቋንቋ መሃይምነት ንምጥፋእ ዚሕግዝ ትምህርቲ ብናጻ ንህብ ኢና። ካብ 2003 ክሳዕ 2017 ኣብ ዘሎ ግዜ ንኣስታት 70,000 ሰባት ምንባብን ምጽሓፍን ምሂርናዮም ኢና።

cትምህርቲ ኽሓድጎዶ፧” እትብል ዓንቀጽ ርአ።

d ንኣብነት፡ ወለዲ ንኣወዳትን ንኣዋልድን ደቆም ናብ ቤት ትምህርቲ ኺሰድድዎም ነተባብዕ ኢና። ነታ፡ “ንውሉደይ ትምህርቲ ኸእትዎ ኣሎኒ ድዩ፧” እትብል ኣብ ናይ 15 መጋቢት 2003 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ዝወጸት ዓንቀጽ ርአ።

e ነታ፡ “ውሉድካ ነጥቡ ኸመሓይሽ ብኸመይ ከም እትሕግዞ” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።

fርእይቶታት ብዛዕባ መበቈል ህይወት” ንዚብል ክፋል jw.org ርአ።

g ፕራክቲካል ኢኮኖሚስት፦ ኢኮኖሚክ ትራንስፎርሜሽን ኤንድ ጋቨርንመንት ሪፎርም ኢን ጆርጅያ 2004—2012፡ ገጽ 170።

h ጥራዝ 61፣ ቍ. 1፣ ሚያዝያ 2017፣ ገጽ 72።

i ቃል ኣምላኽን መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽን ዘለዎ ሓይሊ ዜርኢ ናይ ሓቂ ኣብነታት ንምርካብ፡ ኣብቲ፡ “መጽሓፍ ቅዱስ፡ ህይወት ሰባት ይቕይር” ዘርእስቱ ኽፋል jw.org ርአ።