ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ወፈያኻ ኣብ ምንታይ መዓላ ይውዕል፧

ትርጉም እቲ ‘ዅሉ ሳዕ ተሓጐሱ’! ዘርእስቱ ኣኼባ ዞባ 2020

ትርጉም እቲ ‘ዅሉ ሳዕ ተሓጐሱ’! ዘርእስቱ ኣኼባ ዞባ 2020

10 ሓምለ 2020

 ኣብ ሓምለን ነሓሰን 2020፡ ኣብ መላእ ዓለም ዚርከቡ ኣሕዋትን ኣሓትን ንመጀመርታ ጊዜ፡ ኣብ ሓደ እዋን፡ ሕደ ኣኼባ ዞባ ኺከታተሉ እዮም። ነዚ ሸቶ እዚ ንምውቃዕ፡ ብልዕሊ 500 ቛንቋ ኺትርጐም ኣድልዩ እዩ። ከም ልሙድ፡ ኣኼባ ዞባ ንምድላው ዓመት ኣቢሉ እዩ ዚወስድ። ኰይኑ ግና፡ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮና ቫይረስ፡ ተርጐምቲ እቲ ‘ዅሉ ሳዕ ተሓጐሱ’! ዘርእስቱ ኣኼባ ዞባ 2020፡ ነዚ ዕዮ እዚ ንምዝዛም ኣርባዕተ ወርሒ ዘይመልእ ግዜ ጥራይ ነይርዎም።

 ኣብቲ ቐንዲ ቤት ጽሕፈት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚርከብ ክፍሊ ኣገልግሎት ትርጉምን ክፍሊ ዓለምለኻዊ ሸመታን፡ እዚ ሰፊሕ ፕሮጀክት እዚ ኺሰልጥ ኣበርክቶ ገይሩ እዩ። ክፍሊ ኣገልግሎት ትርጉም፡ ሓያሎ ጕጅለታት ትርጉም ነዚ ዕዮ እዚ ንምፍጻም፡ ዝያዳ ናውቲ፡ ብፍላይ ከኣ ብቑዕ ማይክሮፎናት ከም ዜድልየን ተገንዚቡ እዩ። ክፍሊ ዓለምለኻዊ ሸመታ፡ 1,000 ማይክሮፎን ተዓዲጉ ናብ ልዕሊ 200 ቦታታት ከም ዚበጽሕ ገይሩ እዩ።

 ገንዘብ ንምቝጣብ፡ ማይክሮፎናት ብብዝሒ ተዓዲጉ ናብ ሓደ ማእከላይ ቦታ ተላእከ። ድሕሪኡ፡ ተዓሺጉ ኣብ መላእ ዓለም ንዚርከቡ ተርጐምቲ ኸም ዚበጽሖም ተገብረ። ሳላ ብብዝሒ እተዓደገ ንመጐዓዓዚ ኣብ ግምት ኣእቲኻ፡ ሓንቲ ማይክሮፎን ብገምጋም $170 ዶላር ኣመሪካ እያ ኣውጺኣ። እዚ ኸኣ፡ ካብቲ በብሓደ ምስ እትዕድጎ ዘውጽኦ ዋጋ ልዕሊ 20 ሚእታዊት ይንኪ።

 ክፍሊ ዓለምለኻዊ ሸመታ፡ ነዚ ማይክሮፎናት እዚ፡ ኣብ ሚያዝያን ግንቦትን 2020 ዓዲጉ ኺልእኮ ነበሮ። ኣብቲ ጊዜ እቲ፡ ሓያሎ ትካላት ብምኽንያት እቲ ለበዳ ንጥፈታተን ነክየን ነይረን እየን። ኰይኑ ግና፡ ኣብ ውሽጢ ወርሒ ግንቦት መብዛሕትአን ኣብያተ ጽሕፈት ትርጉም ማዕዶን ኣብያተ ጽሕፈት ጨንፈርን ካልኦት ቦታታት ትርጉምን እዚ ናውቲ እዚ በጺሕወን እዩ።

 ንኽፍሊ ዓለምለኻዊ ሸመታ ብሓላፍነት ዚከታተል ጄይ ስዌኒ፡ “ኣብ ብምሉኡ እዚ ፕሮጀክት እዚ፡ ኣብ ሞንጎ ክፍልታት ቤት-ኤልን ንግዳዊ ትካላትን ጽቡቕ ምትሕብባር ነይሩ እዩ። እዚ ብዙሕ ገንዘብ ከየወጻእና ኺሰልጠና ዝኸኣለ ብሓገዝ የሆዋ ጥራይ እዩ” በለ።

 ኣብ ክፍሊ ኣገልግሎት ትርጉም ዝዓዪ ኒኮላስ ኣላዲስ ከምዚ በለ፦ “እቶም ሽዑ ኣብ ዕጽዋ ዝነበሩ ተርጐምቲ፡ ነቲ ናውቲ እቲ ብምርካቦም ኣዝዮም ተተባቢዖም እዮም። እዞም ተርጐምቲ እዚኦም፡ ካብ ካልኦት ኣባላት ጕጅለኦም ብኣካል ተፈልዮም እኳ እንተ ነበሩ፡ ብልዕሊ 500 ቛንቋ፡ መደረታትን ድራማታትን መዝሙራትን ተሓባቢሮም ኪትርጉሙን ኪቐድሑን ክኢሎም እዮም።”

 እዚ ፕሮጀክት እዚ፡ ሓደ ኻብቲ ‘ዅሉ ሳዕ ተሓጐሱ’! ዘርእስቱ ኣኼባ ዞባ 2020 ንምድላው እተገብረ ፕሮጀክትታት እዩ። እዚ ኣገዳሲ ነገራት እዚ፡ ኪዕደግ ዝኸኣለ ሳላ እቲ ብdonate.pr418.comን ብኻልእ መገድታትን ኣቢልኩም ብልግሲ እትገብርዎ ወፈያ እዩ።