ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ነዛ መጽሓፍ ቅዱሳዊት ድራማ ንምድላው፡ ልዕሊ 27,500 ኪሎ ግራም ዚኸውን ጥሑን ኣእማን ናብ ስቱድዮ ማውንት ኢቮ ተወሲዱ እዩ

ወፈያኻ ኣብ ምንታይ መዓላ ይውዕል፧

ፍርያት ቪድዮ እቲ ‘ዅሉ ሳዕ ተሓጐሱ’! ዘርእስቱ ኣኼባ ዞባ 2020

ፍርያት ቪድዮ እቲ ‘ዅሉ ሳዕ ተሓጐሱ’! ዘርእስቱ ኣኼባ ዞባ 2020

10 ነሓሰ 2020

 ኣብ ኣኼባ ዞባ ዚርአ ቪድዮታት፡ ንልብና ይትንክዮ ንትምህርታት መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎና ምርዳእ ድማ የዕምቖ እዩ። እቲ ‘ዅሉ ሳዕ ተሓጐሱ’! ዘርእስቱ ኣኼባ ዞባ 2020፡ ብኣባላት ኣመሓዳሪ ኣካልን ብሓገዝቶምን ዝቐረበ 43 መደረታት ዚርከቦ 114 ቪድዮ ዝሓዘ እዩ። ንዅሉ እዚ ፍርያት ቪድዮ ንምድላው፡ ክንደይ ጻዕርን ወጻእን ከም እተገብረሉ ኽትፈልጥ ምደለኻዶ፧

 ኣብ መላእ ዓለም ዚርከቡ ኣስታት 900 ኣሕዋትን ኣሓትን፡ ነዚ መደብ እዚ ንምድላው ግዜኦምን ክእለቶምን ወፍዮም እዮም። ነዚ ኽልተ ዓመት ዝወሰደ መደብ ንምፍጻም፡ ብድምር ዳርጋ 100,000 ዝኸውን ሰዓታት ወፍዮም እዮም። ካብዚ እቲ 70,000 ሰዓታት፡ ነታ ነህምያ፦ “ሓጐስ የሆዋ ዕርድኹም እዩ” ዘርእስታ 76 ደቒቕ ዝንውሓታ መጽሓፍ ቅዱሳዊት ድራማ ንምድላው ዝወዓለ እዩ።

 ከም እትግምቶ፡ ነዞም ጥቕሚ ርእሶም ዚስውኡ ወለንተኛታት ንመንበሪኦም ኰነ ነዚ ዕዮ ንምዝዛም ዜድልዮም ነገራት ንምምላእ፡ ብዙሕ ወጻኢታት ዚሓትት እዩ ነይሩ።

 ኣብ ክፍሊ ኣገልግሎት ኣውድዮ ቪድዮ ዝዓዪ ጀረድ ጕሱማን ከምዚ በለ፦ “ኮሚተ ትምህርቲ ኣመሓዳሪ ኣካል፡ ኣብ ቪድዮታትና እተፈላለየ ባህልታትን ቦታታትን ኪርአ ይደሊ እዩ። እዚ ኸኣ፡ ንዓለምለኻዊ ሕውነትና ንምንጽብራቕ እዩ። ነዚ ሸቶ እዚ ንምውቃዕ፡ ኣብ 11 ሃገራት ዚርከባ 24 ጕጅለታት ኣብዚ ፕሮጀክት እዚ ብሓባር ዓይየን እየን። ከምዚ ዚኣመሰለ ዓለምለኻዊ ዕዮ፡ ብዙሕ ወጻእን ውጥንን ምትሕብባርን ዚሓትት እዩ።”

 ንሓያሎ ቪድዮታትና ንምድላው ፍሉይ ናውቲ የድልዮ እዩ። ንኣብነት፡ እታ ነህምያ፦ “ሓጐስ የሆዋ ዕርድኹም እዩ” ዘርእስታ ድራማ፡ ኣብ ፓተርሰን ኒው ዮርክ ሕቡራት መንግስትታት ኣሜሪካ ኣብ ዚርከብ ስቱድዮ ማውንት ኢቮ እያ ተዳልያ። ነቲ እተገብረ ወፈያታት ብውሕሉል መገዲ እናተጠቐምካ፡ ታሪኻዊ ልክዕነት እታ ድራማ ንምሕላው፡ ኣሕዋት ንጥንታዊ መናድቕ የሩሳሌም ዜንጸባርቕ ብፈኲስ ነገራት እተዳለወ መናድቕ መሰል ቀጸላታት ሰሪሖም እዮም። ኵሉ እቲ ብዕንጨይቲ እተሰርሐ ሽዱሽተ ሜተር ዝቝመቱ ቐጸላ፡ ኣእማን ብዚመስል መገዲ ተለኽዩ እዩ። ብዙሕ ቀጸላታት ከይተጠቐምካ፡ እተፈላለየ ምርኢት ንምቕዳሕ፡ እዚ እተሰርሐ መናድቕ ብቐሊሉ ኺንቀሳቐስ ዚኽእል እዩ ነይሩ። ምስናይዚ ግና፡ ነዚ ንምህናጽ ዳርጋ 100,000 ዶላር ኣሜሪካ ኣውጺኡ እዩ። a

 እዚ ዝርዝር ነገራት ምፍላጥና፡ ነዚ ናይ ሎሚ ዓመት ኣኼባ ዞባ ዘሎና ሞሳ የዕብዮ እዩ። ነዚ ኣኼባ ዞባ ንምድላው እተገብረ ጻዕሪ፡ ብደረጃ ዓለምለኸ ንየሆዋ ውዳሰ ኸም ዜምጽእ ንተኣማመን ኢና። ስለቲ ብdonate.pr418.comን ብኻልእ መገድታትን ኣቢልኩም ንዓለምለኻዊ እትገብርዎ ዘለኹም ወፈያታት፡ ኣዚና ነመስግነኩም።

a እታ ነህምያ፦ “ሓጐስ የሆዋ ዕርድኹም እዩ” ዘርእስታ ድራማ፡ ቅድሚ ለበዳ ኮቪድ-19 እያ ተዳልያ። ስለዚ፡ ኣካላዊ ርሕቀት ኣየድልን እዩ ነይሩ።