ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መጽሓፍ ቅዱስ ከመይ ኢሉ ኣባና በጺሑ፧

መጽሓፍ ቅዱስ ከመይ ኢሉ ኣባና በጺሑ፧

መጽሓፍ ቅዱስ ከመይ ኢሉ ኣባና በጺሑ፧

መጽሓፍ ቅዱስ ከይተበረዘ ኽሳዕ እዚ ግዜና ምጽናሑ ብሓቂ ተኣምር እዩ። ተጻሒፉ ኻብ ዚውዳእ ድማ ልዕሊ 1,900 ዓመት ገይሩ ኣሎ። ኣብ ከም ካብ ሻምብቆ ጳጲሮስ ዚስራሕ ወረቐትን ካብ ቈርበት እንስሳ ዚስራሕ ብራናን ዝኣመሰለ ዚባላሾ ናውቲ እዩ ተጻሒፉ ነይሩ። እቲ በዅሪ ጽሑፋት ከኣ ሎሚ ሒደት ሰባት ጥራይ ብዚርድእዎ ቛንቋታት እተጻሕፈ እዩ ነይሩ። ብዘይካዚ፡ ከም ሃጸያትን መራሕቲ ሃይማኖትን ዝኣመሰሉ ሓያላት ሰባት ንመጽሓፍ ቅዱስ ኬጥፍእዎ ብዙሕ ጽዒሮም እዮም።

እዚ ዜደንቕ መጽሓፍ እዚ ንሓያሎ ዘመናት ተዓቂቡ ኺጸንሕን ኣዝዩ ህቡብ መጽሓፍ ኪኸውንን ዝኸኣለ ብኸመይ እዩ፧ ክልተ ረቛሒታት እስከ ርአ።

ብዝሒ ቕዳሓት ነቲ ጽሑፍ ኪዕቀብ ሓጊዙ

እቶም ነቲ ቐዳሞት ጽሑፋት መጽሓፍ ቅዱስ ብሕድሪ እተቐበሉ እስራኤላውያን፡ ነቲ በዅሪ ጥቕላላት ብጥንቃቐ ዓቂቦምዎን ብዙሕ ቅዳሓት ኣዳልዮምን እዮም። ንኣብነት፡ ንነገስታት እስራኤል፡ “ካብቲ ምስ ሌዋውያን ካህናት ዘሎ ሕጊ ንዕኡ ዚኸውን ቀዲሑ ኣብ መጽሓፍ ይጽሓፍ” ዝብል ትእዛዝ ተዋሂብዎም ነይሩ እዩ።—ዘዳግም 17:18

ብዙሓት እስራኤላውያን ንባብ ቅዱሳት ጽሑፋት ይፈትዉ፡ ቃል ኣምላኽ ከም ዝዀነ ድማ ይኣምኑ ነይሮም እዮም። ስለዚ፡ ብዚግባእ ዝሰልጠኑ ጸሓፍቲ፡ ነቲ ጽሑፋት ብልዑል ጥንቃቐ ይቐድሕዎ ነይሮም እዮም። ንኣብነት፡ እዝራ ዝስሙ ፍርሃት ኣምላኽ ዝነበሮ ጸሓፊ፡ “ነቲ የሆዋ ኣምላኽ እስራኤል ዝሃቦ ሕጊ ሙሴ ኣጸቢቑ ዚፈልጥ ቀዳሒ” ኸም ዝነበረ ተገሊጹ ኣሎ። (እዝራ 7:6) እቶም ኣብ መንጎ ሻድሻይን ዓስራይን ዘመን ድ.ክ. ንቕዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ወይ “ብሉይ ኪዳን” ዝቐድሑ ማሶራውያን ከኣ፡ ምእንቲ ኸይጋገዩ ነቲ ፊደላት ይቘጽርዎ ነይሮም እዮም። እዚ ብጥንቃቐ ንምቕዳሕ እተገብረ ጻዕሪ፡ ልክዕነት እቲ ጽሑፍ ኪሕሎን ነቲ ብጸላእቱ ንምጥፋኡ እተገብረ ሓያልን ቀጻልን ጻዕሪ ኺሰግርን ሓጊዙ እዩ።

ንኣብነት፡ ብ168 ቅ.ክ. እቲ ገዛኢ ሶርያ ዝነበረ ኣንቲቆስ ራብዓይ ኣብ መላእ ምድሪ ፍልስጥኤም ንዝረኸቦ ቅዳሓት ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ኼጥፍኦ ፈቲኑ እዩ። ብዛዕባ እዚ ድማ ታሪኽ ኣይሁድ፡ “ንዅሉ እቲ ዝረኸብዎ ጥቕላላት እቲ ሕጊ ቀዲዶም ኣንዲዶምዎ እዮም” ኢሉ ገሊጹ ኣሎ። ዘ ጂዊሽ ኢንሳይክሎፔድያ ድማ ከምዚ ይብል፦ “ነዚ ትእዛዝ እዚ ኺፍጽሙ ሓላፍነት እተዋህቦም ሰበ ስልጣን፡ ብጽኑዕ እዮም ፈጺሞምዎ። . . . ቅዱስ መጽሓፍ ምሓዝ . . . ብሞት እዩ ዜቕጽዕ ነይሩ።” ይኹን እምበር፡ ቅዳሓት ቅዱሳት ጽሑፋት ኣብ መንጎ እቶም ኣብ ምድሪ ፍልስጥኤም ዝነበሩ ዀኑ ኣብ ካልእ ሃገራት ዝነበሩ ኣይሁድ ተዓቂቡ ጸኒሑ እዩ።

ጸሓፍቲ ክርስትያናዊ ቕዱሳት ጽሑፋት ግሪኽኛ ወይ “ሓድሽ ኪዳን” ናይ ምጽሓፍ ዕዮኦም ምስ ወድኡ ነዊሕ ከይጸንሐ፡ እቲ ብመንፈስ ኣምላኽ ተደሪኾም ዝጸሓፍዎ መልእኽትታትን ትንቢታትን ታሪኻዊ ጸብጻባትን ብሰፊሑ ተዘርጊሑ ነይሩ እዩ። ንኣብነት፡ ዮሃንስ ኣብ ኤፌሶን ወይ ኣብ ጥቓ ኤፌሶን ኰይኑ እዩ ወንጌል ጽሒፉ። ኰይኑ ግና፡ ዮሃንስ ነታ ወንጌል ካብ ዚጽሕፋ 50 ዓመት ኣብ ዘይመልእ እተቐድሐ ተባሂሉ ብምሁራት ዚእመነሉ ቝራጽ፡ ኣብታ ኣማእታት ኪሎ ሜተራት ርሒቓ እትርከብ ግብጺ ተረኺቡ እዩ። እዚ ርኽበት እዚ ድማ፡ ኣብ ርሑቕ ሃገራት ዝነበሩ ክርስትያናት፡ ቅዳሓት እቲ ብግዜኦም ብድራኸ መንፈስ ኣምላኽ እተጻሕፈ ጽሑፋት ኪረኽቡ ይኽእሉ ምንባሮም ዜመልክት እዩ።

ቃል ኣምላኽ ብሰፊሑ ተዘርጊሑ ምንባሩ እውን፡ ድሕሪ ክርስቶስ ንነዊሕ ዘመናት ተዓቂቡ ኺጸንሕ ሓጊዙ እዩ። ንኣብነት፡ ንግሆ 23 ለካቲት 303 ድ.ክ.፡ እቲ ሃጸይ ሮሜ ዝነበረ ድዮክለጥያኖስ እናተዓዘበ፡ ወተሃደራቱ ንመዓጹ ቤት ክርስትያን ሰይሮም ኣትዮም ቅድሓት ቅዱሳት ጽሑፋት ኸም ዘንደዱ ተገሊጹ ኣሎ። ድዮክለጥያኖስ ንቕዱሳት ጽሑፋት ብምጥፋእ፡ ንክርስትና ኼጥፍእ ዚኽእል እዩ መሲልዎ ነይሩ። ንጽባሒቱ ድማ፡ ኵሉ ቕዳሓት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ኣደባባያት መላእ ሃጸያዊት ግዝኣት ሮሜ ኺነድድ ኣዊጁ እዩ። ይኹን እምበር፡ ቅዳሓት ተዓቂቡን ብዝያዳ ተባዚሑን እዩ። እኳ ደኣስ፡ ካብቲ ድዮክለጥያኖስ መስጐጕቲ ዘውረደሉ እዋን ነዊሕ ከይጸንሐ፡ መብዛሕትኡ ኽፍላት ብግሪኽኛ እተጻሕፈ ኽልተ ቕዳሓት መጽሓፍ ቅዱስ ክሳዕ እዚ ግዜና ተዓቂቡ እዩ። እቲ ሓደ ቕዳሕ ኣብ ሮማ፡ እቲ ኻልኣይ ቅዳሕ ከኣ ኣብ ለንደን፡ ዓዲ እንግሊዝ ኣብ ዚርከብ ቤተ መጻሕፍቲ ብሪጣንያ ይርከብ።

ዋላ እኳ ክሳዕ ሕጂ ገለ ኻብ በዅሪ ጽሑፋት መጽሓፍ ቅዱስ እንተ ዘይተረኽበ፡ ብኢድ እተጻሕፈ ኣሽሓት ቅዳሓት መጽሓፍ ቅዱስ ብምሉእ ወይ ብኸፊል ክሳዕ እዚ ግዜና ተዓቂቡ እዩ። ገለ ኻብዚ ድማ ኣዝዩ ጥንታዊ እዩ። እሞኸ ኣብቲ በዅሪ ጽሑፋት ዝነበረ መልእኽቲ ኪቕዳሕ ከሎ ተቐዪሩ ድዩ፧ ዊልያም ሄንሪ ግሪን እተባህለ ምሁር ብዛዕባ ቕዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ሓሳብ ኪህብ ከሎ፡ “ኣዝዩ ልክዕ ብዝዀነ መገዲ እተመሓላለፈ ኻልእ ጥንታዊ ጽሑፍ የልቦን ኪብሃል ይከኣል እዩ” በለ። ብዛዕባ ክርስትያናዊ ቕዱሳት ጽሑፋት ግሪኽኛ ድማ፡ ሰር ፍረደሪክ ከንዮን ዚብሃል ብዛዕባ ኢደ ጽሑፋት መጽሓፍ ቅዱስ መጽናዕቲ ዚገብር ፍሉጥ ምሁር ከምዚ ኢሉ ጽሒፉ ኣሎ፦ “ኣብ መንጎ እቲ በዅሪ ጽሑፍን እቲ ሕጂ ዘሎ ብጥንታውነቱ ቐዳማይ ቦታ ዝሓዝ ጽሑፍን ዘሎ ጋግ ኣዝዩ ሓጺር ካብ ምዃኑ እተላዕለ ኣብ ግምት ዚኣቱ ኣይኰነን። ቅዱሳት ጽሑፋት ከምቲ እተጻሕፎ ብዛዕባ ምምሕልላፉ ዝነበረ ምጥርጣር ሕጂ ተወጊዱ እዩ። ሓቅነትን ሓፈሻዊ ቕኑዕነትን መጻሕፍቲ ሓድሽ ኪዳን ኣብ መወዳእታ ኸም እተረጋገጸ ጌርካ ኺውሰድ ይከኣል እዩ።” ብተወሳኺ ድማ፡ “ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትሕዝቶ ልክዕ እዩ ምባል ካብ መጠን ንላዕሊ እተጋነነ ኣይኰነን። . . . ዝዀነ ይኹን ኣብ ዓለም ዘሎ ካልእ ናይ ጥንቲ መጽሓፍ ከምዚ ኺብሃለሉ ዚኽእል የልቦን” በለ።

ትርጉማት መጽሓፍ ቅዱስ

መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ኵሉ መጻሕፍቲ ንላዕሊ ኣዝዩ ፍሉጥ መጽሓፍ ኪኸውን ዝኸኣለሉ ኻልኣይ ምኽንያት፡ ብብዙሕ ቋንቋታት ኪርከብ ምኽኣሉ እዩ። እዚ ኸኣ ምስቲ ኣምላኽ ኵሎም ኣህዛብን ቋንቋታትን ንዕኡ ኺፈልጥዎን “ብመንፈስን ብሓቅን” ኬምልኽዎን ዘለዎ ዕላማ ዚሰማማዕ እዩ።—ዮሃንስ 4:23, 24፣ ሚክያስ 4:2

ናይ ፈለማ ትርጉም ቕዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ፡ እቲ ብግሪኽኛ እተተርጐመ ትርጉም ሰብዓ ሊቃናት እዩ። እዚ ትርጉም እዚ፡ ነቶም ካብ ምድሪ ፍልስጥኤም ወጻኢ ዝነበሩ ግሪኽኛ ዚዛረቡ ኣይሁድ እተዳለወ እዩ ነይሩ። የሱስ ምድራዊ ኣገልግሎቱ ቕድሚ ምጅማሩ ኣስታት ክልተ ሚእቲ ዓመት ኣቐዲሙ ድማ እዩ ተዛዚሙ። ብምሉኡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ እንተላይ ክርስትያናዊ ቕዱሳት ጽሑፋት ግሪኽኛ ተጻሒፉ ምስ ተወድአ ነዊሕ ዘመናት ከይጸንሐ፡ ብብዙሕ ቋንቋታት ተተርጒሙ እዩ። ደሓር ግና፡ እቶም መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ኢድ ኵሎም ሰባት ኪበጽሕ ጻዕሪ ኺገብሩ ዚግብኦም ነገስታትን ካህናትን ኣንጻር ናይዚ እዮም ገይሮም። ቃል ኣምላኽ ናብ ተራ ቋንቋታት ከይትርጐም ብምኽልካል፡ ነቶም መጓሰኦም ኣብ መንፈሳዊ ጸልማት ዳጒኖምዎም እዮም።

ተባዓት ሰባት ግና ንቤተ ክርስትያንን ንመንግስትን ብምቅዋም፡ ንህይወቶም ኣብ ሓደጋ ኣእትዮም ንመጽሓፍ ቅዱስ ብቛንቋ ተራ ሰባት ተርጒሞምዎ እዮም። ንኣብነት፡ ብ1530 እቲ ኣብ ኦክስፎርድ እተማህረ እንግሊዛዊ ዊልያም ቲንደል፡ ሕታም እተን መጻሕፍቲ ኦሪት ወይ ጰንጠጤቝ ዚብሃላ ቐዳሞት ሓሙሽተ መጻሕፍቲ ቕዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ኣዳልዩ እዩ። ብዙሕ ምጽራር እኳ እንተ ኣጋጠሞ፡ ንመጽሓፍ ቅዱስ ካብ እብራይስጢ ናብ እንግሊዝኛ ዝተርጐመ ናይ መጀመርታ ሰብ ኰይኑ እዩ። ቲንደል ንስም የሆዋ እተጠቕመ ናይ መጀመርታ ተርጓሚ እንግሊዝኛ እውን እዩ ነይሩ። ስጳኛዊ ምሁር መጽሓፍ ቅዱስ ካሴዶሮ ደ ሬና ሓደ ኻብቲ ቐዳሞት ናብ ስጳንኛ እተተርጐመ ትርጉማት መጽሓፍ ቅዱስ ኪዓዪ ኸሎ፡ ካብቶም ሰጐጕቱ ዝነበሩ ካቶሊክ ብቐጻሊ ንህይወቱ ዜስግእ ነገር የጋጥሞ ነይሩ እዩ። ናይ ትርጉም ዕዮኡ ንምፍጻም ከኣ ናብ ዓዲ እንግሊዝ፡ ጀርመን፡ ፈረንሳ፡ ሆላንድ፡ ስዊዘርላንድ ተጓዒዙ እዩ። *

ሎሚ እውን መጽሓፍ ቅዱስ ብሓያሎ ቛንቋታት ይትርጐም፡ ብሚልዮናት ቅዳሓት ከኣ ይሕተም ኣሎ። ክሳዕ ግዜና ኺዕቀብን ኣዝዩ ህቡብ መጽሓፍ ኪኸውንን ምኽኣሉ ድማ፡ እቲ ሃዋርያ ጴጥሮስ ብድራኸ መንፈስ ኣምላኽ፡ “እቲ ሳዕሪ ይነቅጽ፡ እቲ ዕምባባ እውን ይረግፍ፣ ቃል የሆዋ ግና ንዘለኣለም ይነብር” ኢሉ ዝጸሓፎ ቓላት ክሳዕ ክንደይ ሓቂ ምዃኑ የረጋግጸልና።—1 ጴጥሮስ 1:24, 25

[እግረ-ጽሑፍ]

^ ሕ.ጽ. 14 ትርጉም ሬና ብ1569 ተሓቲሙ፡ ብ1602 ድማ ብሰፕርያኖ ደ ቫሌራ ተኸሊሱ።

[ስእሊ]

ኣየናይ ትርጉም እንተ ኣንበብኩ ይሓይሽ፧

ሓያሎ ቛንቋታት እተፈላለየ ትርጉማት መጽሓፍ ቅዱስ ኣለዎ። ገሊኡ ትርጉማት ንምርዳኡ ኸቢድን ብሉይን ቋንቋ እዩ ዚጥቀም። ገሊኡ ድማ ኣብ ልክዕነት ዘይኰነስ: ንምንባቡ ቐሊል ኣብ ምዃን ዘተኰረ ፍኑው ኣተራጕማ እዩ ዚስዕብ። ካልእ ትርጉማት ከኣ ቃል ብቓሉ እዩ ተርጒሙ።

እቲ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመ መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም ዚብሃል ናይ እንግሊዝኛ ሕታም፡ ስሞም ብዘይተጠቕሰ ጕጅለ ተርጐምቲ ኻብቲ በዅሪ ቛንቋታት ብቐጥታ እተተርጐመ እዩ። ልዕሊ 60 ቛንቋ ድማ ኣብዚ ትርጉም እዚ ተመስሪቱ ተተርጒሙ ኣሎ። ይኹን እምበር፡ እዚ ትርጉማት እዚ ምስቲ ኣብ በዅሪ ቛንቋ ዘሎ ሓሳባት እውን ሰፊሕ ምንጽጻር ገይሩ እዩ። ትርጉም ሓዳስ ዓለም ነቲ ኣብ በዅሪ ቛንቋ ዘሎ ሓሳባት ንምርዳኡ ዜጸግም ክሳዕ ዘይኰነ ቓል ብቓሉ ኽትርጕሞ እዩ ጽዒሩ። እቶም ተርጐምቲ፡ ኣንበብቲ ንመጽሓፍ ቅዱስ ከምቲ ሰባት ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ በዅሪ ጽሑፋት ብቐሊሉ ዚርድእዎ ዝነበሩ ገይሮም ብቐሊሉ ኺርድእዎ ብዚኽእሉ መገዲ እዮም ተርጒሞምዎ።

ገሊኦም ምሁራት ስነ ቛንቋ ንዘመናዊ ትርጉማት መጽሓፍ ቅዱስ፡ እንተላይ ንትርጉም ሓዳስ ዓለም፡ ልክዕ ዘይኰነን ኣድልዎ ዘለዎን እንተ ዀይኑ መርሚሮም እዮም። ሓደ ኻብዚኣቶም ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ኣብ ዚርከብ ዩኒቨርሲቲ ኖርዘርን ኣሪዞና ናይ ሃይማኖታዊ መጽናዕቲ ተሓባባሪ ፕሮፌሰር ዝዀነ ጄሰን ዴቪድ በዱን እዩ። ብ2003 ከኣ ‘እንግሊዝኛ ዚዛረብ ክፋል ዓለም ብሰፊሑ ኣብ ዚጥቀመሉ ትሽዓተ መጽሓፍ ቅዱሳት’ ዝገበሮ 200 ገጽ ዘለዎ መጽናዕቲ ኣውጺኡ እዩ። * ኣብ ኣተራጕማኡ ኽርክር ኣብ ዜልዕል ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ድማ እዩ መጽናዕቲ ገይሩ። ከመይሲ፡ ኣብዚ ጥቕስታት እዚ ‘ኣብ ትርጉም ኣድልዎ ኺግበር ይኽእል እዩ።’ ኣብ ኵሉ እዚ ጥቕስታት እዚ ድማ፡ ነቲ ጽሑፍ ግሪኽኛ ምስ በበይኑ ትርጉማት እንግሊዝኛ ኣነጻጺርዎ፣ ብኣድልዎ ተደሪኾም ነቲ ትርጉሙ ይቕይሩ እንተ ዀይኖም እውን መርሚሩ። እሞኸ ኣብ ምንታይ መደምደምታ በጽሑ፧

መብዛሕትኦም ሰባትን ሓያሎ ምሁራት መጽሓፍ ቅዱስን፡ ትርጉም ሓዳስ ዓለም ካብ ካልእ ትርጉማት እተፈልየሉ ምኽንያት፡ ተርጐምቱ ብሃይማኖታዊ ኣረኣእያኦም ስለ እተጸልዉ ኸም ዝዀነ ገይሮም ከም ዚሓስቡ በዱን ገሊጹ እዩ። ይኹን እምበር፡ ‘መብዛሕትኡ እቲ ፍልልያት፡ ትርጉም ሓዳስ ዓለም ቃል ብቓሉ እተተርጐመ ልክዕ ትርጉም ብምዃኑ እተፈጥረ’ ኸም ዝዀነ ገሊጹ ኣሎ። በዱን ምስ ገሊኡ ኣተራጕማ ትርጉም ሓዳስ ዓለም ዘይሰማማዕ እኳ እንተ ዀነ፡ እዚ ትርጉም እዚ ኻብቲ ዘነጻጸሮ ትርጉማት፡ ትርጉም ሓዳስ ዓለም “እቲ ዝያዳ ልክዕ ዝዀነ ትርጉም ኰይኑ እየ ረኺበዮ” ኢሉ ገሊጹ ኣሎ። ነቲ ትርጉም ድማ፡ “ኣዝዩ ጽቡቕ” ኢሉ ጸዊዕዎ ኣሎ።

ዶክተር በንጃሚን ከዳር ዝስሙ ኣብ እስራኤል ዚነብር ምሁር እብራይስጢ ብዛዕባ ትርጉም ሓዳስ ዓለም ተመሳሳሊ ርእይቶ ሂቡ ነይሩ እዩ። ንሱ ብ1989 ከምዚ በለ፦ “እዚ ትርጉም እዚ ነቲ ጽሑፍ ብእተኻእለ መጠን ብልክዕ ንምርዳእ ልባዊ ጻዕሪ ኸም እተገብረ ዜርኢ [እዩ]። . . . ኣብ ትርጉም ሓዳስ ዓለም ኣብቲ ጽሑፍ ኪህሉ ዘይግብኦ ብኣድልዎ ዝኣተወ ሓሳብ ፈጺመ ኣይረኸብኩን።”

ንርእስኻ ኸምዚ ኢልካ ሕተት፦ ‘መጽሓፍ ቅዱስ ከንብብ ከለኹ ሸቶይ እንታይ እዩ፧ ኣብ ልክዕነት እቲ ጽሑፍ ዘየተኰረ ንምንባቡ ቐሊል ዝዀነ ትርጉም ድየ ዝደሊ፡ ወይስ ነቲ ብድራኸ መንፈስ ኣምላኽ እተጻሕፈ በዅሪ ጽሑፍ ብእተኻእለ መጠን ዜንጸባርቕ ሓሳባት እየ ኸንብብ ዝደሊ፧’ (2 ጴጥሮስ 1:20, 21) ሸቶኻ ንናይ ትርጉም ምርጫኻ ይውስኖ እዩ።

[እግረ-ጽሑፍ]

^ ሕ.ጽ. 22 ብዘይካ ትርጉም ሓዳስ ዓለም እቲ ኻልእ ትርጉማት እዚ ዚስዕብ እዩ፦ ዘ ኣምፕሊፋይድ ኒው ተስታመንት፡ ዘ ሊቪንግ ባይብል፡ ዘ ኒው ኣመሪካን ባይብል ዊዝ ሪቫይዝድ ኒው ተስታመንት፡ ኒው ኣመሪካን ስታንዳርድ ባይብል፡ ዘ ሆሊ ባይብልኒው ኢንተርናሽናል ቨርሽን፡ ዘ ኒው ሪቫይዝድ ስታንዳርድ ቨርሽን፡ ዘ ባይብል ኢን ቱደይስ ኢንግሊሽ ቨርሽን፡ ከምኡ እውን ኪንግ ጄምስ ቨርሽን።

[ስእሊ]

“መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም” ብብዙሕ ቋንቋታት ተዳልዩ ኣሎ

[ስእሊ]

ኢደ ጽሑፋት ማሶራውያን

[ስእሊ]

ንስኻትኩም ካብ ብዙሓት ጨራሩ ትበልጹ ኢኹም እሞ፡ ኣይትፍርሁ” ዚብላ ቓላት ሉቃስ 12:7 ዝሓዘ ቝራጽ

[ምንጪ ስእሊ]

Foreground page: National Library of Russia, St. Petersburg; second and third: Bibelmuseum, Münster; background: © The Trustees of the Chester Beatty Library, Dublin