ግምቢ ዘብዐኛ—ሕታም መጽናዕቲ ነሓሰ 2013

እዛ ሕታም እዚኣ፡ ኣብ ኣገልግሎት ኣምላኽ እሙናትን ጠቐምትን ኴንና ብኸመይ ከም እንቕጽል፡ ብዜጋጥመና ጸገማት ንኣምላኽ ካብ ምውቃስ ብኸመይ ከም እንሕሎ፡ ንተስፋ ምቝራጽ ብኸመይ ከም እንቃለሶ ትገልጽ።

ተቐዲስካ ኢኻ

ኣብ ኣገልግሎት ኣምላኽ ቅዱሳትን ጠቐምትን ኴንና ንኽንቅጽል ኪሕግዘና ዚኽእል ኣርባዕተ ረቛሒታት ንመርምር።

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ክርስትያን ወለዲ፡ ኣብ ኣኼባታት ጉባኤ ምስ ሓደ እተወገደ ውሉዶም ብሓንሳእ ኮፍ ኪብሉ ግቡእ ድዩ፧

ታሪኽ ህይወት

የሆዋ ‘ነንመዓልቲ ጾረይ ይጸውር’

ኣብ ናሚብያ እትነብር ሓብቲ፡ ከቢድ ጸገማት ጥዕና እኳ እንተ ነበራ፡ ንልዕሊ 20 ዓመት ፈላሚት ኰይና ብሓጐስ ንኸተገልግል ዝሓገዛ እንታይ እዩ፧

‘ኣብ የሆዋ ኣይተንጸርጽር’

ገሊኦም ብልቦም ብኣምላኽ ይምረሩ። ብዜጋጥሞም ጸገማት ንኣምላኽ ይወቕስዎ። ካብዚ መፈንጠራ እዚ ብኸመይ ክንርሕቕ ንኽእል፧

ኣቱም ወለዲ፡ ንውሉዳትኩም ካብ ሕጻንነቶም ኣትሒዝኩም ኣሰልጥንዎም

ወለዲ ኻብ መዓስ ጀሚሮም እዮም ንውሉዳቶም ኬሰልጥንዎም ዘለዎም፧ እቲ ስልጠናኸ እንታይ እዩ ኼጠቓልል ዘለዎ፧

ኣብ ንሓድሕድና ነስተብህልን ንተባባዕን

ጸገማት እናሃለወና ኽነሱ፡ ንኣምላኽ ብተኣማንነት ምእንቲ ኸነገልግሎ፡ ንሓድሕድና ኽንተሓጋገዝ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

ከመይ ዝበልካ ኽትከውን ከም ዚግብኣካ ሕሰብ

ሰይጣን ስምረት ኣምላኽ ክንረክብ ኣይደልየናን እዩ። ነቲ ምስ የሆዋ ዘሎና ዕርክነት ክንዕቅቦ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

ኤልሳእ ሰረገላታት ሓዊ ርእዩ—ንስኻኸ፧

ኤልሳእ ድልድልቲ እምነት ነበረቶ፡ ኣብ የሆዋ እውን ምሉእ ብምሉእ ይውከል ነበረ። ካብ ኣብነቱ እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧

ካብ መዛግብትና

እቲ ንጉስ ባህ በሎ

ንጉስ ስዋዚላንድ፡ ንፍልጠት ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ከም ዘማሰወሉ ኣንብብ።