ግምቢ ዘብዐኛ—ሕታም መጽናዕቲ መስከረም 2013

እዛ ሕታም እዚኣ፡ ብኸመይ ጥበባዊ ውሳነታት ከም እንገብር፡ ነቲ ምስ የሆዋ ኣምላኽ ዘሎና ርክብ ብኸመይ ከም እነደልድሎ፡ ከምኡውን ካብ መዘኻኻሪታት የሆዋ ብኸመይ ከም እንጥቀም ትገልጽ።

ንጽጽር ይሓግዝካ

የሱስ ብተደጋጋሚ ንጽጽር ይጥቀም ነበረ። ንስኻውን ብንጽጽር ተጠቒምካ ንሰባት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ንኺመሃሩ ብኸመይ ክትሕግዞም ከም እትኽእል ርአ።

መዘኻኸሪታት የሆዋ እሙን እዩ

የሆዋ ንህዝቡ ንምምራሕ ወትሩ መዘኻኸሪታት ኪጥቀም ጸኒሑ እዩ። ሎሚ ብመዘኻኸሪታት ኣምላኽ ክንእመን እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧

ንመዘኻኸሪታት የሆዋ ሓጐስ ልብኻ ግበሮ

ንመዘኻኸሪታት ኣምላኽ ተሓጒስና ንሕልዎ ዲና፧ ወይስ ሓድሓደ ግዜ ኸም ጾር ጌርና ኢና እንርእዮ፧ ነታ ኣብ መዘኻኸሪታቱ ዘላትና እምንቶ ኸነደልድላ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

ተለዊጥካ ዲኻ፧

ኵሎም ክርስትያናት ‘ኪልወጡ’ ዘለዎም ስለምንታይ እዮም፧ እዚ ለውጢ እዚ እንታይ እዩ ዜጠቓልል፧ ክንዕወት እንኽእልከ ብኸመይ ኢና፧

ንብሕታዊ ውሳነታትካ ብጥበብ ግበሮ

ውሳነታትና ምስ ፍቓድ ኣምላኽ ዚሳነ እንተ ዀይኑ ኸነረጋግጽ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ ነቲ ዝገበርናዮ ውሳነ ንምትግባር እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧

ዕዮ ፈላምነት ምስ ኣምላኽ ንዘሎና ርክብ የደልድሎ

ዕዮ ፈላምነት ነቲ ምስ የሆዋ ዘሎካ ርክብ ዜደልድለሉ ሸሞንተ መገድታት ርአ። ኣብዚ ዓስቢ ዘለዎ መዳይ ኣገልግሎት እዚ ንኽትቅጽል እንታይ ኪሕግዘካ ይኽእል፧

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ከምቲ ኣብ ዮሃንስ 11:35 ተገሊጹ ዘሎ፡ የሱስ ንኣልኣዛር ካብ ሞት ቅድሚ ምትንሳኡ ዝነብዐ ስለምንታይ እዩ፧