ግምቢ ዘብዐኛ ሕዳር 2013 | ሰባት ንኣምላኽ ከም ዘየፍቅርዎ ዚገብሮም ሓሶታት

ንዘመናት ኪደጋገም ዝጸንሐ ሃይማኖታዊ ሓሶታት፡ ሰባት ንኣምላኽ ከም ዘየፍቅርዎን ከም ዘይቀርብዎን ገይርዎም እዩ። ኣምላኽ ኪቕረብ ዘይከኣል ወይ ከኣ ጨካን ዘይምዃኑ ብኸመይ ንፈልጥ፧

ገበር

ሰባት ንኣምላኽ ምፍቃር ዓቐብ ኰይኑዎም

ካብ ኣምላኽ ዝረሓቕካ ዀይኑ ድዩ ዚስምዓካ፧ ኣምላኽ ኪፍቀር ዘይከኣል ድዩ፧ ገሊኦም ክርስትያናት ከምኡ ዚስምዖም ስለምንታይ ምዃኑ ኣንብብ።

ገበር

ንኣምላኽ ስም ኣልቦ ዝገበሮ ሓሶት

ንስም ኣምላኽ ክንፈልጦን ክንጥቀመሉን ንኽእል ዲና፧ ኣገዳሲ ዝዀነኸ ስለምንታይ እዩ፧

ገበር

ንኣምላኽ ምስጢር ዚገብሮ ሓሶት

ሰረተ እምነት ስላሴ ንኣምላኽ ብሓቂ ንኸይትፈልጦን ንኸይተፍቅሮን ዚዓግት እዩ። ንኽትፈልጦ ወይ ንኽትርድኦ ኣጸጋሚ ንዝዀነ ኣካል ከተፍቅሮ ትኽእልዶ፧

ገበር

ንኣምላኽ ጨካን ዚገብሮ ሓሶት

ብዙሓት ሰባት፡ ኣምላኽ ንሓጥኣን ንዘለኣለም ከም ዚቐጽዖም ይኣምኑ እዮም። ኰይኑ ግና፡ ኣምላኽ ረሲእ ድዩ፧ ምስ ሞትና ብሓቂ እንታይ ኢና እንኸውን፧

ገበር

ሓራ ኸተውጽኣካ እትኽእል ሓቂ

የሱስ፡ ገሊኡ ሃይማኖታዊ ትምህርትታት ሓቂ እንተ ዀይኑ ንኽንግምግም ዚሕግዘና እንታይ መለክዒ እዩ ሂቡ፧

መፍትሕ ሓጐስ ስድራ ቤት

ምስ ውሉድካ ብዘይ ቈይቊ ተዘራረብ

ውሉድካ ገና ንመንነቱ ይሃንጽ ስለ ዘሎ፡ ርእይቶኡ ዚገልጸሉ ሃዋህው የድልዮ እዩ። ብኸመይ ክትሕግዞ ትኽእል፧

ንኣምላኽ ቅረቦ

‘ነቶም ዚደልይዎ ዓስቦም ዚህቦም’

ንየሆዋ እንታይ ዓይነት እምነት እያ ባህ እተብሎ፧ ነቶም እሙናት ኣምለኽቱ ዓስቦም ዚህቦምከ ብኸመይ እዩ፧

ኣስኣሰር እምነቶም ስዓብ

‘ብግብሪ ጸደቐት’

ዛንታ ረሃብ፡ ኵላትና ኣብ ቅድሚ የሆዋ ዋጋ ኸም ዘሎና ዜርኢ ብኸመይ እዩ፧ ካብታ ረሃብ ዝነበረታ እምነት እንታይ ክንምሃር ንኽእል፧

መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ

ኵሎም ጻድቃን ድዮም ናብ ሰማይ ዚኸዱ፧ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ከም ዚብል መርምር።

ኣብ ኢንተርነት ዝወጸ ተወሳኺ ዓንቀጻት

ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ሃይማኖቶም ጥራይ ናይ ሓቂ ኸም ዝዀነት ድዮም ዚኣምኑ፧

የሱስ፡ ናብ ድሕነት ዚወስድ ብዙሕ መገድታት ከም ዘሎ ተዛሪቡ ድዩ፧