ግምቢ ዘብዐኛ—ሕታም መጽናዕቲ ጥሪ 2014

እዛ ሕታም እዚኣ፡ የሆዋ ወትሩ ንጉስ ምዃኑ ተረጋግጸልና። ብዛዕባ መሲሓዊት መንግስቲ ኣምላኽን ብዛዕባ ዝዓመመቶ ነገራትን ዘሎና ግንዛበ እውን ተስፍሓልና።

ፈትዮም ይመጹ—ምዕራብ ኣፍሪቃ

ንገሊኦም ኤውሮጳውያን ናብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ንኺግዕዙ ዝደረኾም እንታይ እዩ፧ እንታይ ውጽኢትከ ረኺቦም፧

ነቲ ናይ ዘለኣለም ንጉስ ዝዀነ የሆዋ ኣምልኮ

የሆዋ ኸም ኣቦ መጠን እንታይ ከም ዝገበረን ንንግስነቱ ብኸመይ ከም ዝዓየየሉን ምፍላጥካ፡ ናብኡ ኸም እትቐርብ ይገብረካ።

100 ዓመት ዝጸንሐ ግዝኣት መንግስቲ ኣምላኽ—ብኸመይ ይጸልወካ፧

ካብ ግዝኣት መንግስቲ ኣምላኽ ብኸመይ ኢና ኽንጥቀም እንኽእል፧ መሲሓዊት መንግስቲ ኣምላኽ ንተገዛእታ ብኸመይ ከም እትዅልዖምን እትምህሮምን እትውድቦምን ርአ።

ብግዜ ንእስነትካ ጥበባዊ ምርጫ ግበር

ብዙሓት ርእሶም ዝወፈዩ ክርስትያን መንእሰያት፡ ንኻልኦት ብምሕጋዝ ዜደንቕ ተመክሮ ይረኽቡ ኣለዉ። ንስኻኸ ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ብምክፋል ዝያዳ ዕግበት ክትረክብ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧

ክፉእ መዓልትታት ከይመጸ ንየሆዋ ኣገልግሎ

ብዕድመ ዝደፍኡ ክርስትያናት ኣገልግሎቶም ንኼስፍሑ ዜኽእሎም እንታይ ኣጋጣሚታት ኣለዎም፧

“መንግስትኻ ትምጻእ”—ግናኸ መዓስ፧

እቲ ብኣምላኽ እተቐብአ ንጉስ፡ ድሕሪ ሓጺር እዋን ንፍቓድ ኣምላኽ ኣብ ምድሪ ምሉእ ብምሉእ ንምፍጻም ተወሳኺ ስጕምቲ ኸም ዚወስድ ርግጸኛታት ክንከውን እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧

ብቝልዕነተይ ዝመረጽክዎ

ኣብ ኮሎምበስ፡ ኦሃዮ፡ ሕ.መ.ኣ. ዚነብር ዝነበረ ሓደ ቘልዓ፡ ካምቦድያኛ ኺመሃር ወሲኑ። ስለምንታይ፧ ውሳነኡ ንመጻኢኡ ዝቐረጾኸ ብኸመይ እዩ፧