ግምቢ ዘብዐኛ—ሕታም መጽናዕቲ መጋቢት 2014

ኣብዛ ሕታም እዚኣ፡ ጥቕሚ ርእስኻ ናይ ምስዋእ መንፈስን ኣወንታዊ ኣረኣእያን ብኸመይ ክትዕቅብ ከም እትኽእል ፍለጥ። ብዕድመ ንዝደፍኡ ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾትናን ኣዝማድናን ብኸመይ ክንከናኸኖም ንኽእል፧

ንልቢ እቶም ዘይኣመንቲ ኣዝማድካ ኽትንክፎ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧

ካብቲ የሱስ ንኣሕዋቱ ዝሓዘሉ መገዲ እንታይ ንመሃር፧ ካልእ እምነት ንዘለዎም ወይ እምነት ዚብሃል ንዘይብሎም ኣባላት ስድራ ቤትና ብዛዕባ እምነትና ብኸመይ ክንነግሮም ንኽእል፧

ጥቕሚ ርእስኻ ናይ ምስዋእ መንፈስ ዓቅብ

ነቲ ዘሎና ጥቕሚ ርእስኻ ናይ ምስዋእ መንፈስ ኬዳኽሞ ዚኽእል ስውር ጸላኢ ኣሎና። እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ነቲ ጸላኢ እቲ ንኸነለልዮ ትሕግዘና፡ ንኽንቃለሶ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ኪሕግዘና ኸም ዚኽእል ከኣ ትገልጽ።

ኣወንታዊ ኣረኣእያ ዓቅብ

ንብዙሓት ሰባት ኣሉታዊ ኣረኣእያ ዜሸግሮም ስለምንታይ እዩ፧ እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣወንታዊ ኣረኣእያ ንኸነማዕብል ብኸመይ ኪሕግዘና ኸም ዚኽእል ትገልጽ።

ንኣምልኾ ስድራ ቤትካ ብዝያዳ ዜሐጕስ ክትገብሮ ትኽእልዶ፧

እንታይ ክትፍተን ከም ዘሎካ ምእንቲ ኽትፈልጥ፡ ኣብ እተፈላለየ ሃገራት፡ ኣምልኾ ስድራ ቤት ብኸመይ ከም ዚግበር ርአ።

ንኣረጋውያን ኣኽብሮም

ኣምላኽ ብዛዕባ ኣረጋውያን ዘለዎ ኣረኣእያ መርምር። ዝባጽሑ ውሉዳት ንኣረጋውያን ወለዶም ብዚምልከት እንታይ ሓላፍነት እዩ ዘለዎም፧ ጉባኤታት ነቶም ኣብ መንጎአን ዚርከቡ ኣረጋውያን ኬኽብራኦም ዚኽእላ ብኸመይ እየን፧

ንኣረጋውያን ተኸናኸኖም

ኣረጋውያን ወለድን ዝባጽሑ ውሉዳትን፡ “ክፉእ መዓልትታት ከይመጸ፡” ብዛዕባ እቲ ዚገብርዎ ምድላዋትን ውሳነታት ኪመያየጡ ይኽእሉ እዮም። ንገሊኡ ብድሆታት ኪሰግርዎ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧

ቃልካ ‘እወን ኣይፋልን’ ድዩ፧

ክርስትያናት ቃሎም ኪሕልዉ ኣለዎም፣ ዘረባኦም ድማ ‘እወን ኣይፋልን’ ኪኸውን የብሉን። ቈጸራ ኽንስርዝ እንተ ተገዲድናኸ፧ ካብ ኣብነት ሃዋርያ ጳውሎስ ተምሃር።