ግምቢ ዘብዐኛ—ሕታም መጽናዕቲ መጋቢት 2015

እዛ ሕታም እዚኣ፡ ካብ 4 ክሳዕ 31 ግንቦት 2015 ኣብ ዘሎ ሰሙናት ንዚጽናዕ ዓንቀጻት መጽናዕቲ ዝሓዘት እያ።

ታሪኽ ህይወት

ዝያዳ ዕግበትን ዓስብን ዘለዎ ሞያ ረኺብና

ዴቪድ ካርትራይትን ግወን ካርትራይትን መጻምድቲ ዀይኖም ሳዕስዒት ባለይ ይስዕስዑ ነበሩ፣ ሕጂ ግና ንኣእጋሮም ብዝሓሸ መገዲ ይጥቀሙሉ ኣለዉ

“ከምኡ ዝዀነ፡ ስለ ዝሰመርካዮ እዩ”

ኣብዚ ቐረባ ዓመታት፡ ሕታማትና ንገሊኡ ጸብጻባት መጽሓፍ ቅዱስ መብዛሕትኡ ግዜ ብዝቐለለን ብዝነጸረን መገዲ ዚገልጾ ዘሎ ስለምንታይ እዩ፧

‘ክትነቅሕ’ ዲኻ፧

ብዛዕባ እቲ የሱስ ነተን ዓሰርተ ደናግል ብዚምልከት ዝሃቦ ምሳሌ ኣብ ዝነበረና ግንዘበ እተገብረ ምትዕርራይ ኣንብብ፣ እቲ ምትዕራርይ ኣብቲ ቐሊልን ህጹጽን መልእኽቲ እቲ ምሳሌ ዜተኵር እዩ።

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ኣብ ዝሓለፈ እዋን ዚወጽእ ዝነበረ ጽሑፋትና፡ ሓደ ጸብጻብ መጽሓፍ ቅዱስ ጽላሎት ናይ ዚመጽእ ዝዓበየ ነገር ከም ዝዀነ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ይገልጽ ነይሩ እዩ፣ ኣብዚ ቐረባ ግዜ ግና ብዙሕ ኣይገልጽን እዩ። ስለምንታይ፧

ካብ ምሳሌ እቲ ታለንት ተምሃር

እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ብዛዕባ ምሳሌ እቲ ታለንት ንዘሎና ምርዳእ ተነጽሮ።

ንኣሕዋት ክርስቶስ ብተኣማንነት ደግፎም

እቶም ክርስቶስ ከም ኣባጊዕ ዚፈርዶም ሰባት፡ ንኣሕዋቱ ዚድግፍዎም ብኸመይ እዮም፧

“ብጐይታ ጥራይ” ምምርዓው—ሎሚ እውን ግብራዊ ድዩ፧

እቶም ንምኽሪ ኣምላኽ ኪስዕቡ ዝቘረጹ ሰባት፡ ንልቢ የሆዋ የሐጕስዎን መንፈሳዊ በረኸት ይረኽቡን እዮም።