ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ግምቢ ዘብዐኛ ቍ. 2 2018 | ኣብ መጻኢ እንታይ ይጽበየና ኣሎ፧

ኣብ መጻኢ እንታይ ይጽበየና ኣሎ፧

ኣብ መጻኢ ንዓኻን ንስድራ ቤትካን እንታይ ይጽበየኩም ከም ዘሎ ሓሲብካዶ ትፈልጥ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል፦

“ጻድቃን ንምድሪ ኺርስተይዋ፡ ኣብኣ እውን ንዘለኣለም ኪነብሩ እዮም።”—መዝሙር 37:29

እዛ ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ እዚኣ፡ ኣምላኽ ንደቂ ሰብን ንምድርን እንታይ ዜደንቕ ዕላማ ኸም ዘለዎ፡ ካብቲ ዕላማ እቲ ምእንቲ ኽንጥቀም ድማ እንታይ ክንገብር ከም ዘሎና ትገልጽ።

 

ብዛዕባ መጻኢ ምንባይ

ሰባት ብዛዕባ መጻኢ ንኣሽሓት ዓመታት ግምታቶም ሂቦም እዮም። ገሊኡ ግምታቶም ልክዕ ኪኸውን ከሎ፡ ገሊኡ ግና ብኣንጻሩ እዩ ዚኸውን።

ቈጸራ ኸዋኽብትን ጥንቈላን ብዛዕባ መጻኢ ይነግረና ድዩ፧

ነዚ ዓይነት ትንቢት ክትኣምኖ ትኽእል ዲኻ፧

እተፈጸመ ትንቢታት

ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ ብልክዕ ተፈጺሙ እዩ።

ንልክዕነት ትንቢት ዚምስክር ድምጺ ኣልቦ ምስክር

ኣብ ሮማ ዚርከብ ጥንታዊ ሓወልቲ ንልዕክነት ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ ይምስክር።

ዚፍጸም ተስፋታት

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ብዙሕ ትንቢታት ተፈጺሙ እዩ፣ ገሊኡ ድማ ኣብ መጻኢ ኺፍጸም እዩ።

ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ክትነብር ትኽእል ኢኻ

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣምላኽ ንደቂ ሰብ ዘለዎ ዕላማ ይገልጽ እዩ።

መጻኢኻ ኽትመርጽ ትኽእል ኢኻ!

ገሊኦም ሰባት፡ ንህይወቶም ዚቈጻጸሮ ጽሕፍቶኦም ወይ ዕድሎም ከም ዝዀነ ይኣምኑ እዮም። ግናኸ እዚ ሓቂ ድዩ፧

“ዓቃላት ግና ንምድሪ ኺርስተይዋ እዮም”

መጽሓፍ ቅዱስ ግፍዕን እከይ ዘይህልወሉ እዋን ከም ዚመጽእ የተስፉ እዩ።