ግምቢ ዘብዐኛ—ሕታም መጽናዕቲ ሓምለ 2018

እዛ ሕታም እዚኣ፡ ካብ 3-30 መስከረም 2018 ዚጽናዕ ዓንቀጻት መጽናዕቲ ዝሓዘት እያ።

ፈትዮም ይመጹ

ፈትዮም ይመጹ—ምያንማር

ብዙሓት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዓዶም ሓዲጎም ኣብ ምያንማር ኣብ ዚካየድ መንፈሳዊ ቐውዒ ዚሕግዙ ዘለዉ ስለምንታይ እዮም፧

ካብ መን ኢኻ ተፈላጥነት ክትረክብ እትደሊ፧

ካብቲ ኣምላኽ ንእሙናት ኣገልገልቱ ኣፍልጦ ዝሃበሉ መገዲ እንታይ ክንምሃር ንኽእል፧

ኣዒንትኻ ናብ መን እየን ዚጥምታ ዘለዋ፧

ካብቲ ሙሴን ዝፈጸሞ ኸቢድ ጌጋ ኣገዳሲ ትምህርቲ ኽንምሃር ንኽእል ኢና።

“ኣብ ጐድኒ የሆዋ ዝዀነ መን ኣሎ፧”

እቲ ብዛዕባ ቃየልን ሰሎሞንን ሙሴን ኣሮንን ዚገልጽ ጸብጻባት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣብ ጐድኒ የሆዋ ምዃንና ጥበባዊ ኸም ዝዀነ ዜርኢ ስለምንታይ እዩ፧

ናይ የሆዋ ኢና

የሆዋ ምስኡ ርክብ ክንምስርት ኣጋጣሚ ስለ ዝኸፈተልና ኸነመስግኖ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

ን“ዅሉ ዓይነት ሰብ” ርሕሩሕ ኩን

ሰባት እንታይ ከም ዜድልዮምን እንታይ ዓይነት ጸገማት ከም ዘለዎምን ኣበየናይ መዳይ ሓገዝ ከም ዜድልዮምን ብምስትብሃል ንርሕራሐ የሆዋ ቕድሓዮ።

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ክልተ ዘይተመርዓዉ ሰባት ብዘይ ገለ ግቡእ ምኽንያት ኣብ ሓንቲ ቤት ንበይኖም እንተ ሓዲሮም፡ ከቢድ ሓጢኣት ፈጺሞም ኪብሃል ይከኣል ድዩ፧