ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ግምቢ ዘብዐኛ ቍ. 3 2018 | ኣምላኽ ይሓልየልካ ድዩ፧

ኣምላኽ ይሓልየልካ ድዩ፧

ሓደጋ ኼጋጥም ከሎ ወይ ሰባት ኪሳቐዩን ኪሞቱን ከለዉ፡ ኣምላኽ ነዚ ይርእዮ ወይ ብዛዕባኡ ይግድሶ እንተ ዀይኑ የተሓሳስበና ይኸውን። መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል፦

“ምኽንያቱ፡ ኣዒንቲ የሆዋ ናብ ጻድቃን፡ ኣእዛኑ እውን ንምህለላኦም ይሰምዓ እየን፣ ገጽ የሆዋ ግና ኣንጻር እቶም ክፉእ ዚገብሩ እዩ።”—1 ጴጥሮስ 3:12

እዛ ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ እዚኣ፡ ኣምላኽ ብኸመይ ከም ዚሕግዘናን ንዅሉ መከራ ንምውጋድ እንታይ ይገብር ከም ዘሎን ትገልጽ።

 

“ኣምላኽ ኣበይ ነይሩ፧”

ኣብ ህይወትካ ዘጋጠመካ ዜሕዝን ፍጻመ፡ ኣምላኽ ብውልቂ ይሓልየልካ እንተ ዀይኑ ሕቶ ኣበጊሱልካዶ፧

ኣምላኽ የስተብህለልካ ድዩ፧

ኣምላኽ ብኣኻ ኣዝዩ ኸም ዚግደስ ዜርኢ እንታይ መርትዖ ኣሎ፧

ኣምላኽ ይርድኣልካ ድዩ፧

እቲ ኣምላኽ ብዛዕባናን ብዛዕባ ጂንናን ዘለዎ ዓሚቝ ፍልጠት፡ ብደቂቕ ዚርድኣና ምዃኑ ኸም እንተኣማመን ይገብረና እዩ።

ኣምላኽ ይድንግጸልካ ድዩ፧

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣምላኽ ከም ዜስተብህለልናን ከም ዚርድኣልናን ከም ዚድንግጸልናን የረጋግጸልና።

መከራ—ካብ ኣምላኽ ዚወርድ መቕጻዕቲ ድዩ፧

ኣምላኽ ንሰባት ብሰንኪ ሓጢኣቶም ንምቕጻዕ ሕማም ወይ ሓደጋ ይጥቀም ድዩ፧

መን እዩ ተሓታቲ፧

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሰለስተ ቐንዲ ጠንቂ መከራ ደቂ ሰብ ይገልጸልና እዩ

ኣምላኽ ኣብ ቀረባ እዋን ንዅሉ መከራ ኼወግዶ እዩ

ኣምላኽ ኣብ ቀረባ ግዜ ንዅሉ መከራን ግፍዕን መወዳእታ ኸም ዚገብረሉ ኸመይ ጌርና ንፈልጥ፧

ሓልዮት ኣምላኽ ብኸመይ ኪጠቕመካ ይኽእል፧

ቅዱሳት ጽሑፋት ኣብቲ ኣምላኽ ብዛዕባ ዜደንቕ መጻኢ ዘተስፈዎ ተስፋታት እምነት ከነሕድር ይሕግዘና።

ኣምላኽ ብዛዕባ መከራኻ እንታይ ይስምዖ፧

እዘን ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣምላኽ ብዛዕባ መከራኻ እንታይ ከም ዚስምዖ ይሕብራኻ።