ግምቢ ዘብዐኛ—ሕታም መጽናዕቲ መጋቢት 2019

እዛ ሕታም እዚኣ፡ ካብ 6 ግንቦት ክሳዕ 2 ሰነ 2019 ዚጽናዕ ዓንቀጻት መጽናዕቲ ዝሓዘት እያ

ከይጥመቕከ እንታይ ይኽልክለኒ፧

ገሊኦም ንየሆዋ ኣምላኽ ዚፈልጥዎ ሰባት ንጥምቀት ይወላወሉ እዮም። እሞ ደኣ ነቲ ዕንቅፋት ኰይንዎም ዘሎ ጸገማት ንምስጋር እንታይ ኪሕግዞም ይኽእል፧

ድምጺ የሆዋ ስማዕ

ሎሚ የሆዋ ብኸመይ እዩ ዚዛረበና፧ ንኣምላኽ እንተ ሰሚዕናዮ፡ ብኸመይ ኢና እንጥቀም፧

ንስምዒት ካልኦት ሕለ

የሆዋን የሱስን ንስምዒት ካልኦት ከም ዚሓልዩ ብኸመይ ኣርእዮም፧ ንሕናኸ ኸመይ ጌርና ኢና ኣብነቶም ክንስዕብ እንኽእል፧

ኣብ ኣገልግሎትካ ድንጋጽ ኣርኢ

ነቶም ኣብ ኣገልግሎት እንረኽቦም ሰባት ድንጋጽ ከነርእየሉ እንኽእል ኣርባዕተ መገዲ እንታይ እዩ፧

ሕያውነት—ከመይ ጌርካ ኸተማዕብላ ትኽእል፧

ሕያውነት እንታይ እያ፧ ንምምዕባላ ኽንጽዕር ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

የሆዋ ነቲ “ኣሜን” ዚብል መግለጺኻ ኣኽቢሩ ይርእዮ

ብዙሓት ብልማድ ድሕሪ ጸሎት ‘ኣሜን’ ይብሉ እዮም። እዛ ቓል እዚኣ እንታይ ትርጉም እዩ ዘለዋ፧ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስከ ብኸመይ ተዓይዩላ ኣሎ፧