ግምቢ ዘብዐኛ—ሕታም መጽናዕቲ ሰነ 2019

እዛ ሕታም እዚኣ፡ ካብ 5 ነሓሰ ኽሳዕ 1 መስከረም 2019 ዚጽናዕ ዓንቀጻት መጽናዕቲ ዝሓዘት እያ

“ሓደ እኳ ኸይማርኸኩምሲ፡ ተጠንቀቑ”!

ሰይጣን ክኢላ ኣዐሻዊ እዩ። ከመይ ገይሩ እዩ ኺጸልወናን ምስ የሆዋ ኼጻልኣናን ዚፍትን፧

ምስ ፍልጠት ኣምላኽ ዚጻረር ኵሉ ሓሳባት ነፍርስ!

ኣተሓሳስባና ብድሕረ ባይታናን ብባህልናን ብትምህርትናን ይጽሎ እዩ። ከመይ ጌርና ኢና ነቲ ኣብ ኣእምሮና ‘ጽኑዕ ዕርዲ’ ዝሰርሐ ግጉይ ኣተሓሳስባ ኻብ ሱሩ ኽንምሕዎ እንኽእል፧

ኣብ ትሕቲ ጸቕጢ ኽትከውን ከለኻ፡ ናብ የሆዋ ተጸጋዕ

ብርቱዕ ወይ ቀጻሊ ጸቕጢ ብኣካላውን ብስምዒታውን መዳይ ኪጐድኣና ይኽእል እዩ። ኣብ ዝሓለፈ ግዜያት፡ የሆዋ ንኣገልገልቱ፡ ንጸቕጢ ንምጽዋር ብኸመይ ከም ዝሓገዞም ብምምርማር ብዙሕ ክንምሃር ንኽእል ኢና።

ኣብ ትሕቲ ጸቕጢ ንዘለዉ ሰባት ሓግዞም

ሎጥን እዮብን ናእሚን ንየሆዋ ብተኣማንነት ኣገልጊሎምዎ እዮም፣ ግናኸ፡ ኣብ ህይወቶም ብርቱዕ ጸቕጢ ኣሕሊፎም እዮም። ካብ ተመክሮኦም እንታይ ክንምሃር ንኽእል፧

ካብ መጻወድያ ሰይጣን ንምምላጥ ዜኽእል ዕቝባ ብኸመይ ንረክብ፧

ስእለ ጽዩፍ ንብዙሓት ኣገልገልቲ ኣምላኽ ኣብ መጻወድያ ኣእትዩ እዩ። ካብዚ ርኹስ ተግባር እዚ ኸመይ ጌርና ኸነምልጥ ንኽእል፧

ሓንቲ ጥቕልልቲ ብራና “ተቐሊዓ”

ብ1970 ተመራመርቲ ስነ ጥንቲ ኣብ ዔን ገዲ፡ እስራኤል ብሓዊ ዝነደደት ጥቕልልቲ ብራና ረኸቡ። ሳላ 3-D ስካኒንግ ዚብሃል ተክኒክ፡ እታ ጥቕልልቲ ብራና “ተቐሊዓ” እያ። እሞኸ እቲ ትሕዝቶ እንታይ እዩ ዚሕብር፧