ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንቕሑ! ቍ. 2 2019 | ቈልዑ ኺምሃርዎ ዜድልዮም ሽዱሽተ ትምህርቲ

ቈልዑ ኺምሃርዎ ዜድልዮም ሽዱሽተ ትምህርቲ

ውሉድካ ዓብዩ እንታይ ዓይነት ሰብ ኪኸውን ትደሊ፧

  • ርእሱ ዚገትእ

  • ትሑት

  • ሓቦኛ

  • ሓላፍነት ዚስምዖ

  • ብሱል

  • ቅኑዕ

ቈልዑ ነዚ ባህርያት እዚ ባዕሎም ኣየማዕብልዎን እዮም። መሪሕነትካ የድልዮም እዩ።

እዛ መጽሔት እዚኣ፡ ደቅኻ ምስ ዓበዩ ንዚህልዎም ህይወት ዜዳልዎም ሽዱሽተ ኣድላዪ ትምህርቲ ትምህር።

 

ርእሰ ግትኣት ዘለዎ ጥቕሚ

ርእሰ ግትኣት ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ ብኸመይከ ኢና ነዚ ባህርይ እዚ እነጥርዮ፧

ብኸመይ ትሑት ከም ዚኸውን

ውሉድካ ትሕትና እንተ ተማሂሩ፡ ሕጂ ዀነ ኣብ ናይ መጻኢ ህይወቱ ይጥቀም እዩ።

ብኸመይ ሓቦኛ ኸም ዚኸውን

ሓቦኛታት ምዃን እተማህሩ ቘልዑ፡ ኣብ ህይወት ንዜጋጥሞም ጸገማት ብዝሓሸ ኺጻወሩ ይኽእሉ።

ብኸመይ ሓላፍነት ዚስምዖ ኸም ዚኸውን

ሓደ ሰብ ኣበየናይ ዕድመ እዩ ሓላፍነት ዚምሃር፡ ብቝልዕነቱዶ ወይስ ምስ ዓበየ፧

መሪሕነት ዓብዪ ሰብ ዘለዎ ኣገዳስነት

ቈልዑ ኣብ ህይወቶም ዜተኣማምን መሪሕነት የድልዮም እዩ፣ ነዚ ግና ካብ መን ኪረኽብዎ ይኽእሉ፧

ኣድላይነት ስነ ምግባራዊ መትከላት

ንደቅኻ ጽቡቕ ስነ ምግባራዊ መትከላት እንተ ምሂርካዮም፡ ንመጻኢ ድልዱል መሰረት ይዀኖም እዩ።

ንወለዲ ዚኸውን ተወሳኺ ሓገዝ

ወለዲ እውን ዜተኣማምን መምርሒ ይደልዩ እዮም። ተወሳኺ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ናብ jw.org እቶ።