ግምቢ ዘብዐኛ—ሕታም መጽናዕቲ መጋቢት 2020

እዛ ሕታም እዚኣ፡ ካብ 4-31 ግንቦት 2020 ዚጽናዕ ዓንቀጻት መጽናዕቲ ዝሓዘት እያ።

ንየሆዋ ዘሎና ፍቕርን ሞሳን ናብ ጥምቀት ይመርሕ

ንየሆዋ ዘሎካ ፍቕሪ፡ ክትጥመቕ ኪድርኸካ ይኽእል እዩ። ግናኸ፡ እንታይ ኪዓግተካ ይኽእል፧

ክትጥመቕ ተዳሊኻ ዲኻ፧

ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ዘሎ ሕቶታት ምምላስካ፡ ንኽትውስን ኪሕግዘካ እዩ።

ታሪኽ ህይወት

“እነና፡ ልኣኸና!”

ጃክን ማሪ-ሊንን ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ኪኣትዉ እንታይ ከም ዝደረኾምን ሓድሽ ምድብ ኪውሃቦም ከሎ ምስ እተፈላለየ ዅነታት ተዓጻጸፍቲ ኪዀኑ እንታይ ከም ዝሓገዞምን ይገልጹ።

ንምዝራብ ግዜኡ ዚኸውን መዓስ እዩ፧

መዓስ ከም እንዛረብን መዓስ ስቕ ከም እንብልን ክንፈልጥ ዚሕግዘና ቅዱስ ጽሑፋዊ ኣብነታት ክንርኢ ኢና።

ንሓድሕድኩም ኣጸቢቕኩም ተፋቐሩ

የሱስ፡ ፍቕሪ መለለዪ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ምዃና ገሊጹ እዩ። ፍቕሪ፡ ገበርቲ ሰላምን ዘየዳልዉን ተቐበልቲ ጋሻን ክንከውን እትድርኸና ብኸመይ እያ፧

ትፈልጥዶ፧

እስራኤላውያን ኣብ ግብጺ ባሮት ምንባሮም ዜረጋግጽ እንታይ ዘይመጽሓፍ ቅዱሳዊ መርትዖ ኣሎ፧

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ፖሊስ ቤተ መቕደስ ኣይሁድ መን እዮም ነይሮም፧ እንታይ ሓላፍነታትከ እዩ ነይርዎም፧