ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ግምቢ ዘብዐኛ ቍ. 1 2021 | ጸሎት ብሓቂ ጥቕሚ ኣለዎዶ፧

ኣምላኽ ንጸሎትካ ኸም ዘይሰምዖ ዀይኑ ተሰሚዑካዶ ይፈልጥ፧ ብዙሓት ሰባት ከምኡ ይስምዖም እዩ። ሓገዝ ኪረኽቡ ናብ ኣምላኽ ጸልዮም ክንሶም፡ ጸገማቶም ግና ኣይተፈትሐን። ኣብዘን ተኸታተልቲ ዓንቀጻት፡ ኣምላኽ ንጸሎትና ኸም ዚሰምዖ ስለምንታይ ርግጸኛታት ክንከውን ከም እንኽእል፡ ገሊኡ ጸሎት ስለምንታይ ከም ዘይተመለሰ፡ ኣምላኽ ንጸሎትና ምእንቲ ኺሰምዖ ብኸመይ ክንጽሊ ኸም ዘሎና ኽንርኢ ኢና።

 

ሰባት ብዛዕባ ጸሎት እንታይ ይብሉ፧

ጸሎት፡ ፍሉይ ውህበት ኣምላኽ ድዩ፧ ወይስ፡ ትርጉም ዘይብሉ ሃይማኖታዊ ወግዒ፧

ኣምላኽ ንጸሎትና ይሰምዖ ድዩ፧

ኣምላኽ ብቕኑዕ መገዲ ናብኡ ምስ እንጽሊ ኸም ዚሰምዓና፡ መጽሓፍ ቅዱስ የረጋግጸልና እዩ።

ኣምላኽ ንዅሉ ጸሎት ዘይምልሶ ስለምንታይ እዩ፧

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣምላኽ ዚምልሶ ጸሎትን ዘይምልሶ ጸሎትን እንታይ ምዃኑ ኣነጺሩ ይገልጽ።

ጸሎትካ ምእንቲ ኺስማዕ ብኸመይ ክትጽሊ ትኽእል፧

ኣብ ዝዀነ ይኹን ቦታ፡ ኣብ ዝዀነ ይኹን እዋን ንኣምላኽ ዓው ኢልካ ወይ ብውሽጥኻ ተዛረቦ። የሱስ እንታይ ከም እንብል እውን ምሂሩና እዩ።

ጸሎት ብኸመይ እዩ ዚሕግዘካ፧

ጸሎት ንብድሆታትካ ኽትዋጽኣሉ ዚሕግዘካ ብኸመይ እዩ፧

ኣምላኽ ንጸሎትካ ይሰምዖ ድዩ፧

መጽሓፍ ቅዱስ ናብ ኣምላኽ ክትጽሊ ኸለኻ፡ ንሱ ኸም ዚሰምዓካን ኪሕግዘካ ኸም ዚደልን ይገልጽ እዩ።