ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንቕሑ! ቍ. 1 2021 | ንህይወትና ዚጠቅምን ሓጐስ ዜምጽእን ጥበብ

 

ኵላትና ዜሐጕስን ዜዕግብን ህይወት ኪህልወና ንደሊ ኢና። ነቲ ኸምዚ ዝኣመሰለ ህይወት ዜምጽኣልና ጥበብ ብኸመይ ክንረክብ ከም እንኽእል ርአ።

 

ንህይወትና ዚጠቅምን ሓጐስ ዜምጽእን ጥበብ

እቲ ዅሉ ዚኽእል ፈጣሪ ንሓጐስ ስድራ ቤት ኣበርክቶ ዚገብርን ንመጻኢ ዚጠቅምን ግብራዊ ጥበብን ይህብ እዩ።

ንሓጐስ ስድራ ቤት ኣበርክቶ ዚገብር ጥበብ

ሰብኡት፡ ኣንስቲ፡ ወለዲ ኸምኡ እውን ቈልዑ ሕጉስ ናብራ ስድራ ቤት ምእንቲ ኺህልዎም እንታይ ኪገብሩ ይኽእሉ፧

ምስ ካልኦት ብሰላም ክትነብር ዚሕግዘካ መምርሒ

ምስ ካልኦት ብሰላም ክንነብር ዚሕግዘና ባህርያት እንታይ እዩ፧

ዕግበት ብኸመይ ክትረክብ ትኽእል፧

ሓጐስን ዕግቡን ክትከውን እንታይ ኪሕግዘካ ይኽእል፧

መከራ ዚወርደናን እንኣርግን እንመውትን ስለምንታይ ኢና፧

ቀንዲ ጠንቂ መከራን እርጋን ሞትን ዝዀነ ኣርባዕተ ነገራት ርአ።

ተስፋ ዚህብ ትምህርቲ

ገለ ኻብቲ ኣምላኽ ዜተስፈወና ኣብ መጻኢ ዚፍጸም ባህ ዜብል ተስፋታት ርአ።

ናብ ኣምላኽ ዜቕርበና ፍልጠት

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብዛዕባ ኣምላኽ ዚገልጾ እንታይ ነገራት እዩ፡ ንዑኡ ክትፈልጦን ናብኡ ኽትቀርብን ዚደፋፍኣካ፧

ክትረኽቦ እትኽእል ጥበብ

ጥበብ ኣምላኽ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ፡ ኣምላኽ ድማ ካብ ጥበቡ ኽትጥቀምን ይዕድመካ እዩ። እሞኸ ጥበብ ክትረክብ ትደሊዶ፧

ዝያዳ ኽትፈልጥ ትደሊዶ፧

ትደሊ እንተ ዄንካ፡ ጽቡቕ ውሳነታት ክትገብርን ዜሐጉስ ህይወት ኪህልወካን ዚሕግዝ ቪድዮታት፡ ስእሊ ሰሌዳ፡ ቃለ መጠይቓት፡ ዓምድታት ኣሎ።