ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ግምቢ ዘብዐኛ ቍ. 1 2022 | ንዓንኬል ጽልኢ ምስባሩ

ዓለምና ብጽልኢ መሊኣ ኣላ። ጽልኢ ድማ ብብዙሕ ሕሱም ተግባራት ይግለጽ እዩ፣ ንኣብነት፡ ብኣድልዎ፡ ብግፍዒ፡ ብጸርፊ፡ ወይ ብመጥቃዕቲ ኣቢሉ ይግለጽ እዩ። እሞ ደኣ ጽልእስ ኪስዓር ይከኣል ድዩ፧ እዚ ኣብዛ ሕታም ዘሎ ዓንቀጻት፡ ብሓገዝ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ጌርና ንዓንኬል ጽልኢ ብኸመይ ከም እንሰብሮ ይገልጽ። ኣምላኽ ንጽልኢ ንሓዋሩ ኼጥፍኦ ኸም ዘተስፈወ እውን ይሕብር።

 

ንጽልኢ ኽንስዕሮ ንኽእል ኢና!

ዓንኬል ጽልኢ እንታይ እዩ፧ መብዛሕትኡ ግዜኸ ብኸመይ እዩ ዚግለጽ፧

ዘየቋርጽ ዓንኬል ጽልኢ ዘሎ ስለምንታይ እዩ፧

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሰራውር ጽልኢ እንታይ ምዃኑ፡ ሰባት ስለምንታይ ናይ ጽልኢ ዝንባለ ኸም ዘለዎም፡ ከምኡ እውን ጽልኢ ስለምንታይ ኣስፋሕፊሑ ኸም ዘሎ ይገልጽ።

ዓንኬል ጽልኢ ብኸመይ ይስበር፧

ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ንሰባት፡ ዝሓሹ ኪዀኑ ሓጊዝዎም እዩ።

ዓንኬል ጽልኢ ብኸመይ ይስበር፧

1 | ኣይተዳሉ

ኣብነት እቲ ዘየዳሉ ኣምላኽ ብምስዓብ፡ ነቲ ብዛዕባ ኻልኦት ሰባት ዘሎካ ኣሉታዊ ስምዒታት ምሓዎ።

ዓንኬል ጽልኢ ብኸመይ ይስበር፧

2 | ሕነ ኣይትፍደ

ኣምላኽ ኣብ ቀረባ ግዜ ንዅሉ በደል ከም ዜዐርዮ ብምእማን፡ ኣብ ልብኻ ንዘሎ ሕነ ኣወግድ።

ዓንኬል ጽልኢ ብኸመይ ይስበር፧

3 | ንጽልኢ ኻብ ኣእምሮኻ ኣውጽኣዮ

ብሓገዝ ቃል ኣምላኽ፡ ንጽልኢ ኻብ ሓሳባትካን ስምዒታትካን ኣወግዶ።

ዓንኬል ጽልኢ ብኸመይ ይስበር፧

4 | ንጽልኢ ብሓገዝ ኣምላኽ ስዓሮ

ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ፡ ጽልኢ ንምውጋድ ዚሕግዝ ባህርያት ንምምዕባል ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ።

ጽልኢ ንሓዋሩ ዚውገደሉ እዋን!

ንጽልኢ ነባሪ ፍታሕ ዚገብረሉ መን እዩ፧

ግዳያት ጽልኢ ፈቐዶኡ ኣለዉ

ዓንኬል ጽልኢ ብኸመይ ይስበር፧ ኣብ ብዘላ ዓለም ኣብ ዚርከቡ ሰባት ናይ ሓቅን ነባርን ለውጢ ይግበር ኣሎ።