ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ተግብር

ቃል ኣምላኽ ብመሰረታዊ ስርዓታት ክንሓስብን ክንገብርን ይሕግዘና። ዕምቈት ጥበብ መጽሓፍ ቅዱስ ዜርኢ ገለ ኣብነታት እስከ ርአ።

ዘይተጸበኻዮም ሰባት ኣዕሩኽ ኪዀኑኻ ይኽእሉ

ኣዕሩኽ ኪህልውኻ ምድላይ ንቡር እዩ። ስለዚ፡ ጥዑያት ኣዕሩኽ ከተናዲ ኸለኻ፡ ጽቡቕ ምርጫ ኽትገብር ኪሕግዘካ ዚኽእል ኣየናይ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ እዩ፧

ምኽሪ ብምስማዕ ጥበበኛ ኹን

ኣብቲ መኻሪ ዘይኰነስ፡ ኣብቲ ምኽሪ ኣተኵር። ካብ ክርስትያን ሽማግለታት ዚውሃብ ምኽሪ፡ መግለጺ ፍቕሪ የሆዋ እዩ።