“ንዓ እውን ሰዓብየይ ኩን”

ዕላማ እዛ መጽሓፍ እዚኣ ብዛዕባ ህይወትን ኣገልግሎትን የሱስ ብሓፈሻ ጽሙቝ ኣቢልካ ንምቕራብ ዘይኰነስ፡ ብኸመይ ከም እንስዕቦ ብዝያዳ ንጹር ምእንቲ ኽትገብረልና እዩ።

መቕድም

ሕጅን ንዘለኣለምን ንልቢ የሆዋ ምእንቲ ኸተሐጕሶ፡ ንየሱስ ዘላትካ ፍቕሪ ኽትዓቢ፡ ኣስኣሰሩ እውን ክትስዕብ ንምነየልካ።

ምዕራፍ 1

“ሰዓብየይ ኩን”—የሱስ እንታይ ማለቱ እዩ ነይሩ፧

ናይ ሓቂ ሰዓቢ ክርስቶስ ምዃን ካብ ቃላት ወይ ስምዒታት ንላዕሊ የጠቓልል።

ምዕራፍ 2

“መገድን ሓቅን ህይወትን”

ናብ ኣቦ ብወዲ ኣቢልና ጥራይ ኢና እንቐርብ። የሱስ ኣብ ምፍጻም ዕላማ ኣምላኽ ኣገዳሲ ግደ ኣለዎ።

ምዕራፍ 3

“ትሑት ዝልቡ . . . እየ”

የሱስ ኣብ ምድራዊ ኣገልግሎቱ ኻብ መጀመርታ ኽሳዕ መወዳእታ ብትሕትናኡ እዩ ዚፍለጥ።

ምዕራፍ 4

“እንሆ፡ እቲ ኻብ ነገድ ይሁዳ ዝዀነ ኣንበሳ”

የሱስ ብሰለስተ መገድታት ከም ናይ ኣንበሳ ዝኣመሰለ ትብዓት ኣርእዩ እዩ፣ እዚ ድማ ኣብ ጐድኒ ሓቂ ብምቛም፡ ንፍትሒ ብምድጋፍ፡ ከምኡ እውን ንዜጋጥሞ ዝነበረ ምጽራር ብምጽዋር እዩ።

ምዕራፍ 5

“ብዘሎ መዛግብቲ ጥበብ”

የሱስ ብቓል ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብግብሪ እውን ካብ ኵሉ ዝበለጸ ጥበብ ከም ዘለዎ ኣርእዩ እዩ።

ምዕራፍ 6

“ተኣዛዝነት ተማሂሩ”

የሱስ ንኣቦኡ ምሉእ ብምሉእ እዙዝ ካብ ነበረ፡ ብኸመይ እዩ “ተኣዛዝነት ተማሂሩ እዩ” ኸምኡ ድማ “ፍጹም ምስ ኰነ” ኺብሃል ዚከኣል፧

ምዕራፍ 7

“ነቲ . . . እተጻወረ ኣስተብህሉሉ”

የሱስ ኣበር ዘይብሉ ኣብነት ተጻዋርነት እዩ ሓዲጉ። እንታይ እዩ ኺጻወር ኣኽኢልዎ፧ ኣብነት ተጻዋርነቱኸ ብኸመይ ክንስዕብ ንኽእል፧

ምዕራፍ 8

“ስለዚ እየ እተለኣኽኩ”

የሱስ ስለምንታይ ከም ዝሰበኸ፡ እንታይ ከም ዝሰበኸ፡ ከምኡ እውን ነቲ ዕዮ እቲ ዝነበሮ ኣረኣእያ እንታይ ምዃኑ መርምር።

ምዕራፍ 9

“ኪዱ . . . ደቀ መዛሙርቲ ግበሩ”

እቲ ደቀ መዛሙርቲ ንምግባር ካብ የሱስ እተዋህበና መዝነት፡ ናይ ሓቂ ሰዓብቲ ክርስቶስ ምዃንና ኻብ እነርእየሉ ቐንዲ መገድታት ሓደ እዩ።

ምዕራፍ 10

“ጽሑፍ ኣሎ”

ካብ ቃል ኣምላኽ ምጥቃስ፡ ንቓል ኣምላኽ ምጥባቕ፡ ከምኡ እውን ንቓል ኣምላኽ ምግላጽ፡ ነቲ የሱስ ንሓቂ ዘካፈለሉ መገዲ ኽንቀድሖ ዚሕግዘና ኣገዳሲ መገድታት እዩ።

ምዕራፍ 11

“ከምዚ ገይሩ እተዛረበ ሰብ ከቶ የልቦን”

ካብቲ የሱስ እተጠቕመሉ ሜላታት ኣመሃህራ ሰለስተ ንመርምር፡ ብኸመይ ክንመስሎ ኸም እንኽእል እውን ንርአ።

ምዕራፍ 12

“ብዘይ ምሳሌስ ኣይዛረቦምን ነበረ”

መጽሓፍ ቅዱስ፡ የሱስ ብምሳሌታት ዝመሃረሉ ኽልተ ዓበይቲ ምኽንያታት ይነግረና።

ምዕራፍ 13

“ኣነ ንኣቦ ኸም ዘፍቅሮ”

ንየሆዋ ሓያል ፍቕሪ ብምምዕባል ዝመጸ ንየሱስ ብኸመይ ክንመስሎ ንኽእል፧

ምዕራፍ 14

“ብዙሓት ህዝቢ . . . ናብኡ ቐረቡ”

ብዙሓት ሰባት፡ እንተላይ ቈልዑ፡ ከይተሰከፉ ንየሱስ ይቐርብዎ ነበሩ። እሞ ደኣ ንየሱስ ተቐራቢ ዝገበሮ እንታይ እዩ፧

ምዕራፍ 15

“ደንገጸ”

ንኻልኦት ምሕረት ወይ ርሕራሐ ብምርኣይ ዝመጸ ኣብነት የሱስ ምስዓብና ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

ምዕራፍ 16

“የሱስ . . . ክሳዕ መወዳእታ ኣፍቀሮም”

የሱስ ኣብ ብምሉኡ ኣገልግሎቱ ንደቀ መዛሙርቱ ኸም ዜፍቅሮም ኣርእዩ እዩ። ምስ ሰባት ኣብ ዘሎና ርክብ ንፍቕሩ ብኸመይ ክንቀድሓ ንኽእል፧

ምዕራፍ 17

ካብዚ “ዚዓቢ ፍቕሪ ዘለዎ የልቦን”

ኣብነት እቲ ርእሰ መስዋእታዊት ፍቕሪ ዘርኣየ የሱስ ብኸመይ ክንስዕብ ንኽእል፧

ምዕራፍ 18

“ብቐጻሊ ስዓበኒ”

ንየሱስ መዓልቲ መዓልቲ ብቐጻሊ እንተ ስዒብናዮ፡ ንጹህ ሕልናን ብሩህ ተስፋን ንረክብ ኢና።