ንዘለኣለም ብህይወት ንበር!—መእተዊ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ

እዛ ብሮሹር እዚኣ፡ ከም ክፍሊ እቲ ብናጻ ዚቐርብ መደብ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብምዃን ንብሕታዊ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከም መእተዊ ዀይና ኸተገልግል እያ ተዳልያ።

እዚ ዚስዕብ እውን ኣሎ

ብተደጋጋሚ ዚሕተት ሕቶታት

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዜቕርብዎ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ እዩ፧

ኣብዚ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተዳለወ ብናጻ ዚቐርብ ኣሳታፊ ትምህርቲ፡ ዝደለኻዮ ትርጉም መጽሓፍ ቅዱስ ክትጥቀም ትኽእል ኢኻ። ኣብቲ መጽናዕቲ፡ ንብዘለዉ ስድራ ቤትካ ወይ ንዝዀነ ዓርክኻ ኽትዕድም ትኽእል ኢኻ።