“ንርእስኹም ብፍቕሪ ኣምላኽ ሓልውዋ”

እዛ ሕታም እዚኣ፡ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ህይወትካ ብምትግባር ንርእስኻ ብፍቕሪ ኣምላኽ ክትሕልዋ ኽትሕግዘካ እያ።

ካብ ኣመሓዳሪ ኣካል እተላእከት ደብዳበ

ካብ ኣመሓዳሪ ኣካል እተላእከት ደብዳበ፡ ንዅሎም እቶም ንየሆዋ ዜፍቅርዎ፡ ኣስኣሰር እቲ ኣብ ፍቕሪ ኣቦኡ ዝጸንዐ የሱስ ኪስዕቡ ተተባብዖም።

ምዕራፍ 1

“ፍቕሪ ንኣምላኽ”

መጽሓፍ ቅዱስ ንኣምላኽ ዘሎና ፍቕሪ ኸነርእየሉ እንኽእል መገዲ ብሕጽር ዝበለ ሓሳብ ይገልጽ።

ምዕራፍ 2

ከመይ ጌርካ ኢኻ ሰናይ ሕልና ኽትዕቅብ እትኽእል፧

ጽሩይ ሕልና ስለ ዘሎና ጥራይ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንጹሃት ኬብለና ይኽእል ድዩ፧

ምዕራፍ 3

ነቶም ኣምላኽ ዜፍቅሮም ኣፍቅር

የሆዋ ኣዕሩኽ ኣብ ምምራጽ ጥንቁቕ እዩ፡ ንሕና እውን ጥንቁቓት ክንከውን ኣሎና።

ምዕራፍ 4

ንስልጣን ከነኽብር ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

ኣምላኽ ኣብ ሰለስተ ቐንዲ መዳያት ህይወትና ንስልጣን ካልኦት ኣኽብሮት ከነርኢ ኸም ዚሓትተና ቅዱሳት ጽሑፋት ይገልጽ።

ምዕራፍ 5

ካብ ዓለም ክትፍለየሉ እትኽእል መገድታት

ቃል ኣምላኽ ካብ ዓለም ክንፍለየሉ እንኽእል ሓሙሽተ መገዲ ይገልጽ።

ምዕራፍ 6

ጥዑይ መዘናግዒ ብኸመይ ትመርጽ፧

ብጥበብ ክትውስን ዚሕግዛኻ ሰለስተ ሕቶታት።

ምዕራፍ 7

ንህይወት ከምቲ ኣምላኽ ዜኽብራ ጌርካ ዲኻ እተኽብራ፧

ንህይወት ኣኽብሮት ምርኣይ ኪብሃል ከሎ ንህይወት ካልኦት ዘይምጥፋእ ጥራይ ድዩ ዜመልክት፧

ምዕራፍ 8

ኣምላኽ ንጹሃት ሰባት ይፈቱ

መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ዘይንጹህ ካብ ዚገብረካ ተግባራት ክትርሕቕ ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ።

ምዕራፍ 9

“ካብ ምንዝርና ህደሙ”

ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት፡ ብኣሽሓት ዚቝጸሩ ክርስትያናት ይምንዝሩ። በዚ ዜስድዕ መህረሪ ምእንቲ ኸይትፍንጠር እንታይ ክትገብር ትኽእል፧

ምዕራፍ 10

መውስቦ—ካብ ፈቃር ኣምላኽ እተዋህበ ውህበት

ንዕውት ሓዳር ብኸመይ ክትዳሎ ትኽእል፧ ምርዑው እንተ ዄንካ፡ መውስቦኻ ብኸመይ ነባሪ ኽትገብሮ ትኽእል፧

ምዕራፍ 11

‘መውስቦ ኽቡር ይኹን’

ርእስኹም ብምምርማር ሓዳርኩም ከተመሓይሹ ዚሕግዛኹም ሽድሽተ ሕቶታት ኣለዋ።

ምዕራፍ 12

“ንምህናጽውን ዜድሊ ሰናይ” ዘረባ ተዛረብ

እንዛረቦ ቓላት ንኻልኦት ተስፋ ዜቝርጽ ድዩ ወይ ዚሃንጽ፧ ነቲ ኣምላኽ ዝሃበካ ውህበት ዘረባ ኸምቲ ንሱ ዝሓለኖ ጌርካ ተጠቐመሉ።

ምዕራፍ 13

ንኣምላኽ ዜጕህዮ በዓላት

ንኣምላኽ ኬኽብሮ ተባሂሉ ዚግበር በዓላት ብኣንጻሩ የጕህዮ እዩ።

ምዕራፍ 14

ኣብ ኵሉ ሓቀኛ ኹን

ምስ ካልኦት ኣብ ዘሎና ርክብ ሓቀኛታት ቅድሚ ምዃንና፡ መጀመርታ ኽንገብሮ ዘሎና ነገር ኣሎ።

ምዕራፍ 15

ብጻዕርኻ ጽቡቕ ርአ

ንሓደ ስራሕ ክትቅበሎ ወይ ክትነጽጎ ንምውሳን፡ መልሲ ሓሙሽተ ሕቶታት ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ።

ምዕራፍ 16

ንድያብሎስን ንፍሕሶኡን ተጻረሮ

ሰይጣን ሓይሊ ኸም ዘለዎ ንፈልጥ እኳ እንተ ዀንና፡ ኪቈጻጸረና ግና ኣይንፈቕደሉን ኢና። ስለምንታይ፧

ምዕራፍ 17

“በታ ኻብ ኵሉ እተቐደሰት እምነትኩም ንርእስኹም እናሀነጽኩም”

ኣብ ፍቕሪ ኣምላኽ ምእንቲ ኽትጸንዕ ንእምነትካ ኸተደልድል ኪሕግዘካ ዚኽእል ሰለስተ መገዲ ኣሎ።

መመላእታ ጽሑፍ

ንእተወገደ ሰብ ብኸመይ ንሕዞ፧

ምስ እተወገዱ ዘሎና ርክብ ምሉእ ብምሉእ ክንበትኽ ብሓቂዶ ኣድላዪ እዩ፧

መመላእታ ጽሑፍ

መጐልበብ ርእሲ—መዓስን ስለምንታይን፧

መጽሓፍ ቅዱስ ነዛ ሕቶ እዚኣ ኽትምልስ ዚሕግዘካ ሰለስተ ረቓሒታት ይገልጽ እዩ።

መመላእታ ጽሑፍ

ንሰንደቕ ዕላማ ሰላምታ ምሃብ፡ ምድማጽ፡ ከምኡውን ሲቭላዊ ኣገልግሎት

ብዛዕባ እዚ ንጹህ ሕልና ኺህልወካ ዚሕግዘካ ቕዱስ ጽሑፋዊ ስርዓታት እንታይ እዩ፧

መመላእታ ጽሑፍ

ክፋላት ደምን ኣገባባት መጥባሕትን

እተወሰነ ቐሊል ስጕምትታት ምስ እትወስድ፡ ምስ ሕክምና ንዚተሓሓዝ ጸገማት ክትዋጽኣሉ ትኽእል ኢኻ።

መመላእታ ጽሑፍ

ንግብረ-ሕቡእ ምስናፉ

ነዚ ርኹስ ተግባር እዚ ብኸመይ ከተሰንፎ ትኽእል፧

መመላእታ ጽሑፍ

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ፍትሕን ምፍልላይን ዘለዎ ኣረኣእያ

ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሓደ እተፋትሐ ሰብ እንደገና ኺምርዖ ዚኽእል መዓስ እዩ፧

መመላእታ ጽሑፍ

ኣብ ንግዳዊ ጕዳያት ዜጋጥም ግጭታት ምፍታሕ

ሓደ ክርስትያን፡ ኣማኒ ንዝዀነ ብጻዩ ኣብ ቤት ፍርዲ ኪኸስሶ ይኽእል ድዩ፧