መናፍስቲ ምዉታት—ኪረድኡኻ ወይ ኪጐድኡኻ ይኽእሉዶ፧ ንምዃኑ ኣለዉዶ፧

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ምዉታት እንታይ ይምህር፧ ኪረድኡኻ ወይ ኪጐድኡኻ ይኽእሉዶ፧

መእተዊ

ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት፡ ምዉታት ናብ መንፈሳዊ ዓለም ከም ዚኸዱ፡ ኣብኡ ዀይኖም ድማ ነቶም ኣብ ምድሪ ዝተረፉ ሰባት ኪዕዘብዎምን ጽልዋ ይገብሩሎምን ከም ዚኽእሉ ይኣምኑ እዮም። እዚ እምነት እዚ ሓቂ ድዩ፧

መናፍስቲ፡ ኣብ ምድሪ ብህይወት ነይሮም ዝሞቱ ሰባት ኣይኰኑን

እቲ ነቲ ቐዳማይ ሰብኣይ፡ ማለት ንኣዳም እተዋህበ ቓል ኣምላኽ፡ ምዉታት ኣብ ከመይ ዝበለ ኹነታት ከም ዘለዉ ኽንርዳእ ይሕግዘና እዩ።

ብሚልዮናት ዚቝጸሩ መንፈሳውያን ፍጡራት

ነብዪ ዳንኤል ኣብቲ ብመለኮታዊ መገዲ ዝረኣዮ መንፈስ ዝነፈሶ ሕልሚ፡ ብኣማእታት ሚልዮናት ዚቝጸሩ መላእኽቲ ርእዩ እዩ።

ኣብ መንፈሳዊ ዓለም እተገብረ ዕልወት

ገሊኦም መላእኽቲ እኩያት ኰኑ፡ ንደቂ ሰብ ድማ ጐዳኢ ሰዕቤን ኣውሪዶም።

ኣጋንንቲ፡ ምዉታት ብህይወት ከም ዘለዉ የምስሉ

ኣጋንንቲ ንመብዛሕትኦም ደቂ ሰብ ኣብ ምትላል ተዓዊቶም እዮም፣ ይኹን እምበር፡ መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ናይ ምትላል ተግባሮም የቃልዖ እዩ።

ኣጋንንቲ፡ ካብ ኣምላኽ ክንዓሉ ይደፋፍኡና

ከምኡ ምእንቲ ኺገብሩ፡ ንስምዒታት ሰባት ብተንኰል ይጻወቱሎም።

ንሰይጣን ዘይኰነስ፡ ንየሆዋ ኣገልግል

ቅኑዕ ምርጫ ኸም ዝገበርካ ብኸመይ ከተርኢ ትኽእል፧

ዜደንቕ መጻኢ

ሰይጣንን ኣጋንንቱን ንደቂ ሰብ እናኣታለልዎም ነዊሕ ኣይኪጸንሑን እዮም። ድሕሪኡ፡ የሆዋ ንደቂ ሰብ ኪባርኾም እዩ።

ገነት እትኸውን ምድሪ

የሆዋ ንዅሉ እቲ ሰይጣን ዘምጽኦ ሕማቕ ነገራት ምስ ኣጥፍኦ ዅነታት እንታይ ኪመስል እዩ፧