ንደቅኻ ምሃሮም

ኣቱም ወለዲ፡ ንደቅኹም ኣገዳሲ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ምእንቲ ኽትምህርዎም፡ ነዚ ዛንታታት እዚ ተጠቐሙሉ።

መእተዊ

ንደቅኹም ኣብ እተዕብዩሉ እዋን እቲ ኣብ መጽሓፍ ዘዳግም ዚርከብ ቃላት ከም መምርሒ ኪዀነኩም ይኽእል እዩ።

LESSON 1

ዜሐጕስ ምስጢር

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ “ቕዱስ ምስጢር” ዚብሃል ሓደ ፍሉይ ምስጢር ይነግረና እዩ። እቲ ምስጢር እንታይ ምዃኑ ኽትፈልጥ ትደሊዶ፧

LESSON 2

ርብቃ ንየሆዋ ኸተሐጕሶ ደለየት

ከም ርብቃ ምእንቲ ኽንከውን፡ እንታይ ክንገብር ንኽእል፧ ነዚ ዛንታ እዚ ኣንብቦ እሞ፡ ብዛዕባኣ ተምሃር።

LESSON 3

ረሃብ ብየሆዋ ኣመነት

ያሪኮ ኽትጠፍእ ከላ፡ ረሃብን ቤተ ሰባን ብኸመይ ከም ዝደሓኑ ተምሃር።

LESSON 4

ንኣቦኣን ንየሆዋን ኣሐጐሰቶም

ጓል ይፍታሕ እንታይ መብጽዓ ፈጺማ፧ ብኸመይከ ኽንመስላ ንኽእል፧

LESSON 5

ሳሙኤል፡ ቅኑዕ ዘበለ ይገብር ነበረ

ካልኦት ሰባት ሕማቕ ኪገብሩ ኸለዉ እውን ከይተረፈ፡ ከመይ ጌርካ ንሳሙኤል ክትመስሎን ቅኑዕ ዘበለ ኽትገብርን ትኽእል፧

LESSON 6

ዳዊት ኣይፈርሀን

ዳዊት ኣዝዩ ተባዕ ዝዀነ ብኸመይ ምዃኑ ንምፍላጥ፡ ነዚ መሳጢ ዛንታ መጽሓፍ ቅዱስ እዚ ኣንብቦ።

LESSON 7

ጽምዋን ፍርህን ተሰሚዑካዶ ይፈልጥ፧

ኤልያስ ጽምዋ ምስ ተሰምዖ፡ የሆዋ እንታይ ኢልዎ፧ ካብቲ ንኤልያስ ዘጋጠሞ እንታይ ክትምሃር ትኽእል፧

LESSON 8

ዮስያስ፡ ጥዑያት ኣዕሩኽ ነበርዎ

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ነቲ ዮስያስ ዚብሃል ወዲ ቕኑዕ ዘበለ ምግባር ከቢድዎ ኸም ዝነበረ ይነግረና። ኣዕሩኹ ብኸመይ ከም ዝሓገዝዎ ፍለጥ።

LESSON 9

ኤርምያስ ብዛዕባ የሆዋ ኻብ ምዝራብ ኣየቋረጸን

ዋላ እኳ ሰባት ንኤርምያስ እንተ ኣላገጹሉን እንተ ተቘጥዕዎን፡ ኤርምያስ ብዛዕባ ኣምላኽ ካብ ምዝራብ ዘየቋረጸ ስለምንታይ እዩ፧

LESSON 10

የሱስ ወትሩ ይእዘዝ ነበረ

ንወለድኻ ምእዛዝ ወትሩ ቐሊል ኣይኰነን። ኣብነት የሱስ ብኸመይ ኪሕግዘካ ኸም ዚኽእል ርአ።

LESSON 11

ብዛዕባ የሱስ ጸሓፉ

ብዛዕባ እቶም ኣብቲ የሱስ ዝነበረሉ እዋን ዚነብሩ ዝነበሩን ብዛዕባ ህይወቱ ዝጸሓፉን ሸሞንተ ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ተምሃር።

LESSON 12

ወዲ ሓብቱ ንጳውሎስ ተባዕ ነበረ

እዚ ወዲ እዚ፡ ንኣኮኡ ኻብ ሞት ኣድሓኖ። እንታይ እዩ ገይሩ፧

LESSON 13

ጢሞቴዎስ ንሰባት ኪሕግዝ ይደሊ ነበረ

ከም ጢሞቴዎስ ዜሐጕስ ህይወት ኪህልወካ ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

LESSON 14

ንምልእቲ ምድሪ እትገዝእ መንግስቲ

የሱስ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ኣብ ዚገዝኣሉ እዋን እንታይ ኪኸውን እዩ፧ ኣብኡ ኽትከውን ትደሊዶ፧