የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
ኣብዛ መጽሓፍ እዚኣ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ብዛዕባ ህይወት የሱስ ዚገልጽ ነፍሲ ወከፍ ፍጻመታት ኣንብብ።
ምዕራፍ 7
ቈጸርቲ ኸዋኽብቲ ንየሱስ በጽሕዎ
እቲ ኣብ ምብራቕ ዝርኣይዎ ኰዀብ መጀመርታ ኣብ ክንዲ ናብ የሱስ፡ ናብቲ ቐታሊ ዝዀነ ንጉስ ሄሮድስ ዝመርሖም ስለምንታይ እዩ፧
ምዕራፍ 10
የሱስ ምስ ስድራ ቤቱ ናብ የሩሳሌም ተጓዕዘ
ዮሴፍን ማርያምን ንየሱስ ምስ ሰኣንዎ ተሻቐሉ። የሱስ ግና መጀመርታ ኣበይ ኪደልይዎ ኸም ዝነበሮም ብዘይምፍላጦም ተገረመ።
ክፋል 2
መጀመርታ ኣገልግሎት የሱስ
ምዕራፍ 16
የሱስ ንናይ ሓቂ ኣምልኾ ቐንአ
ሕጊ ኣምላኽ እቶም ህዝቢ ንመስዋእቲ ዚዀኑ እንስሳታት ኪዕድጉ የፍቅደሎም ነይሩ እዩ። ስለምንታይ ደኣ እዩ የሱስ ነቶም ኣብ ቤተ መቕደስ ዝነበሩ ነጋዶ እተቘጥዖም፧
ምዕራፍ 24
ኣብ ገሊላ ኣገልግሎቱ ኣስፍሐ
ሰባት ምእንቲ ኼሕውዮም ኢሎም ናብ የሱስ ይመጹ ነይሮም፡ የሱስ ግና ኣገልግሎቱ ኻልእ ዝዓበየ ዕላማ ኸም ዘለዎ ገለጸ።
ምዕራፍ 25
ንሓደ ድዉይ ብርሕራሐ ኣሕወዮ
እተን የሱስ እተዛረበን ቀለልቲ ግናኸ ሓያላት ቃላት፡ የሱስ ብዛዕባ እቶም ዜሕውዮም ሰባት ናይ ሓቂ ኸም ዚግደስ የረጋግጻ።
ምዕራፍ 30
የሱስ ምስ ኣቦኡ ዘለዎ ዝምድና
ኣይሁድ ንየሱስ፡ ርእሱ ምስ ኣምላኽ ከም ዘመዓራረየ ገይሮም እዮም ርእዮምዎ፣ የሱስ ግና ኣምላኽ ካብኡ ኸም ዚዓቢ ኣነጺሩ እዩ።
ምዕራፍ 33
ትንቢት ኢሳይያስ ፈጸመ
የሱስ ነቶም ዘሕወዮም ሰባት ብዛዕባ መንነቱ ወይ ብዛዕባ እቲ ዝገበረሎም ነገር ንኻልኦት ከይነግሩ ዜጠንቅቖም ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧
ምዕራፍ 40
ብዛዕባ ሕድገት ሓጢኣት እተዋህበ ትምህርቲ
የሱስ ንሓንቲ ኣመንዝራ ነይራ ኽትከውን እትኽእል ሰበይቲ፡ ሓጢኣታ ኸም እትሓድገላ ምዝራቡስ፡ ሕግታት ኣምላኽ ምጥሓስ ጌጋ ኸም ዘይብሉ ድዩ ዚዛረብ ነይሩ፧
ምዕራፍ 44
የሱስ፡ ማዕበል ኣህድአ
የሱስ ንንፋስን ንማዕበል ኬህድእ ኸሎ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ትሕቲ ግዝኣት መንግስቱ ዚህሉ ህይወት፡ ኣገዳሲ ትምህርቲ ምሂሩ እዩ።
ምዕራፍ 47
ሓንቲ ጓል ተንስአት!
የሱስ እታ ሞይታ ዝነበረት ጓል፡ ከም ዝደቀሰት እምበር ከም ዘይሞተት ምስ ተዛረበ፡ እቶም ሰባት ሰሓቕዎ። እቲ ንሳቶም ዘይፈልጥዎ ንሱ ግና ዚፈልጦ ነገር እንታይ እዩ ነይሩ፧
ምዕራፍ 48
ተኣምራት እኳ እንተ ገበረ፡ ሰብ ናዝሬት ኣይተቐበልዎን
ሰብ ናዝሬት ንየሱስ ብምኽንያት ትምህርቱን ተኣምራቱን ዘይኰነስ፡ ብኻልእ ምኽንያት ኣይተቐበልዎን።
ምዕራፍ 50
መስጐጕቲ እኳ እናሃለወ፡ ኪሰብኩ ኣዳለዎም
ሃዋርያት ሞት ኪፈርሁ ዘይብሎም እንተ ዀይኖም፡ ስለምንታይ ደኣ እዩ የሱስ ኣብ ሓደ ኸተማ እንተ ተሰጒጐም ናብ ካልእ ኪሃድሙ ዝነገሮም፧
ምዕራፍ 51
ብመዓልቲ ልደት እተገብረ ቕትለት
ሄሮድስ ብሳዕስዒት ሰሎሜ ኣዝዩ ስለ እተሓጐሰ፡ ድሌታ ኺህባ ቓል ኣተወላ። ንሳ ግና እንታይ ዜስካሕክሕ ሕቶ እያ ዘቕረበት፧
ምዕራፍ 58
ንኣሽሓት መገበ፡ ብዛዕባ ማይ ብሑቝ ድማ ኣጠንቀቐ
ደቀ መዛሙርቲ የሱስ፡ የሱስ ብዛዕባ እንታይ ዓይነት ማይ ብሑቝ ይዛረብ ከም ዝነበረ ጸኒሑ ተረድኦም።
ምዕራፍ 61
የሱስ፡ ጋኔን ንዝሓደሮ ወዲ ኣሕወዮ
እቲ ወዲ ዘይሓወየሉ ምኽንያት ብሰንኪ ጕድለት እምነት ምዃኑ የሱስ ተዛረበ። ግናኸ ናይ መኖም እምነት እያ ጐዲላ፡ ናይቲ ወዲ፧ ናይ ኣቦኡ፧ ወይስ ናይ ደቀ መዛሙርቱ፧
ምዕራፍ 65
ናብ የሩሳሌም ኪኸዱ ኸለዉ መሃሮም
ኣብተን የሱስ ምስ ሰለስተ ሰባት ዝገበረን ዝርርባት፡ ሓደ ሰብ ንየሱስ ከም ዘይስዕቦ ኺገብሮ ዚኽእል እንታይ ዓይነት ኣረኣእያ ምዃኑ ተገሊጹ እዩ።
ምዕራፍ 67
“ከምዚ ገይሩ እተዛረበ ሰብ ከቶ የልቦን”
ዳርጋ ብምሉኦም ኣባላት ቤት ፍርዲ ኣይሁድ፡ ንየሱስ ተጻረርዎ። ሓደ ኻባታቶም ግና ንየሱስ ደጊፉ ተዛረበ።
ምዕራፍ 70
የሱስ ንሓደ ብዕዉሩ እተወልደ ሰብኣይ ኣሕወዮ
እቶም ደቀ መዛሙርቲ፡ እቲ ሰብኣይ ስለምንታይ ብዕዉሩ ኸም እተወልደ ሓተቱ። ንሱ ወይስ ወለዱ ስለ ዝሓጥኡ ድዩ፧ የሱስ ምስ ኣሕወዮ ድማ ሰባት እተፈላለየ ኣረኣእያ ኣሕደሩ።
ምዕራፍ 71
ፈሪሳውያን ነቲ ዕዉር ዝነበረ ሰብኣይ ተጻረርዎ
እቲ ዕዉር ዝነበረ ሰብኣይ ዜቕረቦ መርትዖ ነቶም ፈሪሳውያን ኣቘጥዖም። ከምቲ እቶም ወለዱ ዝፈርህዎ ኸኣ ካብ ምኵራብ ሰጐጕዎ።
ምዕራፍ 72
የሱስ ን70 ደቀ መዛሙርቱ ኺሰብኩ ለኣኾም
ኣብ ይሁዳ፡ የሱስ ን70 ደቀ መዛሙርቲ በብኽልተ ገይሩ ሰበኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኪዀኑ ለኣኾም። እቶም ደቀ መዛሙርቲ ግና ንሰባት ኣበይ ኪረኽቡ እዩ እተነግሮም፧ ኣብ ምኵራባት ወይስ ኣብ ኣባይቶም፧
ምዕራፍ 74
ብዛዕባ እንግዶትን ጸሎትን እተዋህበ ትምህርቲ
የሱስ ንማርያምን ንማርታን በጽሐን። ኣብኡኸ ብዛዕባ እንግዶት እንታይ መሃረን፧ ጸኒሑ ንወደ መዝሙሩ ብዛዕባ ጸሎት እንታይ መሃሮ፧
ምዕራፍ 75
የሱስ ምንጪ ሓጐስ ገለጸ
የሱስ ነቶም ነቐፍቱ ብዛዕባ “ኣጻብዕ ኣምላኽ”ን መንግስቲ ኣምላኽ ብኸመይ ደበኽ ከም ዝበለቶምን ብምንጋር መልሲ ሃቦም። ሰባት ብኸመይ ናይ ሓቂ ሓጐስ ኪረኽቡ ኸም ዚኽእሉ እውን መሃረ።
ምዕራፍ 76
ምስ ሓደ ፈሪሳዊ በልዐ
የሱስ ንግብዝና እቶም ፈሪሳውያንን ጸሓፍትን ኣቃልዐ። ንሳቶም ነቶም ህዝቢ እንታይ ከቢድ ጾር ኪስከሙ እዮም ዜገድድዎም ዝነበሩ፧
ምዕራፍ 77
የሱስ ብዛዕባ ሃብቲ ምኽሪ ሃበ
የሱስ፡ ማዕከናቱ ኣግፊሑ ብዛዕባ ዝሰርሐ ሃብታም ሰብኣይ ምሳሌ መሰለ። ብዛዕባ እቲ ደድሕሪ ሃብቲ ምጕያይ ዘለዎ ሓደጋ እንታይ ምኽሪ እዩ ደጊሙ ዝሃበ፧
ምዕራፍ 78
ኣታ እሙን መጋቢ፡ ድሉው ኩን!
የሱስ ብዛዕባ መንፈሳውነት ደቀ መዛሙርቱ ዘለዎ ተገዳስነት ኣርአየ። እቲ መጋቢ ኣብ መንፈሳውነት እቶም ደቀ መዛሙርቲ ዚህልዎ ግደ እንታይ እዩ፧ እቲ ድሉው ብዛዕባ ምዃን እተዋህበ ምኽሪ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧
ምዕራፍ 79
ጥፍኣት እቶም ዘይኣምኑ ኣይሁድ ቀሪቡ ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧
የሱስ ነቶም ዚምህሮም ዝነበረ ሰባት እንተ ዘይተነሲሖም ኪጠፍኡ ምዃኖም ነገሮም። ኣገዳስነት እቲ ምስ ኣምላኽ ብዛዕባ ዘለዎም ርክብ ዝመሃሮም ትምህርትስ ይርድኦምዶ ይኸውን፧
ምዕራፍ 80
እቲ ሕያዋይ ጓሳን ደምበታት ኣባጊዕን
የሱስ ብዛዕባ ደቀ መዛሙርቱ ዚስምዖ ስምዒት በቲ ኣብ መንጎ ጓሳን መጓሰኡን ዘሎ ርክብ ተመሲሉ ኣሎ። እቶም ደቀ መዛሙርቲ ንትምህርትታቱ ኣስተብሂሎም ይስዕብዎ ደዀን ይዀኑ፧
ምዕራፍ 81
ምስ ኣቦ ሓደ ኽነሱ፡ ኣምላኽ ኣይኰነን
ገሊኦም ነቐፍቲ፡ የሱስ ንርእሱ ማዕረ ኣምላኽ ከም ዝገበረ ገይሮም ከሰስዎ። ንሱ ግና ነቲ ክሶም ጌጋ ምዃኑ ዝገለጸ ብኸመይ እዩ፧
ምዕራፍ 82
የሱስ ኣብ ጴርያ ዝገበሮ ኣገልግሎት
የሱስ ንሰማዕቱ፡ ድሕነት ንምርካብ እንታይ ኪግበር ከም ዘለዎ ገለጸሎም። እቲ ንሱ ዝሃቦ ምኽሪ ኣብቲ ግዜ ኣገዳስነት ነበሮ። ሎሚኸ፧
ምዕራፍ 83
ኣምላኽ ንመን እዩ ዚዕድም፧
የሱስ ኣብ ቤት ሓደ ፈሪሳዊ ተዓዲሙ ኸሎ፡ ብዛዕባ ሓደ ዓብዪ ድራር ምሳሌ መሰለ። ንዅሎም ህዝቢ ኣምላኽ ዚኸውን ሓደ ኣገዳሲ ትምህርቲ ድማ መሃረ። እዚ ትምህርቲ እዚ እንታይ እዩ፧
ምዕራፍ 84
ወደ መዝሙር ምዃን ዜምጽኦ ሓላፍነት
ወደ መዝሙር ክርስቶስ ምዃን ከቢድ ሓላፍነት የምጽእ እዩ። የሱስ እዚ እንታይ ከም ዜጠቓልል ብዝርዝር ገለጸ። ገለ ኻብቶም ሰዓብቱ ኪዀኑ ዚደልዩ ዝነበሩ ድማ በቲ ንሱ እተዛረቦ ሰምቢዶም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም።
ምዕራፍ 85
ብዚንሳሕ ሓጥእ ዚርከብ ሓጐስ
የሱስ ምስቶም ተራ ህዝቢ ስለ ዝቐረበ፡ ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ነቐፍዎ። ንሱ ድማ፡ ኣምላኽ ብዛዕባ ሓጥኣን ዘለዎ ኣረኣእያ ንምብራህ ምሳሌታት መሰለ።
ምዕራፍ 88
ነቲ ሃብታም ሰብኣይን ንኣልኣዛርን ዘጋጠሞም ለውጢ
ትርጉም እታ የሱስ ዝመሰላ ምሳሌ ንምርዳእ፡ እቶም ኣብታ ምሳሌ እተጠቕሱ ኽልተ ሰባት ንመን ከም ዜመልክቱ ምፍላጥ ኣገዳሲ እዩ።
ምዕራፍ 95
ብዛዕባ ፍትሕን ፍቕሪ ቘልዑን መሃረ
የሱስ ብዛዕባ ቘልዑ ዘለዎ ኣረኣእያ ኻብቲ እቶም ደቀ መዛሙርቱ ዝነበሮም ኣረኣእያ ኣዝዩ እተፈልየ እዩ ነይሩ። ስለምንታይ፧
ምዕራፍ 96
የሱስ ንሓደ ሃብታም ጐበዝ መለሰሉ
የሱስ፡ ሃብታም ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ካብ ዚኣቱ፡ ገመል ብዓይኒ መርፍእ ክትሓልፍ ከም ዚቐልል እተዛረበ ስለምንታይ እዩ፧
ምዕራፍ 98
ሃዋርያት መሊሶም ምርኡይ ቦታ ደለዩ
ያእቆብን ዮሃንስን ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ፍሉይ ቦታ ኺውሃቦም ሓተቱ፣ ከምኡ ዚደልዩ ዝነበሩ ግና ንሳቶም ጥራይ ኣይነበሩን።
ምዕራፍ 99
የሱስ ዕዉራት ኣሕወየ፡ ንዘኬዎስ ከኣ ሓገዞ
እቲ ዚጋጮ ዚመስል ጸብጻብ እቲ የሱስ ኣብ ጥቃ ያሪኮ ንሓደ ዕዉር ብምሕዋይ ዝገበሮ ተኣምር፡ ንሓድሕዱ ኺሳነ ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧
ክፋል 6
መወዳእታ ኣገልግሎት የሱስ
ምዕራፍ 103
ነታ ቤተ መቕደስ ዳግም ኣጽረያ
እቶም ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ ነጋዶ፡ ኣብ ቤተ መቕድስ ኪነግዱ ብሕጊ ተፈቒድሎም እኳ እንተ ነበረ፡ ስለምንታይ እዩ የሱስ ጐሓሉ ዝበሎም፧
ምዕራፍ 105
ብኦም በለስ ገይሩ ብዛዕባ እምነት መሃረ
የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ፡ እምነት ብዛዕባ ዘለዋ ሓይልን ኣምላኽ ስለምንታይ ንህዝቢ እስራኤል ኸም ዝሓደጎምን መሃሮም።
ምዕራፍ 106
ብዛዕባ ኣታኽልቲ ወይኒ እተመሰለ ኽልተ ምሳሌ
ትርጉም ምሳሌ እቲ ንኽልተ ደቁ ናብ ኣታኽልቲ ወይኒ ወፊሮም ኪዓይዩ ዝሓተቶም ሰብኣይን ምሳሌ እቲ ኣታኽልቲ ወይኑ ንእኩያት ሓረስቶት ብመገስ ዝሃበ ሰብኣይን ፍለጥ።
ምዕራፍ 108
የሱስ ነቲ ብዘረባኡ ኺጠልፍዎ ዝገበርዎ ፈተነ ኣፍሸሎ
የሱስ፡ መጀመርታ ንፈሪሳውያን፡ ደሓር ንሰዱቃውያን፡ ኣብ መወዳእታ ድማ ነቶም ብሓባር ዝመጹ ተጻረርቱ ኣፎም ኣትሓዞም።
ምዕራፍ 111
ሃዋርያት፡ ምልክት ሓተቱ
እቲ የሱስ እተነበዮ ትንቢት ኣብ ቀዳማይ ዘመን ናይ መጀመርታ ፍጻመኡ ረኺቡ እዩ። እቲ ትንቢት እቲ ጸኒሑ ዝዓበየ ፍጻመ ይህልዎ ደዀን ይኸውን፧
ምዕራፍ 115
እቲ የሱስ ንመወዳእታኡ ዘብዓሎ ፋስጋ ቐረበ
እቶም መራሕቲ ሃይማኖት ንየሱስ ኣሕሊፉ ምእንቲ ኺህቦም ንይሁዳ ልክዕ 30 ብሩር ምቕራቦም ዜገርም ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧
ምዕራፍ 123
ኣዝዩ ጕህዩ ኸሎ ጸለየ
ስለምንታይ እዩ የሱስ፡ “ነዛ ጽዋእ እዚኣ ኻባይ ኣልግሳ” ኢሉ ዝጸለየ፧ ካብቲ መስዋእታዊ በጃ ዀይኑ ኺመውት እተዋህቦ ግደ ኬድሓርሕር ስለ ዝደለየ ድዩ፧
ምዕራፍ 132
“እዚ ብሓቂ ወዲ ኣምላኽ እዩ ነይሩ”
ገና ቐትሪ ኸሎ ብተኣምራዊ መገዲ ምጽልማቱ፡ ምድሪ ምንቅጥቃጣ፡ መጋረጃ ቤተ መቕደስ ድማ ምትርታሩ፡ ናብ ሓደ መደመደምታ እዩ ዜብጽሕ።
ምዕራፍ 134
እቲ መቓብር ጥራዩ ጸንሐ—የሱስ ህያው ኰነ!
የሱስ ካብ ሞት ምስ ተንስአ፡ መጀመርያ ንሃዋርያቱ ዘይኰነስ ንሓንቲ ኻብ ደቀ መዛሙርቱ እዩ ርእሱ ገሊጹ።
ምዕራፍ 137
ቅድሚ ጰንጠቈስጠ ኣማእታት ረኣይዎ
የሱስ ካብ ሞት ድሕሪ ምትንሳኡን ናብ ሰማይ ቅድሚ ምዕራጉን ንደቀ መዛሙርቱ እንታይ ከም ዚቅበሉን ነቲ እተቐበልዎ ድማ ብኸመይ ኪጥቀሙሉ ኸም ዚግባእን ደጋጊሙ ኣጕሊሑሎም።
ንየሱስ ንምምሳል፡ ነዚ ዚስዕብ ባህርያቱ ቕድሓዮ
የሱስ ኣብ ህይወቱ ብተደጋጋሚ ሸሞንተ ባህርያት ኣርእዩ እዩ።
መሐበሪ ጥቕሲ
በዚ መሐበሪ ተጠቒምካ፡ እቲ ኣብ ወንጌላት ዚርከብ ዘበለ ፍቕዲ ኣብዛ መጽሓፍ እዚኣ ተገሊጹሉ ዘሎ ቦታ ርኸብ።
መሐበሪ ምሳሌታት (ምሳልያዊ ዛንታታት)
እቲ ምሳሌታት ኣብዛ መጽሓፍ እዚኣ ኣበየናይ ምዕራፋት ከም እተገልጸ ርኸብ።
ገለ ኻብ መሲሓዊ ትንቢታት
ኣብ ህይወት የሱስ ዝዀነ ነገራት ኣብ ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስን ኣብዛ መጽሓፍ እዚኣን ኣበይ ከም ዚርከብ።
የሱስ ዝነበረሉን ዝመሃረሉን ቦታታት
እዚ ካርታ እዚ እቲ የሱስ ኣገልግሎቱ ዚፈጸመሉ ቦታታት የርኢ።