ኣብ ምንባብን ኣብ ምምሃርን ትጋህ

እዛ ጽሕፍቲ እዚኣ ነቲ ንህዝቢ ናይ ምንባብን ጥበብ ናይ ምዝራብን ምምሃርን ክእለትካ ኽትስሕለልካ ተባሂላ እያ ተዳልያ።

ካብ ኣመሓዳሪ ኣካል እተላእከት ደብዳበ

ክሳዕ ሕጂ ንሰባት ካብ እተዋህበ ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ ዝዀነ መልእኽቲ ኢና እንምህር።

መጽናዕቲ 1

ውጽኢታዊ መእተዊ

ውጽኢታዊ መእተዊ ሰለስተ ሸቶ ይወቅዕ።

መጽናዕቲ 2

ዝርርባዊ ኣቀራርባ

ዝርርባዊ ኣቀራርባ፡ መልእኽትኻ ንሰማዕትኻ ኸም ዘይከብዶምን ብቐሊሉ ኸም ዚቕበልዎን ይገብር።

መጽናዕቲ 3

ኣጠቓቕማ ሕቶታት

ተገዳስነት ንምልዕዓልን ኣገዳሲ ነጥብታት ንምጕላሕን ብሜላ ሕቶታት ሕተት።

መጽናዕቲ 4

ጥቕስታት ግቡእ መእተዊ ተገይሩሉ

ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ ቅድሚ ምንባብካ፡ ንኣእምሮ ሰማዕትኻ ብኸመይ ከም እተዳልዎ ኣንብብ።

መጽናዕቲ 5

ልክዕ ንባብ

ልክዕ ንባብ ብዛዕባ የሆዋ ዚገልጽ ፍልጠት እተመሓላልፈሉ መሰረታዊ መገዲ እዩ።

መጽናዕቲ 6

ኣወዓዕላ ጥቕስታት ነጺሩ

እቲ ዘንበብካዮ ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ ምስቲ ኸተመሓላልፎ ዝደለኻ ነጥቢ ብኸመይ ኸም ዚተኣሳሰር ንሰማዕትኻ ኣነጽረሎም።

መጽናዕቲ 7

ልክዕን ዜእምንን

ልክዕን ዜእምንን መርትዖ፡ ሰማዕትኻ ኣብ ቅኑዕ መደምደምታ ምእንቲ ኺበጽሑ ይሕግዞም።

መጽናዕቲ 8

ዚምህር ምሳሌታት

ነቲ እትምህሮ ትምህርቲ ንሰማዕትኻ ብዚስሕብን ኣገዳሲ ነጥብታት ብዚምህርን ቀሊል ምሳሌታት ጌርካ ሰልሞ።

መጽናዕቲ 9

ግቡእ ኣጠቓቕማ ትዕይንታዊ ደገፍ

ኣብ ኣእምሮ ሰማዕትኻ ነባሪ ጦብላሕታ ንምሕዳግ ትዕይንታዊ ደገፍ ተጠቐም።

መጽናዕቲ 10

ምልውዋጥ ድምጺ

ስምዒት ንምልዕዓልን ንሰማዕቲ ንተግባር ንምድራኽን መጠንን ቃናን ፍጥነትን ድምጽኻ ለዋውጥ።

መጽናዕቲ 11

ውዕዉዕ ኣዘራርባ

ውዕዉዕ ኣዘራርባኻ፡ ሓያል ስምዒትካ የንጸባርቕ፡ ተገዳስነት ሰማዕትኻ ኽትሕዝ ድማ የኽእለካ።

መጽናዕቲ 12

ለውሃትን ድንጋጽን

ናይ ሓቂ ስምዒት ብዜንጸባርቕ መገዲ እንተ ተዛሪብካ፡ ንሰማዕትኻ ኸም እትሓልየሎም ተርኢ።

መጽናዕቲ 13

ግብራዊ ጥቕሚ ነጺሩ

እቲ ርእሰ ነገር ንሰማዕትኻ ኸመይ ገይሩ ንህይወቶም ከም ዚጸልዎ ኣረድኣዮም፣ በቲ እተማህርዎ እንታይ ኪገብሩ ኸም ዘለዎም ድማ ኣርእዮም።

መጽናዕቲ 14

ቀንዲ ነጥብታት ጐሊሑ

ሰማዕትኻ ንመደረኻ ኺከታተልዎ ሓግዞም፣ ኵሉ እቲ ቐንዲ ነጥብታት ምስቲ ዕላማኻን ፍረ ነገርካን ብኸመይ ከም ዚዛመድ ከኣ ኣነጽር።

መጽናዕቲ 15

እምነትካ ዜርኢ ኣዘራርባ

እምነትካ ብዜርኢ መገዲ ተዛረብ። ኣገዳስነት እቲ እትብሎ ዘለኻ ብጽኑዕ ከም እትኣምነሉን ኣርኢ።

መጽናዕቲ 16

ሃናጽን ኣወንታውን

ነቓፊ ዘይኰነስ፡ ሃናጺ ኹን። ናብቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ ዕረፍቲ ዚህብ ሓቅታት ከም ዜተኵሩ ግበር።

መጽናዕቲ 17

ንኻልኦት ዚርድኦም

ንሰማዕትኻ ትርጉም መልእኽትኻ ኣረድኣዮም። ቀንዲ ነጥብታት ብንጹር ግለጽ።

መጽናዕቲ 18

ንሰማዕትኻ ዜስተምህር

ንሰማዕትኻ ኸም ዚሓስቡ ግበሮም። ዚረብሕ ነገር ከም እተማህሩ ዀይኑ ኸም ዚስምዖም እውን ግበር።

መጽናዕቲ 19

ልቢ ንምትንካይ ጻዕሪ ተገይሩ

ሰማዕትኻ ፍቕሪ ንኣምላኽን ፍቕሪ ንቓሉ መጽሓፍ ቅዱስን ኬማዕብሉ ሓግዞም።

መጽናዕቲ 20

ውጽኢታዊ መደምደምታ

ውጽኢታዊ መደምደምታ እንተ ጌርካ፡ ሰማዕትኻ ነቲ እተማህርዎ ኪቕበልዎን ኪትግብርዎን ይልዓዓሉ እዮም።

ግስጋሰኻ መዝግብ

ናይ ምንባብን ናይ ምምሃርን ክእለትካ ኸተመሓይሽ ከለኻ፡ ግስጋሰኻ መዝግብ።

እዚ ዚስዕብ እውን ኣሎ

ተኸታታሊ ቪድዮ

ኣብ ምንባብን ኣብ ምምሃርን ትጋህ—ቪድዮታት

ንህዝቢ ናይ ምንባብን ናይ ምምሃርን ክእለትካ ኣመሓይሽ።