ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሞይቶም ንዘለዉ ፍቑራትና እንታይ ተስፋ ኣለዎም?

ሞይቶም ንዘለዉ ፍቑራትና እንታይ ተስፋ ኣለዎም?

ሞይቶም ንዘለዉ ፍቑራትና እንታይ ተስፋ ኣለዎም ?

ነዊሕ ዓመታት ይገብር እዮብ “ሰብ ድሕሪ ሞይቱ መሊሱዶ ህያው ኪኸውን እዩ ?” ዝብል ሕቶ ሓቲቱ ነበረ ። (እዮብ 14 : 14) ንኣኻትኩምውን እዚ ነገርዚ ምናልባሽ ኣተሓሳሲብኩም ይኸውን ኢዩ ። ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ኣብ ኣዝዩ ምሹእ ኵነታት ምስቶም ፍቑራትኩም እንደገና ክትራኸቡ ከም እትኽእሉ እንተትፈልጡስ እንታይ ምተሰምዓኩም ?

መጽሓፍ ቅዱስ “ምዉታትካ ህያዋን ኪኾኑ : . . . ኪትንስኡ እዮም ።” ዝብል ተስፋ ይህብ ኢዩ ። ከምኡውን መጽሓፍ ቅዱስ “ጻድቃን ንሃገር [ንምድሪ ትሓዓ] ኪወርስዋ : ኣብኣውን ንዘለኣለም ኪነብሩ እዮም” ይብል ኢዩ ። — ኢሳይያስ 26 : 19 ፣ መዝሙር 37 : 29

ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ተስፋታት ናይ ሓቂ እምነት ንኽህልወና ግን ገለ መሰረታዊ ሕቶታት ክንምልሽ ከድልየና ኢዩ:- ስለምንታይ ኢዮም ሰባት ዝሞቱ ? ምዉታት ኣበይ ኣለዉ ? እንደገና ህያዋን ክኾኑ ከም ዝኽእሉኸ ከመይ ጌርና ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ?

ሞት እንታይ ኢዩ ? ምስ ሞትናኸ እንታይ ንኸውን ?

ኣምላኽ ካብ መጀመርያ ሰባት ክሞቱ ዕላምኡ ከም ዘይነበረ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብሪሁ ይገልጸልና ኢዩ ። ነቶም ቀዳሞት ሰብኣይን ሰበይትን : ንኣዳምን ሄዋንን ምስ ፈጠሮም ኣብ ኤደን ዝተባህለት ምድራዊት ገነት ኣንበሮም እሞ ውሉዳት ክህልዎምን ነታ ገነት ቤቶም ድማ ክሳዕ ወሰን ምድሪ ከስፍሕዋ መምርሒ ሃቦም ። ንመምርሒታቱ እንተዘይተኣዚዞም ጥራይ ክሞቱ ነበሮም ። — ዘፍጥረት 1 : 28 ፣ 2 : 15 – 17

ኣዳምን ሄዋንን ንሕያውነት ኣምላኽ ከማስዉሉ ስለዘይከኣሉ : ትእዛዝ ኣፍረሱ : ግቡእ መቕጻዕቶም ድማ ተፈድዩ ። ኣምላኽ ንኣዳም ‘ናብታ እተፈጠርካላ ምድሪ ክትምለስ ኢኻ። መሬት ኢኻ እሞ: ናብ መሬት ድማ ትምለስ’ በሎ ። (ዘፍጥረት 3 : 19) ቅድሚ ምፍጣሩ ኣዳም ኣይነበረን : ምኽንያቱ መሬት ኢዩ ነይሩ ። ብዘይምእዛዙ ወይ ሓጢኣት ብምግባሩ ኸኣ : ናብ መሬት ማለት ናብ ዘይምህላው ክምለስ ተፈርደ ።

ስለዚ ሞት ብህይወት ዘይምህላው ማለት ኢዩ ። መጽሓፍ ቅዱስ “ዓስቢ ሓጢኣትሲ ሞት እዩ : ውህበት ጸጋ ኣምላኽ ግና . . . ናይ ዘለኣለም ህይወት እዩ” ዝብል ምንጽጻር ይህበና ። (ሮሜ 6 : 23) ኣብ ሞት ፍጹም ስምዒት ዝበሃል ከም ዘየለ ከመልክት መጽሓፍ ቅዱስ “ህያዋንሲ ኸም ዚሞቱ ይፈልጡ እዮም : ምዉታት ግና ገለ እኳ ኣይፈልጡንኢዮም ይብል። (መክብብ 9 : 5) መጽሓፍ ቅዱስ ሰብ ምስ ሞተ “ትንፋሱ [መንፈሱ ትሓዓ] ይወጽእ : ናብ መሬቱ ይምለስ : በታ መዓልቲ እቲኣ ሃቐናኡ [ሓሳባቱ ትሓዓ] ይጠፍእ” ኢሉ ይገልጽ ። — መዝሙር 146 : 3, 4

እንተኾነ ግን : ኣብ ኤደን ነቲ ትእዛዝ ዝጠሓሱ : ኣዳምን ሄዋንን ጥራይ ክነሶም : ስለምንታይ ኵላትና ንመውት ? ምኽንያቱ ኵላትና ድሕሪ ናይ ኣዳም ዘይምእዛዝ ኢና ተወሊድና : ስለዚ ኸኣ ኵላትና ካብኡ ሓጢኣትን ሞትን ወረስና ። ከምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝገልጾ “ብሰሪ ሓደ ሰብኣይ [ኣዳም] ሓጢኣት ናብ ዓለም ዝአተወ : ብሓጢኣትውን ሞት : ኵላቶም ስለ ዝበደሉ ድማ : ሞት ናብ ኵሉ ሰብ ሐለፈ ።” — ሮሜ 5 : 12 ፣ እዮብ 14 : 4

ጌና ግን ሓደ ሰብ ‘ሰባት ሓንቲ ዘይትመውት ድሕሪ ሞት እትተርፍ ነፍሲዶ የብሎምን ኢዮም ?’ ኢሉ ክሓትት ይኽእል ኢዩ ። ­ብዙሓት ከምኡ ምሂሮም ኢዮም : አረ ሕሉፍ ሓሊፎምሲ ሞት ናብ ካልእ ህይወት ዘእቱ ኣፍደገ ኢዩ ኢዮም ዝብሉ ። እንተኾነ ግን እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣተሓሳስባ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝመጸ ኣይኰነን ። ኣብ ክንድኡስ ቃል ኣምላኽ ንስኻ ምስ ኵሉ ­ኣካላውን ኣእምሮኣውን ባህርያትካ ነፍሲ ከም ዝኾንካን ነፍስኻ ማለት ድማ ንስኻ ምዃንካን ኢዩ ዝምህረና ። (ዘፍጥረት 2 : 7 ፣ ኤርምያስ 2 : 34 ፣ ምሳሌ 2 : 10) ከምኡውን መጽሓፍ ቅዱስ “እታ ሓጢኣት እትገብር ነፍሲ ንሳ ኽትመውት እያ” ይብል ። (ህዝቅኤል 18 : 4) መጽሓፍ ቅዱስ ሰብ ምስ ሞተ ካብ ኣካሉ ተፈልያ እትተርፍ ዘይትመውት ነፍሲ ኣላቶ ኢሉ ፈጺሙ ኣይምህርን ኢዩ ።

ሰባት ብኸመይ እንደገና ህያዋን ክኾኑ ከም ዝኽእሉ

ሓጥያትን ሞትን ናብ ዓለም ድሕሪ ምእታዉ : ኣምላኽ እቶም ምዉታት ብትንሳኤ ናብ ህይወት ክምለሱ ዕላምኡ ከም ዝኾነ ገለጸ : ስለዚ ኸኣ መጽሓፍ ቅዱስ ክገልጽ ከሎ “ኣብርሃም. . .  ኣምላኽ [ንወዱ ይስሃቅ] ካብ ምዉታት ድማ ኬተንስኦ ኸም ዚከኣሎ ሐሲቡ” ይብል ። (እብራውያን 11 : 17 – 19) ናይ ኣብርሃም እምነት ንኸንቱ ኣይነበረን ከመይሲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ’ቲ ኵሉ ዝኽእል “ንእኡ ኹሎም ህያዋን እዮም እሞ : ንሱስ ናይ ህያዋን እምበር : ናይ ምዉታት ኣምላኽ ኣይኰነን” ኢዩ ዝብል ። — ሉቃስ 20 : 37, 38

እወ : እቲ ኹሉ ዝኽእል አምላኽ ነቶም ዝመረጾም ከተንስእ ሓይሊ ጥራይ ዘይኰነስ ድላይውን ኣለዎ ። የሱስ ክርስቶስ ባዕሉ “ኣብ መቓብር ዘለዉ ኹላቶም ድምጹ ዚሰምዑላ ሰዓት ክትመጽእ እያ . . . እሞ: በዚ ኣይትደነቑ” በለ ። — ዮሃንስ 5 : 28, 29 ፣ ግብሪ ሃዋርያት 24 : 15

የሱስ ነዚ ዘረባዚ ተዛሪቡ ምስ ወድአ ብዙሕ ከይጸንሐ ካብ ሓንቲ ናይን ዝተባህለት ናይ እስራኤል ከተማ ንቐብሪ ዝጐዓዙ ምዉት ዝጸሩ ሰባት ተጓነፍዎ እቲ ምዉት መንእሰይ ነታ መበለት ኣዲኡ ሓደ ወዳ ኢዩ ነይሩ ነቲ መሪር ጓሂኣ ምስ ረኣየ የሱስ ደንገጸላ እሞ ነቲ ሬሳ “ኣታ ጐበዝ : ተንስእ : እብለካ አሎኹ” በሎ እቲ ምዉት ተንሲኡ ተቐመጠ የሱስ ከኣ ነዲኡ ሃባ ። — ሉቃስ 7 : 11 – 17

ከምዚ ናይዛ መበለት : የሱስ ኣብ ገዛ ያኢሮስ መራሕ ቤት ጸሎት ኣይሁድ ምስ ከደ : ሓደ ኣዝዩ ዘገርም ነገር ተፈጸመ ። ጓል 12 ዓመት ጓሉ ሞይታ ነበረት እሞ : የሱስ ኣብ ቤት ያኢሮስ ምስ በጽሐ ግን ናብታ ምውትቲ ቖልዓ ቀሪቡ “ኣቲ ጓል : ተንስኢ” በላ ። ተንስአት ከኣ ! — ሉቃስ 8 : 40 – 56

ጸኒሑ ኸኣ ኣልኣዛር ዓርኪ የሱስ ሞተ : የሱስ ኣብቲ ገዛ ክመጽእ ከሎ ኣልኣዛር ድሮ ካብ ዝመውት ኣርባዕተ መዓልቲ ገይሩ ነይሩ ። ማርታ ሓብቱ ሽሕ’ኳ ኣዝያ ጕህያ እንተ ነበረት እቲ ዝነበራ ተስፋ ክትገልጽ ከላ “በታ ዳሕረይቲ መዓልቲ ትንሳኤ ኸም ዚትንስእሲ : እፈልጥ ኣሎኹ” በለት ። የሱስ ግን ኣብቲ መቓብር ከይዱ ነቲ እምኒ ከልግስዎ ኣዘዘ እሞ : “ኣልኣዛር ንዓ : ናብ ወጻኢ ውጻእ” ኢሉ ጨደረ ። ወጸ ኸኣ ! — ዮሃንስ 11 : 11 – 44

አሰከ ሕስብ ኣብልዎ:- ኣብተን ሞይቱለን ዝነበረ ኣርባዕተ መዓልታት ናይ ኣልኣዛር ኵነታት እንታይ ነበረ ? ኣልኣዛር ኣብ ሰማያዊ በረኸት ወይ ኣብ ናይ ሓዊ ስቓይ ከም ዝነበረ ኣይተዛረበን ኣብኡ ነይሩ እንተዝኸውን ግን ብርግጽ ከምኡ ኢሉ መዘንተወ ነይሩ : አልኣዛርሲ ብሞት ስምዒት ዘይብሉ ኰይኑ እዩ ነይሩ : የሱስ ሽዑ ኣብ ህይወት እንተዘይመልሶ ነይሩ ኸኣ ‘ክሳዕ እታ ዳሕረይቲ መዓልቲ ትንሳኤ’ ምጸንሔ ነይሩ ።

ሓቂ ኢዩ እቲ የሱስ ዝገብሮ ዝነበረ ተኣምራት ግዝያዊ ጥቕሚ ጥራይ ኢዩ ነይሩዎ : ከመይሲ እቶም ንሱ ዘተንስኦም ሰባት እንደገና ሞይቶም ኢዮም ። እንተኾነ ግን 1, 900 ዓመታት ይገብር ምዉታት ብሓይሊ ኣምላኽ እንደገና ህያዋን ክኾኑ ምዃኖም መረጋገጺ ሃበ ። ስለዚ የሱስ በቲ ዝገብሮ ዝነበረ ተኣምራት ኣብ ምድሪ ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ ክፍጸም ከም ዝኾነ ብንኡስ መገዲ ኣርአየ ።

እተፍቅሮ ሰብ ክመውት ከሎ

ሞት እቲ ጸላኢ ክወቅዕ ከሎ ሽሕ’ኳ ብትንሳኤ ተስፋ ትገብር እንተ ኾይንካ ጓሂኻ ዓብዪ ክኸውን ይኽእል ኢዩ ። ኣብርሃም ሰበይቱ ሳራ ክትትንስእ ከም ዝኾነት እምነት ነበሮ : ምስእናይዚ ግን “ኣብርሃም ድማ ንሳራ ኺሐዝነላን ኪበኽየላን መጸ” ዝብል ኢና ነንብብ ። (ዘፍጥረት 23 : 2) የሱስከ ? ኣልኣዛር ምስ ሞተ ‘ብመንፈሱ ተኪዙ ኣሕነቕነቐ’ ጸኒሑ ኸኣ “ነብዔ ።” (ዮሃንስ 11 : 33, 35) ስለዚ ሓደ እተፍቅርዎ ክመውት ኸሎ እንተነባዕኩም ስንፍና ኣይኰነን ።

ቆልዓ ክመውት ኸሎ ብሕልፊ ነታ ወላዲቱ ከቢድ ኢዩ ። ስለዚ ኸኣ ኢዩ መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ንወላዲት ዝስምዓ መሪር ሓዘን ኣፍልጦ ዝህበሉ ። (2 ነገስት 4 : 27) ርግጽ ኢዩ ነቲ ውላዱ ዝስኣነ ኣቦ እውን ከቢድ ኢዩ ። ንጉስ ዳዊት ኣቤሰሎም ወዱ ምስ ሞተ “ኣብ ክንዳኻ ሞይተ እንተ ዝኸውን መን ምሀበኒ” ኢሉ በኸየ ። — 2 ሳሙኤል 18 : 33

ይኹን እምበር ኣብ ትንሳኤ ተስፋ ስለ ዘሎኩም ድማ ሓዘንኩም ቀጥዒ ዘይብሉ ኣይከውንን ኢዩ ። ከምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝብሎ “ከምቶም ተስፋ ዜብሎም ካልኦት” ኣይክትሓዝኑን ኢኹም ። (1 ተሰሎንቄ 4 : 13) ኣብ ክንድኡስ ናብ ኣምላኽ ብጸሎት ኣጸቢቕኩም ክትቀርቡ ኢኹም መጽሓፍ ቅዱስ ከኣ “ንሱ ኺድግፈካ እዩ” ዝብል ተስፋ ሂቡ ኣሎ ። — መዝሙር 55 : 22

ፍልይ ዝበለ መግለጺ ዝተዋህቦም ጥራይ እንተዘይኰይኑ ኩሎም ተጠቒሶም ዘለዉ ጥቕስታት ካብ ናይ ትግርኛ መጽሓፍ ቅዱስ ኢዮም ።