መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ እያ፧
እንታይ ምበልካ፧
-
ኣብ ልብኻ ዘላ ነገር
-
ኣብ ሰማይ እትነብረሉ ቦታ
-
ኣብ ሰማይ ዘላ መንግስቲ
መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧
እዚ ብኸመይ ኪጠቕመካ ይኽእል፧
-
ብደረጃ ውልቀ ሰብ ኪጠቕመካ ዚኽእል ቅኑዕ መንግስቲ ትረክብ።—ኢሳይያስ 48:17, 18።
-
ኣብ እትመጽእ ሓዳስ ዓለም፡ ፍጹም ጥዕናን ሓጐስን ዘለዎ ህይወት ይህልወካ።—ራእይ 21:3, 4።
ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚብሎ ብሓቂ ኽንኣምኖ ንኽእልዶ፧
እወ ንኽእል ኢና፣ እንተ ወሓደ ብኽልተ ምኽንያት።
-
የሱስ፡ መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ ከም እትዓምም ኣርእዩ እዩ። የሱስ ንሰዓብቱ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ክትመጽእን ፍቓድ ኣምላኽ ኣብ ምድሪ ኪኸውንን ኪጽልዩ ምሂርዎም እዩ። (ማቴዎስ 6:9, 10) እቲ ጸሎት ብኸመይ ከም ዚምለስ ድማ ብመርኣያ ኣርእዩ እዩ።
የሱስ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ጥሙያት መጊቡ፡ ሕሙማት ኣሕውዩ፡ ምዉታት ከኣ ኣተንሲኡ እዩ። (ማቴዎስ 15:29-38፣ ዮሃንስ 11:38-44) ከም መጻኢ ገዛኢ መንግስቲ ኣምላኽ መጠን፡ እታ መንግስቲ ንተገዛእታ እንታይ ከም እትገብረሎም ዜርኢ ባህ ዜብል መርኣዪ ሂቡ እዩ።—ራእይ 11:15።
-
ኵነታት ዓለም፡ መንግስቲ ኣምላኽ ድሕሪ ቐረባ ግዜ ኸም እትመጽእ የረጋግጽ። የሱስ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ናብ ምድሪ ሰላም ቅድሚ ምምጻኣ፡ ኣብ ዓለምና ውግእን ጥሜትን ምንቅጥቃጥ ምድርን ከም ዚኸውን ተነብዩ እዩ።—ማቴዎስ 24:3, 7።
ሎሚ እዚ ዅነታት እዚ ኺፍጸም ንርኢ ኣለና። ስለዚ፡ ድሕሪ ቐረባ ግዜ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ንዅሉ ጸገማት መወዳእታ ኸም እትገብረሉ ኽንተኣማመን ንኽእል ኢና።
ነዚ ዚስዕብ ሕሰበሉ፦
ኣብ ትሕቲ ግዝኣት መንግስቲ ኣምላኽ፡ ህይወት እንታይ ክትመስል እያ፧
መጽሓፍ ቅዱስ ነዛ ሕቶ እዚኣ፡ ኣብ መዝሙር 37:29፣ ኢሳይያስ 65:21-23 ይምልሳ እዩ።