ንመጻኢ ብኸመይ ኢኻ እትርእዮ፧
ንዓለምና ኣብ መጻኢ እንታይ ዜጋጥማ ይመስለካ፧
-
ከምዛ ዘላታ እትቕጽል
-
ካብዚ ዘላቶ እትገድድ
-
ካብዚ ዘላቶ እትመሓየሽ
መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧
“ኣምላኽ . . . ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ኪደርዝ እዩ፣ ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን፡ ደጊም እውን ሓዘን ወይ ኣውያት ወይ ስቓይ ኣይኪኸውንን እዩ። እቲ ቐዳማይ ሓሊፉ እዩ።”—ራእይ 21:3, 4፡ ትርጉም ሓዳስ ዓለም።
እዚ ብኸመይ ኪጠቕመካ ይኽእል፧
ትርጉም ዘለዎን ዜዕግብን ስራሕ ይህልወካ።—ኢሳይያስ 65:21-23።
ሕማም ወይ መከራ ዘይብሉ ህይወት ይህልወካ።—ኢሳይያስ 25:8፣ 33:24።
ምስ ስድራ ቤትን ፈተውትን እናተሓጐስካ ንዘለኣለም ትነብር።—መዝሙር 37:11, 29።
ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚብሎ ብሓቂ ኽንኣምኖ ንኽእልዶ፧
እወ ንኽእል ኢና፣ እንተ ወሓደ ብኽልተ ምኽንያት።
-
ኣምላኽ ነቲ ዘተስፈዎ ተስፋ ኺፍጽሞ ይኽእል እዩ። የሆዋ ኣምላኽ ማእለያ ዘይብሉ ሓይሊ ስለ ዘለዎ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ንሱ ጥራይ እዩ “ዅሉ እትኽእል” ተባሂሉ ተጸዊዑ ዘሎ። (ራእይ 15:3) ስለዚ፡ ነቲ ንዓለምና ዝሓሸት ከም ዚገብራ ዘተስፈዎ ተስፋ ምሉእ ብምሉእ ኪፍጽሞ ይኽእል እዩ። ከምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚገልጾ፡ “ብኣምላኽ . . . ኵሉ ይከኣል እዩ።”—ማቴዎስ 19:26።
-
ኣምላኽ ነቲ ዘተስፈዎ ተስፋ ኺፍጽሞ ይደሊ እዩ። ንኣብነት፡ የሆዋ ነቶም ዝሞቱ ሰባት ናብ ህይወት ኪመልሶም ሃረር ይብል እዩ።—እዮብ 14:14, 15።
ብዘይካዚ፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ እቲ ወዲ ኣምላኽ ዝዀነ የሱስ ንሕሙማት ከም ዘሕወየ ይገልጽ እዩ። ስለምንታይ እዩ ኸምኡ ገይሩ፧ ኬሕዊ ድሌት ስለ ዝነበሮ እዩ። (ማርቆስ 1:40, 41) የሱስ ነቶም እተሸገሩ ሰባት ኪሕግዞም ይደሊ ስለ ዝነበረ፡ ንባህርያት ኣቦኡ ብፍጹም መገዲ ኣንጸባሪቕዎ እዩ።—ዮሃንስ 14:9።
ስለዚ፡ የሆዋን የሱስን፡ ዜሐጕስ መጻኢ ኺህልወና ኸም ዚደልዩ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና።—መዝሙር 72:12-14፣ 145:16፣ 2 ጴጥሮስ 3:9።