ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንመጽሓፍ ቅዱስ ክትኣምንዎ እትኽእልሉ ምኽንያት

ንመጽሓፍ ቅዱስ ክትኣምንዎ እትኽእልሉ ምኽንያት

ንመጽሓፍ ቅዱስ ክትኣምንዎ እትኽእልሉ ምኽንያት

ገለ ሰባት መጽሓፍ ቅዱስ ሓደ ክእመን ዘይክእል መጽሓፍ ኢዩ ይብሉ : ርእይትኦም ድማ ሰፊሕ ተቐባልነት ረኺቡ ኣሎ ። በዚ ምኽንያትዚ ድማ ብዙሓት ሰባት መጽሓፍ ቅዱስ ኣይጠቅምን ኢዩ ብምባል ይነጽግዎ ።

ብኻልእ ወገን ከኣ : እቲ የሱስ ክርስቶስ ኣብ ጸሎቱ ንኣምላኽ “ቃልካ ሓቂ እዩ” ዝበሎ እምነት ዝምስርት ቃል ኢዩ ። መጽሓፍ ቅዱስ ባዕሉውን ብመንፈስ ኣምላኽ ከም ዝተጻሕፈ እዩ ዝዛረብ ። — ዮሃንስ 17 : 17 ፣ 2 ጢሞቴዎስ 3 : 16

ንስኹምከ : ብዛዕባዚ እንታይ ትሓስቡ ? ንመጽሓፍ ቅዱስ ንኽንኣምኖ ዝሕግዘና እንታይ ብቑዕ ምኽንያት ኣሎ ? ወይስ መጽሓፍ ቅዱስ ዘይእመን : ንሓድሕዱ ዝጋጮን : ዘይሰማማዕን ከም ዝኾነ ዘረጋግጽ መርትዖዶ ኣሎ ኢዩ ?

ንሓድሕዱ ዝጋጮ ድዩ ?

ሽሕኳ ገለገለ ሰባት መጽሓፍ ቅዱስ ንሓድሕዱ ዝጋጮ መጽሓፍ ኢዩ እንተበሉ : ዝጋጮ ምዃኑ ከእምን ዝኽእል ጭብጢ ከርእየኩም ዝኸኣለዶ ኣሎ ? ሓቅነቱ ንምርግጋጽ ንዝቐረበሉ መርመራ ርግጽ መልሲ ክህብ ዝኽእል ከምዚ መጽሓፍ እዚ ካልእ ከቶ ኣይረኣናን ። ሓቂ ኢዩ ኣብ ሓደ ሓደ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጸብጻባት ፍልልይ ዘሎ ይመስል ። እንተኾነ ግን እቲ ሽግር ኰይኑ ዘሎስ ናይቲ እዋን እቲ ዝርዝር ሓበሬታን ኵነታትን ዘይምፍላጥ ኢዩ እምበር ፍልልይ የብሉን ።

ንኣብነት ገለ ሰባት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ጉድለት ከም ዘሎ ንምሕባር : ‘ቃየል ንሰበይቱ ካበይ ረኺብዋ ?’ ዝብል ሕቶ ይሓቱ ። ከም ኣበሃህላኦም ኣዳምን ሄዋንን ውሉዳቶም ቃየልን ኣቤልን ጥራይ ኢዮም ነይሮም ዝብል ኢዩ ። እዚ ግምት እዚ ግን : ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝብሎ ካብ ዘይምርዳእ ዝተላዕለ ኢዩ ። መጽሓፍ ቅዱስ ኣዳም “ኣወዳትን ኣዋልድን ከኣ ወለደ” ይብል ። (ዘፍጥረት 5 : 4) ስለዚ ቃየል ሓንቲ ካብ ኣሓቱ ተመርዕዩ ኣሎ ማለት ኢዩ ። ወይ ከኣ ጓል ሓዉ ወይ ጓል ሓብቱ ተመርዕዩ ክኸውን ይኽእል ኢዩ ።

ብዙሕ ግዜ ክነቕፉ ዝደልዩ ሰባት ተጋጫዊ ሓሳባት ክረኽቡ ሃሰስ ካብ ምባል ኣይዓርፉን ኢዮም ። ስለዚ ኸኣ ‘ማቴዎስ ሐደ ካብቶም ጸሓፍቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓገዝ ዝደለየ ሓለቓ ሚእቲ ናብ የሱስ መጺኡ ክብል ከሎ ሉቃስ ግን እቲ ሓለቓ ሚእቲ ልኡኻቱ ሰዲዱ ይብል ። ስለዚ ካብዝስ ኣየናዩ ኢዩ ሓቂ ?’ ኢሎም ይሓቱ። (ማቴዎስ 8 : 5, 6 ፣ ሉቃስ 7 : 2, 3) ግናኸ ብሓቂ እዝስ ንሓድሕዱ ዝጋጮ ድዩ ?

ሓደ ዕዮ ብጕጅለ ሰባት እኳ እንተ ተዓየ : እቲ ኣብ ልዕሊኦም ሓላፍነት ዘለዎ ሰብ ከም ዝሰርሖ እንተ ተዘርበሉ : ሓደ መስተውዓሊ ሰብ ተጋጫዊ ወይ ሓሶት ኢሉ ኣይዛረበሉን ኢዩ ። ንኣብነት ንሓደ ጐደና ብጭቡጥ ዝሰርሕዎ ኣብ ትሕቲ ሓደ ከንቲባ ዝመሓደሩ መሃንዲሳትን ሰራሕተኛታትን እኳ እንተኾኑ : ነቲ ጐደና : እቲ ከንቲባ ከም ዝሃነጾ ጸብጻብ እንተዝቐርብሲ ግጉይ ጸብጻብ ኢዩዶ ምበልኩምዎ ? ብርግጽ አይምበልኩምዎን ። ብተመሳሳሊ ማቴዎስ ሓደ ሓለቓ ሚእቲ ካብ የሱስ ሓደ ነገር ከም ዝለመነ እንተገለጸ : ሉቃስ ከኣ ነቲ ልማንኡ ብልኡኻቱ ገይሩ ከም ዘቕረቦ እንተገለጾ ኣይጋጮን ኢዩ ዘሎ ።

ዝያዳ ዝርዝር ሓበሬታታት እናተፈልጠ ብዝኸደሉ : እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ፍልልይ ከም ዘሎ ዝመስል ይውገድ ኢዩ ።

ታሪኽን ስነ – ፍልጠትን

እቲ ታሪኻዊ ሓቅነት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓደ ግዜ ሰፊሕ ጥርጠራ ኣጋጢምዎ ነይሩ ኢዩ ። ንኣብነት ገለ ተዓዘብቲ : መጽሓፍ ቅዱስ ዝጠቕሶም ሰባት ከም በዓል ሳርጐን ናይ ኣሶር : ቤልሻጽር ናይ ባቢሎን : ከምኡውን ጴንጥዮስ ጲላጦስ እቲ ሮማዊ ገዛኢ ዝኣመሰሉ ሰባት : ብሓቂ ብህይወት ዝነበሩ ምዃኖም ዘጠራጥር ኢዩ ይብሉ ነይሮም ። ይኹን እምበር ኣብዚ ዝሓለፈ ቀረባ እዋን ዝተገብረ ርኽበታት ንናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቅነት ዘረጋግጽ ኰይኑ ኣሎ ። ሞሸ ፐርልማን ዝተባህለ ጸሓፍ ዛንታ “እቶም ንሓቅነት ናይቲ ኣብ ብሉይ ኪዳን ዘሎ ታሪኻዊ ክፋላት ከይተረፈ ዝጠራጠሩ ዝነበሩ ተጠራጠርቲ ብሃንደበት ሓሳባቶም ክቕይሩ ጀሚሮም ኣለዉ” ኢሉ ጸሓፈ ።

ንመጽሓፍ ቅዱስ ክንኣምኖ እንተዳኣ ኴንና : ብናይ ስነ ፍልጠት ጉዳይ ዝምልከትውን ትኽክል ክኸውን ኣለዎ ። እሞ ከምኡ ድዩ ? ሊቃውንቲ ንመጽሓፍ ቅዱስ ብምቅዋም እዚ ኣድማስ መጀመሪያ ኣይነበሮን ዝበልዎ ግዜ ርሑቕ ኣይነበረን ። እንተኾነ ግን ሮበርት ጃስትሮው ዝተባህለ ናይ ከዋኽብቲ ተማራማሪ ኣብዚ ዝሓለፈ ቀረባ እዋን ኣብ ዘውጽኦ ሓድሽ ሓሳባት ነዚ ኣበሃህልኦም ዝረትዕ ሓሳብ ክገልጽ ከሎ “እቲ ናይ ከዋኽብቲ ምርምር : ምስቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ኣጀማምራ ዓለም ዝዛረበሉ ሓሳብ ዝሰማማዕ ኰይኑ ረኺብናዮ ኣሎና ። ሽሕኳ ናይቲ ዝርዝር ኣቀራርባ እንተ ተፈላለየ እቲ ናይ ከዋኽብቲ ምርምርን እቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ፍጥረት ጸብጻብን መሰረታዊ ነጥብታት ሓደ ኢዩ” በለ ። — ዘፍጥረት 1⁠: 1

ከምኡውን ሰባት በዛዕባ ቅርጺ ናይ ምድሪ ዝምልከት ኣተሓሳስብኦም ተለዊጡ ኢዩ ። ዘ ዎርልድ ቡክ ኢንሳይክሎፐድያ ዝተባህለ መጽሓፍ : “ንምድሪ ንምድህሳስ ዝተገብረ ጉዕዞታት : ምድሪ ከምቲ ብዙሓት ሰባት ዝኣምንዎ ዝነበሩ ጸፋሕ ዘይኰነትስ ከባብ ከም ዝኾነት ኣርእዮም ኢዮም” ክብል ይገልጽ ። መጽሓፍ ቅዱስ ግን ካብ ቀደም ጀሚሩ ቅኑዕ ኢዩ ነይሩ ። 2, 000 ዓመታት ኣቢሉ ቅድሚ እዚ ጕዕዞታት እዚ ምፍጻሙ : መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ኢሳይያስ 40 : 22 “ንሱ ኢዩ ኣብ ልዕሊ እዛ ከባብ ምድሪ ዝቕመጥ” በለ ። ኣብ ካልእ ትርጕማት ከኣ “ክቢ ምድሪ” (ትርጉም ድዋይ ) ከምኡውን “ዙርያ ምድሪ” ። (ትርጉም ሞፋት ) ተባሂሉ ተጠቒሱ ኣሎ ።

ስለዚ ሰባት እናተማህሩ ብዝኸዱ መጠን መጽሓፍ ቅዱስ ክእመን ከም ዝኽእል ዘረጋግጽ መርትዖ ዝዓበየ ኢዩ ዝኸውን ። ናይ ቀደም ናይ ብሪጣንያ ቤተ መዘክር ዲረክተር ዝነበሩ ሰር ፍሬዲሪክ ከንዮን ከምዚ ኢሎም ጸሓፉ:- “ልክዕ ከምቲ ኣማኒ ዝጽበዮ እቲ ዛጊት ተረኺቡ ዘሎ ፍረ ማለት እቲ በብግዜኡ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ፍልጠት ንመጽሓፍ ቅዱስ ዝድግፍ ከም ዝኾነ መረጋገጺ ክኸውን ክኢሉ ኣሎ ።”

ብዛዕባ መጻኢ ግዜ ኣቐዲሙ ዝተነበዮ ነገራት

ግናኸ ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ መጻኢ ዝዛረቦ ነገራት ከምኡውን እቲ ብናይ “ጽድቂ ዚነብረሉ ሓድሽ ሰማያትን ሓድሽ ምድርን” ዝሃቦ ተስፋ ብሓቂዶ ክንኣምኖ ንኽእል ኢና ? (2 ጴጥሮስ 3 : 13 ፣ ራእይ 21 : 3, 4) እሞ : ኣብ ዝሓለፈ ግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ክእመን ዝኽእል መጽሓፍ ምዃኑ ዘረጋግጸልና ጸብጻብ እንታይ ነይሩ ? ብተደጋጋሚ ከም ዝተራእየ ኣማእታት ዓመታት ኣቐዲሙ ዝተነበዮ ትንቢታት ከይተረፈ : ሓደ ብሓደ ክፍጸም ክኢሉ ኢዩ ።

ንኣብነት መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ውድቀት ናይታ ሓያል ዝነበረት ባቢሎን ክልተ ሚእቲ ዓመታት ኣቐዲሙ ተነብይሉ ነይሩ ። አረ እቶም ክስዕርዋ ዝነበሮምዉን ምስ ፋርሳውያን ሕብረት ዝገብሩ መዶናውያን ከም ዝኾኑ ብስሞም ጠቒስዎም ኢዩ ። ከምኡውን ቂሮስ ንጉስ ፋርስ : ሽሕኳ ገና ዘይተወልደ እንተነበረ : መጽሓፍ ቅዱስ ንሱ ኣብቲ ስዕረት ምርኡይ ኽኸውን ከም ዘለዎ ተዛሪቡ ነይሩ ። እቲ ንባቢሎን ዝከላኸለላ ዝነበረ ማያት ፈለግ ኤፍራጥስ ‘ክነጽፍ ከም ዘለዎ’ ከምኡውን ‘ደጌታት [ናይ ባቢሎን] ከም ዘይዕጾ’ ተዛሪቡ ነበረ ። — ኤርምያስ 50 : 38 ፣ ኢሳይያስ 13 : 17 – 19 ፣ 44 : 27 – 45 : 1

ከምቲ ሄሮዶቱስ ጸሓፍ ዛንታ ኣብ ጸብጻቡ ኣቕሪብዎ ዘሎ እዚ ነገራት እዚ ሓደ ብሓደ ተፈጺሙ ኢዩ ። ኣብ ርእስዚ መጽሓፍ ቅዱስ ባቢሎን ኣብ መወዳእታ ሰብ ዘይነብረላ ዑና ክትከውን ከም ዘለዋ ተዛሪቡ ነይሩ ኢዩ ። ልክዕ ድማ ከምኡ ኰነ ። ሎሚ ባቢሎን ዝባደመት ኵምራ ሓመድ ኰይና ትርከብ ኣላ ። (ኢሳይያስ 13 : 20 – 22 ፣ ኤርምያስ 51 : 37, 41 – 43) መጽሓፍ ቅዱስ ብኻልኦት ኣገራሚ ፍጻሜታት ዘለዎም ትንቢታትውን ዝመልአ ኢዩ ።

እሞኸ ድኣ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እዚ ሕጂ ዘሎ ናይ ዓለም ኣገባብ እንታይ ይብል ? ከምዚ ይብል:- “ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ግና ክፉእ ዘመን ከም ዚመጽእ : እዚ ፍለጥ ። ሽዑ ሰባት ፈተውቲ ርእሶም ኪኾኑ እዮም እሞ : ፈተውቲ ገንዘብ : ተጀሃርቲ : ዕቡያት : ተጻረፍቲ : ንወለዶም ዘይእዘዙ : ዘየማስዉ : ርኹሳት : ፍቕሪ ንስድራ ቤቶም እኳ ዜብሎም. . .  ካብ ንኣምላኽ ምፍቃርሲ ኣዕዚዞም ተድላ ዚፈትዉ : እቶም መልክዕ ኣምልኾ ዘለዎም : ነቲ ሓይሉ ግና ዚኽሕድዎ ።” — 2 ጢሞቴዎስ 3 : 1 – 5

ብርግጽ ናይዚ ትንቢት እዚ ፍጻሜ ሎሚ ብዓይንና ንርእዮ ኣሎና ! እንተኾነ ግን መጽሓፍ ቅዱስ “አብተን ዳሕሮት መዓልትታት” ዝፍጸም “ህዝቢ ናብ ህዝቢ : መንግስቲውን ናብ መንግስቲ ኺለዓል እዩ : ኣብ በቦታኡ ድማ ጥሜትን ፌራን ምንቅጥቃጥ ምድርን ኪኸውን እዩ” ብምባል እውን ተነብዩ ኣሎ ፣ — ማቴዎስ 24 : 7 ፣ ሉቃስ 21 : 11

ብርግጽ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትንቢታት ሎሚ ፍጻሜኦም ይረኽቡ ኣለዉ ! እሞኸ ደኣ ብዛዕባ እቶም ገና ብሕጂ ክፍጸሙ ዘለዎም ከም “ጻድቃን ንሃገር [ንምድሪ ትሓዓ] ኪወርስዋ : ኣብኣ ኸኣ ንዘለኣለም ኪነብሩ እዮም ።” ከምኡውን “ኣስያፎም ንማሕረሻታት . . . ኪሰርሕዎ እዮም. . .  ደጊምሲ ውግእ ኣይኪመሀሩን እዮም” ዝብሉን ካልኦት ከምኦም ዝኣመሰሉን እንታይ ክበሃል ይከኣል ? — መዝሙር 37 : 29 ፣ ኢሳይያስ 2 : 4

ገለ ሰባት “እዝስ ክእመን ዘይክኣል ነገር ኢዩ” ይብሉ ። ይኹን እምበር በቲ ፈጣሪና ዘተስፈወና ነገራት ክንጠራጠር ብቑዕ ምኽንያት የብለናን ። ቃሉ ክእመን ይኽእል ኢዩ ። (ቲቶስ 1 : 2) ነቲ መረጋገጺ ኣጸቢቕኩም እንተደኣ መርሚርኩምዎ : እዚ ነገርዚ ሓቂ ኰይኑ ክትረኽብዎ ኢኹም ።

ፍልይ ዝበለ መግለጺ ዝተዋህቦም ጥራይ እንተዘይኰይኑ ኩሎም ተጠቒሶም ዘለዉ ጥቕስታት ካብ ናይ ትግርኛ መጽሓፍ ቅዱስ ኢዮም ።

[ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

“ልክዕ ከምቲ ኣማኒ ዝጽበዮ እቲ ዛጊት ተረኺቡ ዘሎ ፍረ ማለት እቲ በብግዜኡ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ፍልጠት ንመጽሓፍ ቅዱስ ዝድግፍ ከም ዝኾነ መረጋገጺ ክኸውን ክኢሉ አሎ ”