ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ 34

እንተ ሞይትና እንታይ ኢና እንኸውን፧

እንተ ሞይትና እንታይ ኢና እንኸውን፧

ከም እትፈልጦ ሎሚ ሰባት ይኣርጉ: ይሓሙ: ኣብ መወዳእታ ኸኣ ይሞቱ እዮም። ገሊኣቶም ቈልዑ እውን ከይተረፈ ይሞቱ እዮም። ሞት ወይ ከኣ ምዉት ሰብ ክትፈርህ ይግብኣካዶ እዩ፧⁠— እንተ ሞይትና እንታይ ከም እንኸውን ትፈልጥዶ፧⁠—

ኣብዚ ግዜ እዚ ይነብሩ ኻብ ዘለዉ ሰባት ሞይቱ ዝተንስአ ስለ ዘየለ: እንተ ሞይትና እንታይ ከም እንኸውን ኪነግረና ዚኽእል ሰብ የለን። የሱስ: እቲ ዓብዪ መምህር: ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ ግን ሞይቱ ዝተንስአ ሰብ ነይሩ እዩ። ብዛዕባኡ ብምንባብ ከኣ እቶም ዝሞቱ እንታይ ከም ዝዀኑ ኽንመሃር ንኽእል ኢና። እቲ ሰብ ኣብ ሓንቲ ኻብ የሩሳሌም ብዙሕ ዘይትርሕቕ ቢታንያ እትበሃል ንእሽቶ ኸተማ ዚነብር ዝነበረ ዓርኪ የሱስ እዩ ነይሩ። ስሙ ኣልኣዛር ይበሃል። ማርታን ማርያምን ዚበሃላ ኽልተ ኣሓት ከኣ ነበራኦ። ብዛዕባ እቲ ዘጋጠሞ ነገር መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ከም ዚብል እስከ ንርአ።

ሓደ መዓልቲ ኣልኣዛር ከቢድ ሕማም ሓመመ። ኣብቲ ግዜ እቲ የሱስ ኣብ ርሑቕ ቦታ ነበረ። ስለዚ: ማርታን ማርያምን ናብ የሱስ ልኡኽ ልኢኸን ሓወን ኣልኣዛር ከም ዝሓመመ ነገራኦ። የሱስ መጺኡ ንሓወን ኬሕውዮ ኸም ዚኽእል ይፈልጣ ስለ ዝነበራ ኸኣ እየን ከምኡ ዝገበራ። የሱስ: ሓኪም እኳ እንተ ዘይነበረ: በቲ ኣምላኽ ዝሃቦ ኽእለት ንዝዀነ ይኹን ሕማም ኪፍውስ ይኽእል ነበረ።​—⁠ማቴዎስ 15:30, 31

ይኹን እምበር: ኣልኣዛር ሕማሙ እናኸበዶ ስለ ዝኸደ: የሱስ ቅድሚ ምምጻኡ ሞተ። የሱስ ግን ንደቀ መዛሙርቱ: ኣልኣዛር ደቂሱ ስለ ዘሎ ኻብ ድቃሱ ኼተንስኦ ኪኸይድ ምዃኑ ነገሮም። ንሳቶም ግን እንታይ ማለቱ ምዃኑ ኣይተረድኦምን። ስለዚ: ብግልጺ “ኣልኣዛር ሞይቱ” በሎም። እዚ ብዛዕባ ሞት እንታይ እዩ ዜረድኣና፧⁠— እወ: ሞት ልክዕ ከም ዓሚቝ ድቃስ ምዃኑ እዩ። ኣዝዩ ዓሚቝ ካብ ምዃኑ እተላዕለ ኸኣ እቲ ብሞት ዝደቀሰ ሰብ ኪሓልም እውን ኣይክእልን እዩ።

ድሕርዚ የሱስ ንማርታን ንማርያምን ኪበጽሐን መጸ። ብዙሓት ፈተውቲ እታ ስድራ​ቤት እውን ኣቐዲሞም መጺኦም ነበሩ። ነተን ኣሓት ሓወን ስለ ዝሞተ: ኬጸናንዕወን እዮም መጺኦም። ማርታ የሱስ ከም ዝመጸ ምስ ፈለጠት: ክትቅበሎ ወጸት። ድሕሪኡ ማርያም እውን ንየሱስ ክትረኽቦ ወጸት። ብዙሕ ሓዚና ነበረት: እናበኸየት ከኣ ኣብ እግሩ ወደቐት። እቶም ንማርያም ስዒቦምዋ ዝወጹ ኻልኦት ፈተውቲ እውን ይበኽዩ ነበሩ።

እቲ ዓብዪ መምህር: ንኣልኣዛር ኣበይ ከም ዘንበርዎ ሓተቶም። ሽዑ እቶም ሰባት ናብቲ እተቐብረሉ በዓቲ ወሰድዎ። የሱስ ኵሎም ሰባት ኪበኽዩ ምስ ረኣዮም: ንሱውን ኪበኪ ጀመረ። እትፈትዎ ሰብ ብሞት ኪፍለየካ ኽሳዕ ክንደይ መሪር ምዃኑ ይፈልጥ ነይሩ እዩ።

እቲ በዓቲ ብእምኒ ተዓጽዩ ነበረ: የሱስ ከኣ “ነዚ እምኒ ኣልዕልዎ” በሎም። ኬልዕልዎ ይግብኦምዶ ነይሩ፧⁠— ማርታ ምልዓሉ ግቡእ ኰይኑ ኣይተሰምዓን። “ጐይታይ: ራብዕቲ ገይሩ እዩ እሞ: ፈጺሙ ጨንዩ እዩ” በለቶ።

የሱስ ግን “እንተ ትአምንስ: ክብሪ ኣምላኽ ምርኤኺዶ ኣይበልኩኽን፧” በላ። የሱስ: ማርታ ንኣምላኽ ክብሪ ዚህብ ነገር ክትርኢ ምዃና እዩ ዚሕብር ነይሩ። ድሕርዚ የሱስ እንታይ እዩ ገይሩ፧ ነቲ እምኒ ምስ ኣልገስዎ ዓው ኢሉ ናብ የሆዋ ጸለየ። ብዓብዪ ድምጺ ኸኣ “ኣልኣዛር ንዓ: ናብ ወጻኢ ውጻእ” በለ። ወጺኡዶ ዀን ይኸውን፧ ኪወጽእ ይኽእል ነይሩ ድዩ፧⁠—

ንሓደ ዝደቀሰ ሰብ ካብ ድቃሱ ኸተተንስኦ ትኽእል ዲኻ፧⁠— እወ: ዓው ኢልካ እንተደኣ ጸዊዕካዮ: ኪትንስእ ይኽእል እዩ። ንሓደ ዝሞተ ሰብ ግን ከተተንስኦ ትኽእል ዲኻ፧⁠— ኣይትኽእልን ኢኻ። ዓው ኢልካ ዝጸዋዕካ እኳ እንተ ጸዋዕካ: እቲ ዝሞተ ሰብ ኪሰምዕ ኣይክእልን እዩ። ኣነን ንስኻን ወይ ዝዀነ ይኹን ኣብ ምድሪ ዘሎ ሰብ ምዉት ከነተንስእ ኣይንኽእልን ኢና።

የሱስ ንኣልኣዛር እንታይ እዩ ገይርዎ፧

የሱስ ግን እተፈልየ እዩ። ኣምላኽ ዝሃቦ ፍሉይ ሓይሊ ኣለዎ። ስለዚ: የሱስ ንኣልኣዛር ኪጽውዖ ኸሎ: ዜደንቕ ነገር ኣጋጠመ። እቲ ነርባዕተ መዓልቲ ሞይቱ ዝነበረ ሰብኣይ ካብ ብዓቲ ወጸ። ናብ ህይወቱ ተመልሰ። ኬተንፍስን ኪኸይድን ኪዛረብን ከኣለ። እወ: የሱስ ንኣልኣዛር ካብ ሞት እዩ ኣተንሲእዎ።​—⁠ዮሃንስ 11:1-44

ብዛዕባ እዚ እሞ ሕሰብ:- ኣልኣዛር ምስ ሞተ እንታይ እዩ ዀይኑ ነይሩ፧ ገለ ኽፍሊ ኣካላቱ: ማለት ነፍሱ ወይ መንፈሱ: ካብኡ ተፈልዩ ናብ ካልእ ቦታ ኺነብርዶ ኸይዱ እዩ፧ ነፍሲ ኣልኣዛር ናብ ሰማይዶ ኸይዳ እያ፧ ነርባዕተ መዓልቲ ዚኣክል ምስ ኣምላኽን ምስቶም ቅዱሳት መላእኽትን ይነብር ነይሩ ድዩ፧⁠—

ኣይነብርን እዩ ነይሩ። የሱስ: ‘ኣልኣዛር ደቂሱ ኣሎ’ ኸም ዝበለ ኣይትረስዕ። ምስ ደቀስካ እንታይ ኢኻ እትኸውን፧ ዓሚቝ ድቃስ ምስ ዚወስደካ: ኣብ ከባቢኻ እንታይ ይኸውን ከም ዘሎ ኣይትፈልጥን ኢኻ፧⁠— ምስ ተንሳእካ ኸኣ ሰዓት ክሳዕ እትርኢ ንኽንደይ ዚኣክል ግዜ ኸም ዝደቀስካ እውን ኣይትፈልጥን ኢኻ።

ምዉታት ሰባት እውን ልክዕ ከምኡ እዮም። ምንም ነገር ኣይፈልጡን እዮም። ዋላ ሓንቲ ኣይስምዖምን እዩ። ዋላ ሓንቲ ነገር እውን ኪገብሩ ኣይክእሉን እዮም። ኣልኣዛር ሞይቱ ኸሎ: ከምኡ እዩ ነይሩ። ልክዕ ከምቲ ሓደ ሰብ ዓሚቝ ድቃስ ምስ ደቀሰ ምንም ነገር ኪዝክር ዘይክእል: ዝሞተ ሰብ እውን ከምኡ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ “ምዉታት . . . ገለ እኳ ኣይፈልጡን” ይብል።​—⁠መክብብ 9:5, 10

ኣልኣዛር ምስ ሞተ ዅነታቱ ኸመይ እዩ ነይሩ፧

ብዛዕባ እዚውን ሕሰብ:- ኣልኣዛር ነርባዕተ መዓልቲ ኣብ ሰማይ ነይሩ እንተ ዚኸውን: ብዛዕባኡ ገለ ነገርዶ ኣይምተዛረበን፧⁠— ኣብ ሰማይ ነይሩ እንተ ዚኸውን: የሱስ ካብቲ ዜደንቕ ቦታ ኣውጺኡ ናብ ምድሪ ምመለሶዶ ነይሩ፧⁠— ፈጺሙ ኣይምመለሶን ነይሩ።

እንተዀነ ግን: ሓያሎ ሰባት ነፍሲ ኸም ዘላትና እሞ: ኣካላትና ምስ ሞተ: እታ ነፍሲ ኸም እትነብር ይገልጹ። ነፍሲ ኣልኣዛር ኣብ ካልእ ቦታ እያ እትነብር ነይራ ይብሉ። መጽሓፍ ቅዱስ ግን ከምኡ ኣይብልን እዩ። ኣብ ክንዳኡስ: ኣምላኽ ነቲ ናይ መጀመርታ ሰብ ኣዳም “ህያው ነፍሲ” ገይሩ ኸም ዝፈጠሮ እዩ ዚነግረና። ኣዳም ነፍሲ ነበረ። መጽሓፍ ቅዱስ: ኣዳም ምስ ሓጥአ ኸም ዝሞተ እውን ይነግረና እዩ። “ምዉት ነፍሲ” ዀነ: ናብቲ እተፈጥረሉ መሬት ከኣ ተመልሰ። መጽሓፍ ቅዱስ: ኵሎም ዘርኢ ኣዳም እውን ሓጢኣትን ሞትን ከም ዝወረሱ ይገልጽ እዩ።​—⁠ዘፍጥረት 2:7፣ 3:17-19፣ ዘሁልቍ 6:6 NW​​ሮሜ 5:12

ካብ ኣካላትና እተፈልየት ነፍሲ ኸም ዘይብልና እምበኣር ንጹር እዩ። ነፍሲ ወከፍና ነፍሲ ኢና። ቅኑዓት ሰባት ካብቲ ናይ መጀመርታ ሰብ ዝዀነ ኣዳም ሓጢኣት ስለ ዝወረሱ: መጽሓፍ ቅዱስ ‘እታ ሓጢኣት እትገብር ነፍሲ ኽትመውት እያ’ ይብል።​—⁠ህዝቅኤል 18:4

ንምዉታት ክንፈርሆም ዘይብልና ስለምንታይ ኢና፧

ንገሊኣቶም ሰባት ምዉታት የፍርህዎም እዮም። እዞም ሰባት እዚኣቶም: ምዉታት ንህያዋን ክትጐድእ እትኽእል ካብ ኣካላቶም እተፈልየት ነፍሲ ኣላቶም ኢሎም ስለ ዚሓስቡ: ጥቓ መቓብር ኣይቀርቡን እዮም። እንተዀነ ግን: ሓደ ምዉት ሰብሲ ንሓደ ብህይወቱ ዘሎ ሰብዶ ኺጐድኦ ይኽእል እዩ፧⁠— ኣይክእልን እዩ።

ገሊኣቶም ከኣ ሕሉፍ ሓሊፎም ምዉታት ንህያዋን ምእንቲ ኺበጽሑ መናፍስቲ ዀይኖም ይምለሱ እዮም ኢሎም ይኣምኑ። ስለዚ ድማ ንምዉታት ምግቢ የቐምጡሎም። እዞም ከምዚ ዚገብሩ ሰባት ግን ነቲ ኣምላኽ ብዛዕባ ምዉታት እተዛረቦ ነገራት ብሓቂ ኣይኣምኑሉን እዮም። ነቲ ኣምላኽ ዝበሎ ንኣምነሉ እንተደኣ ዄንና: ምዉታት ኣይኬፍርሁናን እዮም። ህይወት ስለ ዝሃበና ንኣምላኽ ብሓቂ ነመስግኖ እንተደኣ ዄንና ኸኣ: ምስጋናና ኣምላኽ ዚሕጐሰሉ ነገራት ብምግባር ክንገልጾ ኢና።

እንተዀነ ግን: ‘ኣምላኽ ነቶም ዝሞቱ ቘልዑኸ ኸተንስኦም ድዩ፧ ብሓቂኸ ኸተንስኦም ይደሊ ድዩ፧’ ኢልካ ትሓትት ትኸውን። ኣብ ዚቕጽል እስከ ብዛዕባኡ ንዘራረብ።

ብዛዕባ ዅነታት ምዉታትን ሰብ ንባዕሉ ነፍሲ ምዃኑን ዚገልጽ ተወሳኺ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ መዝሙር 115:17፣ 146:3, 4፣ ከምኡውን እያሱ 11:11 ነንብብ።