ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ጥፍኣት ናይ ሓሶት ሃይማኖት ቀሪቡ!

ጥፍኣት ናይ ሓሶት ሃይማኖት ቀሪቡ!

ዜና መንግስቲ ኣምላኽ ቍ. 37

ዓለምለኻዊ መልእኽቲ

ጥፍኣት ናይ ሓሶት ሃይማኖት ቀሪቡ!

▪ ናይ ሓሶት ሃይማኖት እንታይ እያ፧

▪ ብኸመይ እያ ኽትጠፍእ፧

▪ እዚኸ ንዓኻ ብኸመይ ይትንክፈካ፧

ናይ ሓሶት ሃይማኖት እንታይ እያ፧

ብስም ሃይማኖት ዚግበር ዓመጻ የጕህየካዶ፧ እቶም ንኣምላኽ ነገልግሎ ኢና ዚብሉ ሰባት ዚገብርዎ ውግእ: ግብረ-ሽበራ: ከምኡውን ብልሽውና ይርብሸካዶ፧ ሃይማኖት ሱር ብዙሕ ጸገማት ኰይኑ ዚርአ ዘሎ ስለምንታይ እዩ፧

ናይዚ ጸገማት እዚ ተሓታቲት: እታ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ደኣ እምበር ኵለን ሃይማኖታት ኣይኰናን። እቲ ብዙሕ ክብሪ ዚወሃቦ ሃይማኖታዊ መራሒ የሱስ ክርስቶስ: ልክዕ ከምቲ ሓደ ‘ክፉእ ኦም ክፉእ ፍረ ዚፈሪ’ ናይ ሓሶት ሃይማኖት እውን ክፉእ ተግባራት ዚገብሩ ሰባት ከም እትፈሪ ሓበረ። (ማቴዎስ 7:15-17) ናይ ሓሶት ሃይማኖት እንታይ ፍረ እያ እትፈሪ፧

ናይ ሓሶት ሃይማኖት . . .

ኣብ ውግእን ፖለቲካን ጣልቃ ትኣቱ:- ሓንቲ ኤሽያዊክ እትበሃል ጋዜጣ: “ኣብ እስያን ካልእ ቦታታትን ህርፋን ስልጣን ዘለዎም መራሕቲ: ንሃይማኖታዊ ስምዒታት ሰባት ንረብሓኦም ኢሎም ብዘይ ንሕስያ ይምዝምዝዎ ኣለዉ” ትብል። ከም ውጽኢቱ ድማ: “ዓለም ናብ ዕብዳን ገጻ ትንቈት ኣላ” ብምባል እታ ጋዜጣ ተጠንቅቕ። ኣብ ሕቡራት መንግስታት ዚርከብ ሓደ ፍሉጥ መራሒ ሃይማኖት: “ንግብረ-ሽበራውያን: ሰባት ምቕታል ምእንቲ ኸይቅጽሉ ኽትቀትሎም ኣሎካ” በለ። ነዚ ንምግባር ድማ: “ብስም ጐይታ ንዅሎም ግበረ-ሽበራውያን ቅተልዎም” በለ። መጽሓፍ ቅዱስ ግን ብኣንጻሩ: “ንሓዉ እናጸልኦስ: ንኣምላኽ ኤፍቅሮ እየ: ዚብል እንተሎ: ንሱ ሓሳዊ እዩ” ይብል። (1 ዮሃንስ 4:20) የሱስ እሞ ኸኣ: “ጸላእትኹም ፍተዉ” በለ። (ማቴዎስ 5:44) ሎሚ ኣባላተን ኣብ ውግእ ዚሳተፉ ኣዝየን ብዙሓት ሃይማኖታት ደይኰናን ዘለዋ፧

ናይ ሓሶት ሰረተ-እምነት ትምህር:- መብዛሕትአን ሃይማኖታት ነፍሲ ወይ መንፈስ ብዓይኒ ዘይትርአ ኽፋል ደቅሰብ ምዃና: እቲ ስጋ ምስ ሞተ ድማ ብህይወት ምንባር ትቕጽል እያ ኢለን ይምህራ። ነዚ ትምህርቲ እዚ ተጠቒሞም: ብዙሓት መራሕቲ ሃይማኖት ነተን ዚፍለያ ነፍሳት ንኺጽልዩለን ገንዘብ ኪኽፈሎም ብምሕታት ንኣባላቶም ይብለጹሎም። መጽሓፍ ቅዱስ ግን ካብዚ እተፈልየ ሰረተ-እምነት እዩ ዚምህር። “እታ ሓጢኣት እትገብር ነፍሲ ንሳ ኽትመውት እያ።” (ህዝቅኤል 18:4) “ህያዋንሲ ኸም ዚሞቱ ይፈልጡ እዮም: ምዉታት ግና ገለ እኳ ኣይፈልጡን።” (መክብብ 9:5) ሰባት ዘይትመውት ነፍሲ እንተ ትህልዎም ነይራ: እቲ የሱስ ምዉታት ከም ዚትንስኡ ዚመሃሮ ትምህርቲ ትርጕም ዘይብሉ ምዀነ ነይሩ። (ዮሃንስ 11:11-25) ሃይማኖትካ ነፍሲ ኣይትመውትን እያ ኢላ ድያ እትምህር፧

ብዕሉግ ጾታዊ ርኽሰት ሸለል ትብል:- ኣብ ምዕራባውያን ሃገራት ዚርከባ ኣብያተ-ክርስትያን: ነቶም ግብረ-ሶዶም ዚፍጽሙ ሰባት ካህናት ኪዀኑ ይቐብኣኦም፣ ሓደ ዓይነት ጾታ ዘለዎም ሰባት ዚገብርዎ መርዓ ሕጋዊ ኣፍልጦ ኺወሃበሉ እውን ይጽዕራ። እተን ንጾታዊ ርኽሰት ዚዅንና ኣብያተ-ክርስትያናት እውን ከይተረፋ: ነቶም ንቈልዑ ዚዕምጹ መራሕቲ ሃይማኖት ሸለል ይብላኦም። መጽሓፍ ቅዱስ ግን ብዛዕባ እዚ እንታይ እዩ ዚምህር፧ “ኣይትስሓቱ፤ ኣመንዝራታት: ወይ መምለኽቲ ጣኦት: ዘመውቲ: ወይ ሕንቁቓት: ወይ ግብሪ ሶዶም ዚገብሩ: . . . ንመንግስቲ ኣምላኽ ኣይኪወርስዋን እዮም” ብምባል ብንጹር ይገልጽ። (1 ቈረንቶስ 6:9, 10) ብዕሉግ ጾታዊ ርኽሰት ዚዅንና ሃይማኖታት ትፈልጥዶ፧

ሕማቕ ፍረ ዚፈርያ ሃይማኖታት ኣብ መጻኢ እንታይ ኬጋጥመን እዩ፧ የሱስ: “ጽቡቕ ፍረ ዘይፈሪ ዘበለ ዅሉ ኦም ይቝረጽ: ናብ ሓዊ ድማ ይድርበ” ብምባል የጠንቅቕ። (ማቴዎስ 7:19) እወ: ናይ ሓሶት ሃይማኖት ክትቍረጽን ክትጠፍእን እያ! እዚ ግን ብኸመይን መዓስን እዩ ኺፍጸም፧ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ መጽሓፍ ራእይ ምዕራፍ 17ን 18ን ተመዝጊቡ ዘሎ ትንቢታዊ ራእይ: ነዚ ይምልሶ እዩ።

ናይ ሓሶት ሃይማኖት ብኸመይ እያ ኽትጠፍእ፧

ነዚ ትርኢት እዚ እሞ ኣብ ኣእምሮኻ ስኣሎ። ሓንቲ ኣመንዝራ ኣብ ልዕሊ ሓደ ዜፍርህ ኣራዊት ተቐሚጣ ኣላ። እቲ ኣራዊት ሾብዓተ ርእስን ዓሰርተ ቐርንን ኣለዎ። (ራእይ 17:1-4) እዛ ኣመንዝራ እዚኣ ንመን እያ እተመልክት፧ “ኣብ ነገስታት ምድሪ” ጽልዋ ኣለዋ። ቀዪሕ ውጹእ ክዳን እያ እትኽደን: ዕጣንውን ትዓጥን እያ: ኣዝያ ሃብታም ድማ እያ። ኣብ ርእሲ እዚውን: ብጥንቍልናኣ ‘ኵሎም ኣህዛብ ስሒቶም እዮም።’ (ራእይ 17:18፣ 18:12, 13, 23) መጽሓፍ ቅዱስ: እዛ ኣመንዝራ እዚኣ ዓለምለኸ ሃይማኖታዊት ማሕበር ምዃና እዩ ዚገልጽ። ንሓንቲ ሃይማኖት ዘይኰነስ: ንዅለን ክፉእ ፍረ ዚፈርያ ሃይማኖታት እያ እተመልክት።

እታ ኣመንዝራ ተወጢሓቶ ዘላ ኣራዊት: ንናይ ዓለም ፖለቲካውያን ሓይልታት እዩ ዜመልክት። * (ራእይ 17:10-13) ናይ ሓሶት ሃይማኖት ኣብ ልዕሊ እዚ ፖለቲካዊ ኣራዊት እዚ ተወጢሓ: ንውሳነታቱ ኽትጸሉን ኣንፈቱ ኽትቈጻጸርን ብምፍታን ትዝውሮ።

ቅሩብ ጸኒሑ ግን ሓደ ዜገርም ነገር ኪፍጸም እዩ። “እቶም ዝርኤኻዮም ዓሰርተ ቐርንን እቲ ኣራዊትን ከኣ ነታ ኣመንዝራ ኺጸልእዋን ኬማስንዋን ጥራያ ኺገብርዋን ንስጋኣ ኺበልዑን ብሓዊውን ኬንድድዋ እዮም።” (ራእይ 17:16) ብሃንደበት: ናይ ዓለም ፖለቲካውያን ሓይልታት ብዜሰምብድ ኣገባብ ንናይ ሓሶት ሃይማኖት ኪስልበጥዋን ምሉእ ብምሉእ ኬጥፍእዋን እዮም። ከምዚ ንኺገብሩ ዚደፋፍኦም እንታይ እዩ፧ እታ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እትርከብ መጽሓፍ ራእይ: ‘ኣምላኽ: ሓሳቡ ኺገብሩ ኣብ ልቦም ኣእትዩ ኣሎ’ ብምባል ትምልስ። (ራእይ 17:17) እወ: ኣምላኽ ንናይ ሓሶት ሃይማኖት ብሰንኪ እቲ ብስሙ ዝፈጸመቶ ዜስካሕክሕ ተግባራት ኪጸባጸባ እዩ። በቶም ፖለቲካውያን ውሽማታታ ገይሩ ብምጥፋእ ድማ ፍጹም ፍትሒ ኼውጽእ እዩ።

ከምቲ ንናይ ሓሶት ሃይማኖት ዜጋጥማ ኸየጋጥመካ ትደሊ እንተደኣ ዄንካ: እንታይ ክትገብር ኣሎካ፧ ናይ ኣምላኽ ልኡኽ: “ኣቱም ህዝበይ: . . . ካብኣ ውጹ” ኢሉ የጠንቅቕ። (ራእይ 18:4) ብርግጽ: ካብ ናይ ሓሶት ሃይማኖት እትሃድመሉ እዋን ሕጂ እዩ! ናበይ ኢኻ ግን እትሃድም፧ ናብ ኢዘሀርነት ማለት ኣምላኽ የለን ናብ ዚብል እምነት ገጽካ ኪኸውን የብሉን: ከመይሲ እዚውን እንተዀነ ተስፋ ዜቝርጽ እዩ። (2 ተሰሎንቄ 1:6-9) እታ ሃዲምካ ኽትዕቈበላ እትኽእል እንኮ ቦታ: ናይ ሓቂ ሃይማኖት እያ። ነታ ናይ ሓቂ ሃይማኖት ብኸመይ ከተለልያ ትኽእል፧

ንናይ ሓቂ ሃይማኖት ከተለልየሉ እትኽእል መገድታት

ናይ ሓቂ ሃይማኖት እንታይ ጽቡቕ ፍረ እያ ኽትፈሪ ዘለዋ፧—ማቴዎስ 7:17

ናይ ሓቂ ሃይማኖት . . .

ፍቕሪ ተንጸባርቕ:- ናይ ሓቂ ኣምለኽቲ “ካብ ዓለም ኣይኰኑን:” ብዓሌት ይኹን ብባህሊ ኣይፈላለዩን እዮም፣ ኣብ ‘ንሓድሕዶም ፍቕሪ’ ኣላቶም። (ዮሃንስ 13:35፣ 17:16፣ ግብሪ ሃዋርያት 10:34, 35) ንሓድሕዶም ኣብ ክንዲ ዚቃተሉ: ኣብ ክንዲ ሓድሕዶም ኪሞቱ ፍቓደኛታት እዮም።—1 ዮሃንስ 3:16

ቃል ኣምላኽ ትኣምን:- ናይ ሓቂ ሃይማኖት: ‘ስርዓታትን ትእዛዛትን ሰብ’ ዘይኰነስ: ቃል ኣምላኽ ማለት መጽሓፍ ቅዱስ እያ እትምህር። (ማቴዎስ 15:6-9) ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ “መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ዘበለ ጽሑፍ ንትምህርቲ: ንተግሳጽ: ንምቕናዕ” ዚጠቅም እዩ።—2 ጢሞቴዎስ 3:16

ማእሰር ስድራቤታት ተደልድልን ልዑል ስነ-ምግባራዊ መዓቀኒታት ክብ ተብልን:- ናይ ሓቂ ሃይማኖት ሰብኡት “ነተን ኣንስቶም ከም ስጋኦም ገይሮም ኬፍቅርወን” ተለማምዶም: ኣንስቲ ‘ንሰብኡተን ኪፈርሃ’ ትሕግዘን: ውሉዳት ድማ ‘ንወለዶም ኪእዘዙ’ ትምህሮም። (ኤፌሶን 5:28, 33፣ 6:1) ብተወሳኺ: እቶም ሓላፍነት ዘለዎም ሰባት ብስነ-ምግባር ኣብነታውያን ኪዀኑ ኣለዎም።—1 ጢሞቴዎስ 3:1-10

ነዚ መዓቀኒታት እዚ እተማልእ ሃይማኖት ኣላዶ፧ እታ ኣብ 2001 እተሓትመት ሆሎካስት ፖሊቲክስ ዘርእስታ መጽሓፍ ከምዚ ትብል:- “ብዙሓት ሰባት ነቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚሰብክዎን ዚገብርዎን ነገራት ኣብ ግብሪ እንተ ዜውዕልዎ ነይሮም: እቲ ኣብ ካልኣይ ውግእ ዓለም ዜጋጠመ ህልቂት ኣይመጋጠመን: ጃምላዊ ህልቂትውን ደጊም ኣብ ዓለም ኣይምተራእየን።”

ብርግጽ: እዞም ኣብ 235 ሃገራት ዚርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ስነ-ምግባራዊ ስርዓታት ይምህሩ ጥራይ ዘይኰኑስ: ንባዕሎምውን ኣብ ግብሪ የውዕልዎ እዮም። ንኣምላኽ ቅቡል ብዝዀነ መገዲ ንኸተምልኾ ኻባኻ እንታይ ከም ዚድለ ንምፍላጥ ምእንቲ ኺሕግዙኻ: ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ክትሓቶም ነተባብዓካ። ከይደንጐኻ ስጕምቲ እትወስደሉ ግዜ ሕጂ እዩ። ጥፍኣት ናይ ሓሶት ሃይማኖት ቀሪቡ እዩ!—ጸፎንያስ 2:2, 3

ብዛዕባ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚሰብክዎ መልእኽቲ ተወሳኺ ሓበሬታ እንተደኣ ደሊኻ: ኣብ ታሕቲ ኻብ እተጠቕሱ ኣድራሻታት ናብ ዚቐርበካ ጽሓፍ።

□ ነታ ንቑሕ ኩን! ዘርእስታ ብሮሹር ልኣኹለይ።

□ መጽሓፍ ቅዱስ ብናጻ ንኸጽንዕ በዚ ዚስዕብ ኣድራሻ ርኸቡኒ።

[እግረ-ጽሑፍ]

^ ነዚ ዚምልከት ዝርዝር መግለጺ እንተ ደሊኻ: ነታ ራእይ—እቲ ዓቢ ፍጻሜኡ ቀሪቡ! ዘርእስታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት መጽሓፍ ተወከስ።

[ኣብ ገጽ 3 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

ናይ ሓሶት ሃይማኖት “ኣብ ነገስታት ምድሪ” ጽልዋ ኣለዋ

[ኣብ ገጽ 3 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

“ኣቱም ህዝበይ: . . . ካብኣ ውጹ”