ሆሴእ 4:1-19

  • የሆዋ ኣንጻር እስራኤል ዘለዎ ጕዳይ (1-8)

    • ኣብታ ምድሪ ፍልጠት ኣምላኽ የልቦን (1)

  • ኣምልኾ ጣኦትን ብዝሒ ምንዝርናን እስራኤል (9-19)

    • መንፈስ ምንዝርና ኣስሒትዎም (12)

4  ኣቱም ህዝቢ እስራኤል፡ ቃል የሆዋ ስምዑ፣ኣብዛ ምድሪ ሓቅን ብተኣማንነት ዚርአ ፍቕርን ፍልጠት ኣምላኽን የልቦን እሞ፡+የሆዋስ ኣንጻር ነበርቲ እዛ ምድሪ ጕዳይ ኣለዎ።+   ናይ ሓሶት ማሕላን ሓሶትን+ ቅትለትን+ስርቅን ዝሙትን+ ኣስፋሕፊሑ ኣሎ፣ምፍሳስ ደም ከኣ ንምፍሳስ ደም ይስዕቦ ኣሎ።+   ስለዚ፡ እዛ ምድሪ ኽትሓዝን እያ፣+ኣብኣ ዘሎ ዅሉ ነባሪ ድማ ኪምህምን እዩ፣እንስሳታት መሮርን ኣዕዋፍ ሰማይን፡አረ ዓሳ ባሕሪ እውን ኪጠፍኡ እዮም።   “ግናኸ፡ ህዝብኻ ኸምቲ ምስ ካህን ዚማጐት እዩ እሞ፡+ሓደ እኳ ኣይማጐት ወይ ኣይግናሕ።+   ስለዚ፡ ቀትሪ ምድሪ ኽትዕንቀፍ ኢኻ፣ነብዪ ኸኣ ምሳኻ፡ ከም ብለይቲ ኺዕንቀፍ እዩ። ኣነ እውን ንኣዴኻ ስቕ ከብላ* እየ።   ህዝበይ ሰኣን ፍልጠት ስቕ ኪብል* እዩ። ፍልጠት ስለ ዝኣበኻ፡+ካህን ከይትዀነኒ ኽኣብየካ እየ፣ሕጊ* ኣምላኽካ ስለ ዝረሳዕካ ድማ፡+ኣነ እውን ንደቅኻ ኽርስዖም እየ።   ብዝበዝሑ መጠን፡ ኣብዚሖም በዲሎምኒ።+ ክብሮም ናብ ውርደት ክልውጦ እየ።*   ሓጢኣት ህዝበይ ይምገቡ፡ንስሕተቶም ከኣ ይሃርፍዎ።*   ከምቲ ንኻህን፡ ከምኡ ድማ ንህዝቢ ኪኸውን እዩ፣ብሰሪ መገድታቶም ተሓተትቲ ኽገብሮም እየ፣ሳዕቤናት ተግባራቶም ከኣ ኣብ ርእሶም ከምጽኣሎም እየ።+ 10  ኪበልዑ፡ ግናኸ ኣይኪጸግቡን እዮም።+ ንየሆዋ ግዱ ስለ ዘይብሎም፡ምንዝርና ኼብዝሑ፡ ግናኸ ኣይኪበዝሑን እዮም።+ 11  ምንዝርናን ወይንን ጕዕሽ ወይንንቅኑዕ ድራኸ የጥፍእ።*+ 12  መንፈስ ምንዝርና ኣስሒትዎም እዩ፡ብምንዝርናኦም እውን ንኣምላኾም ተገዛእቱ ምዃን ኣብዮም እዮም እሞ፡ህዝበይ ንጣኦታት ዕንጨይቲ ይሓትቱ፡በትሮም* ዝበሎም ከኣ ይገብሩ። 13  ኣብ ርእሲ ኣኽራን ይስውኡ፡+ኣብ ኵርባታት ከኣ ይዓጥኑ፣ጽላሎም ጽቡቕ ስለ ዝዀነ ድማ፡ኣብ ትሕቲ ገዘፍቲ ኣእዋምን ኣእዋም ሊብነን ኵሉ ዓብዪ ኦምን ከምኡ ይገብሩ።+ ስለዚ፡ ኣዋልድኩም ይምንዝራ፡ኣንስቲ ደቅኹም ይዝምዋ። 14  ሰብኡት ምስ ኣመናዝር ይኸዱ፡ምስ ኣመናዝር ቤተ መቕደስ ከኣ ይስውኡ እዮም እሞ፡ንኣዋልድኩም ብሰሪ ምንዝርናአን፡ንኣንስቲ ደቅኹም እውን ብምንዝርናአን ተሓተትቲ ኣይክገብረንን እየ። ከምዚ ዝበለ ኣእምሮ ዘይብሉ ህዝብስ+ ኪጠፍእ እዩ። 15  ኣታ እስራኤል፡ ንስኻ እኳ እንተ መንዘርካ፡+ይሁዳ ኣይበድል።+ ናብ ጊልጋል+ ወይ ናብ ቤት-ኣዌን+ ኣይትምጽኡ፣‘ከምቲ የሆዋ ህያው ዝዀነ!’ ኢልኩም እውን ኣይትምሓሉ።+ 16  እስራኤልሲ ኸም ሕንግድ ኣርሒ ሓንጊዱ ኣሎ።+ እሞኸ ሕጂ የሆዋ ኸም ገንሸልዶ* ኣብ ገፊሕ መጓሰዪ* ኺጓስዮም እዩ፧ 17  ኤፍሬም ምስ ጣኦታት ሓቢሩ እዩ።+ ሕደጎ! 18  ስዋኦም* ምስ ተወድአ፡ምንዝርና የብዝሑ። ገዛእታ* ኸኣ ውርደት ኣዝዮም ይፈትዉ።+ 19  ንፋስ ኣብ ኣኽናፉ ኺጥቕልላ* እዩ፣ንሳቶም እውን ብመስዋእቶም ኪሓፍሩ እዮም።”

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ከጥፍኣ።”
ወይ፡ “ትምህርቲ።”
ወይ፡ “ኪጠፍእ።”
ወይ፡ “ክብረይ ብውርደት ለዊጦምዎ” ኪኸውን ይኽእል።
ወይ፡ “ናብ ስሕተቶም ነፍሶም የልዕሉ።” ኣብ ማህደረ ቓላት፡ ኣብ “ነፍሲ” ርአ።
ቃ.ቃ.፡ “ልቢ የጥፍእ።”
ወይ፡ “በትሪ ጠንቋሊ።”
ገንሸል ካብ ዕየት ዚዓቢ፡ ንእሽቶ ተባዕታይ በጊዕ እዩ።
ቃ.ቃ.፡ “ርሒብ ቦታ።”
ወይ፡ “ስዋ ስርናዮም።”
ወይ፡ “ዋላቱኣ።”
ወይ፡ “ኪዅስትራ።”