ሆሴእ 5:1-15

  • ኣብ ልዕሊ ኤፍሬምን ይሁዳን እተፈርደ ፍርዲ (1-15)

5  “ኣቱም ካህናት፡ እዚ ስምዑ፣+ኣቱም ቤት እስራኤል፡ ኣቕልቡ፣ኣቱም ቤት ንጉስ፡ ጽን በሉ፣ንሚጽጳ መጻወድያ፡ኣብ ታቦር+ ከኣ እተዘርግሐ መርበብ ስለ ዝዀንኩምሲ፡እዚ ፍርዲ ንዓኻትኩም ዚምልከት እዩ።   እቶም ዚወድቁ* ኣብ ማሕረዲ ኣመና ይጥሕሉ፣ኣነ ኸኣ ንዅላቶም አጠንቅቖም ኣለኹ።*   ኣታ ኤፍሬም፡ ሕጂ ምንዝርና ኣብዚሕካ ኢኻ፡እስራኤል ድማ ረኺሱ እዩ እሞ፡+ንኤፍሬም እፈልጦ እየ፣እስራኤል እውን ኣይተሓብኣንን።   ኣብ መንጎኦም መንፈስ ምንዝርና ኣሎ እሞ፡+ግብርታቶም ናብ ኣምላኾም ኪምለሱ ኣይፈቕደሎምን እዩ፣ንየሆዋ ኸኣ ኣይፈለጥዎን።   ትምክሕቲ እስራኤል ኣንጻሩ* መስኪሩ ኣሎ፣+እስራኤልን ኤፍሬምን ብስሕተቶም ተዓንቂፎም ኣለዉ፣ይሁዳ እውን ምሳታቶም ተዓንቂፉ ኣሎ።+   ብጤለ በጊዖምን ብኸብቶምን ንየሆዋ ኺደልይዎ ኸይዶም እዮም፣ኪረኽብዎ ግና ኣይከኣሉን። ንሱስ ካባታቶም ርሒቑ እዩ።+   ጓኖት ደቂ ወሊዶም እዮም እሞ፡ንየሆዋ ጠሊሞምዎ እዮም።+ ሕጂ፡ ሓንቲ ወርሒ ምስ ግዲኦም* ክትውሕጦም እያ።*   ኣብ ጊብዓ መለኸት ቀርኒ፡+ ኣብ ራማ መለኸት ንፍሑ!+ ኣብ ቤት-ኣዌን+ ጭድርታ ውግእ ጨድሩ፡—ኣታ ብንያም፡ ድሕሬኻ!   ኣታ ኤፍሬም፡ ብመዓልቲ መቕጻዕቲ መሰክሒ ኽትከውን ኢኻ።+ ኣብ መንጎ ነገዳት እስራኤል ብርግጽ እንታይ ከም ዚኸውን ኣፍሊጠ ኣለኹ። 10  መሳፍንቲ ይሁዳ ኸምቶም ዶብ ዜግዕዙ እዮም።+ ነድረይ ከም ማይ ክኽዕወሎም እየ። 11  ኤፍሬም ደድሕሪ ተጻራሪኡ ኪኸይድ ቈሪጹ እዩ እሞ፡+ተጨቊኑ፡ ብፍርዲ ኸኣ ተደቚሱ እዩ። 12  ስለዚ፡ ኣነ ንኤፍሬም ከም ብልዒ፡*ንቤት ይሁዳ ድማ ከም ቍንቍነ ነይረ። 13  ኤፍሬም ሕማሙ፡ ይሁዳ ኸኣ ቍስሉ ምስ ረኣየ፡ኤፍሬም ናብ ኣሶር ከይዱ፡+ ዓብዪ ንጉስ እውን ልኢኹ። ግናኸ፡ ኬሕውየኩም ኣይከኣለን፣ቍስልኹም እውን ኪፍውስ ኣይከኣለን። 14  ኣነስ ንኤፍሬም ከም ዘይባጽሐ ኣንበሳ፡ንቤት ይሁዳ ኸኣ ከም ሽደን ኣንበሳ ክዀኖ እየ። ኣነ ባዕለይ ሰላሊዐ ክኸይድ እየ፣+ክወስዶም እየ፡ ዜናግፎም እውን ኣይኪህሉን እዩ።+ 15  ሳዕቤናት በደሎም ክሳዕ ዚጾሩ ክኸይድ፡ ናብ ቦታይ እውን ክምለስ እየ፣ሽዑ ድማ፡ ሞገሰይ* ኪደልዩ እዮም።+ ምስ ጨነቖም፡ ኪደልዩኒ እዮም።”+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ዓለወኛታት።”
ወይ፡ “ኣነ ንዅላቶም ክግስጾም እየ።”
ቃ.ቃ.፡ “ኣብ ገጹ።”
ወይ፡ “ምስ ግዲኦም ኣብ ውሽጢ ሓንቲ ወርሒ ኺውሓጡ እዮም” ኪኸውን ይኽእል።
ወይ፡ “ግራውቶም።”
ማለት፡ ግዝዋ ኣኽናፍ ቅድሚ ምውጻኡ፡ ክዳን ኣብ ዚበልዓሉ ደረጃ።
ወይ፡ “ገጸይ።”