ምሳሌ 7:1-27

  • ትእዛዛት ኣምላኽ ሓሉ እሞ ብህይወት ክትነብር ኢኻ (1-5)

  • ገርሂ መንእሰይ ተታለለ (6-27)

    • “ከምቲ ናብ ማሕረዲ ዚኸይድ ብዕራይ” (22)

7  ወደየ፡ ንቓላተይ ሓልዎ፣ንትእዛዛተይ እውን ዕቘሮ።+   ንትእዛዛተይ ሓልዎ እሞ ብህይወት ክትነብር ኢኻ፣+ንትምህርተይ* ከም መርዓት ዓይንኻ ሓልዎ።   ኣብ ኣጻብዕካ እሰሮ፣ኣብ ጽላት ልብኻ ጽሓፎ።+   ንጥበብ፡ “ንስኺ ሓብተይ ኢኺ” በላ፣ንኣእምሮ ኸኣ፡ “ዘመደይ” ኢልካ ጸውዓያ፣   ንሳ ድማ ካብ ፋሉል* ሰበይትን+ካብ እትምንዝር* ሰበይትን ካብ ልዙብ* ቃላታን ክትሕልወካ እያ።+   ካብ መስኰት ቤተይ፡ብዓይነ ርግቢ ኣንቈልቊለ ጠመትኩ፣   ነቶም ገርህታት* ክዕዘቦም ከለኹ ኸኣ፡ኣብ መንጎ እቶም መንእሰያት፡ ልቢ ንዘይብሉ ጐበዝ ኣስተብሃልኩሉ።+   ንሱ በታ ኣብ ጥቓ ዅርናዓ ዘላ ጐደና ሓለፈ፣ናብ ኣንፈት ቤታ ድማ ሰጐመ፣   ሽዑ፡ ጽልግልግታ ዀይኑ፡ መስዩ፡+ለይትን ጸልማትን ኪኸውን ከኣ ቀሪቡ ነበረ። 10  ከም ኣመንዝራ እተኸድነት፡*+ ልባ ጐራሕ ዝዀነሰበይቲ ድማ ክትቅበሎ ረኣኹ። 11  ዋዕዋዕተኛን ደፋርን እያ።+ ኣብ ቤታ ኣይትቕመጥን እያ።* 12  ሓንሳእ ኣብ ግዳም፡ ሓንሳእ ኣብ ኣደባባይ ትጸንሕ፣ኣብ ጥቓ ዅሉ ዅርናዕ ድማ ተድቢ።+ 13  ንሳ ንዕኡ ሓዘቶ፡ ሰዓመቶ እውን፣ብድፍረት ከኣ ከምዚ በለቶ፦ 14  “መስዋእቲ ሕብረት ከቕርብ ነይሩኒ።+ ሎሚ ድማ መብጽዓይ ፈጺመ እየ። 15  ስለዚ፡ ክቕበለካንክደልየካን መጺአስ፡ ረኺበካ! 16  ኣብ ልዕሊ ዓራተይ ጽቡቕ ምንጻፍ ዓራት፡ሕብራዊ በፍታ ግብጺ ኣንጺፈ ኣለኹ።+ 17  ንዓራተይ ከርበን ዓልወን ቃርፋን ነጺገሉ ኣለኹ።+ 18  ንዓ፡ ክሳዕ ንግሆ ብፍቕሪ ንርወ፣ብፍትወት ባህ ይበለና፣ 19  ሰብኣየይሲ ኣብ ቤት የሎን፣ናብ ርሑቕ ገይሹ ኣሎ። 20  ከረጺት ገንዘብ ምስኡ ተማሊኡ እዩ፣ክሳዕ እታ ምልእቲ ወርሒ እትዀነላ መዓልቲ ድማ ኣይኪምለስን እዩ።” 21  ብብዙሕ ምሕባል ከኣ ኣስሓተቶ፣+ብልዙብ ዘረባ እውን ኣታለለቶ። 22  ከምቲ ናብ ማሕረዲ ዚኸይድ ብዕራይ፡ኣብ ጕንዲ* ኸም ዚቕጻዕ ዓሻ፡ ብሃንደበት ደድሕሪኣ ኸደ።+ 23  ፍላጻ ንጸላም ከብዱ ኽሳዕ ዚወግኣ፡ ከምኡ ገበረ። ናብ መጻወድያ ኸም ዚሸብብ ዑፍ፡ ህይወቱ* ኸም ዚስእን ኣይፈለጠን።+ 24  ሕጂ ኸኣ፡ ደቀየ፡ ስምዑኒ፣ንዝዛረቦ ቓላተይ ኣቕልቡሉ። 25  ልብኹም ናብ ጐደናታታ ኣየልግስ። ናብ መገድታታ ኣይትተኣለዩ።+ 26  ንሳስ ንብዙሓት ተቐቲሎም ከም ዚወድቁ ገይራ እያ፣+እቶም ዝቐተለቶም እውን ብዙሓት እዮም።+ 27  ቤታ ናብ መቓብር* ይመርሕ፣ናብ ውሻጠ ሞት ከኣ የውርድ።

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ንሕገይ።”
ቃ.ቃ.፡ “ባዕዲ፣ ዘይትፈልጣ።” ኣብ ምሳ 2:16 ርአ።
ቃ.ቃ.፡ “ጓናን።” ኣብ ምሳ 2:16 ርአ።
ወይ፡ “መስሓቲ።”
ወይ፡ “ዘይለበሙ።”
ወይ፡ “ክዳን ኣመንዝራ እተኸድነት።”
ቃ.ቃ.፡ “ኣእጋራ ኣብ ቤታ ኣይቅመጣን እየን።”
ወይ፡ “መቝሕ።”
ወይ፡ “ነፍሱ።”
ወይ፡ “ሲኦል፡” ማለት፡ ሓፈሻዊ መቓብር ደቂ ሰብ። ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።