እያሱ 5:1-15

  • ኣብ ጊልጋል ተገዝሩ (1-9)

  • ፋስጋ ተባዕለ፣ ማና ኣቋረጸ (10-12)

  • መስፍን ሰራዊት የሆዋ (13-15)

5  ብሸነኽ ምዕራብ* ዮርዳኖስ ዝነበሩ ዅሎም ነገስታት ኣሞራውያንን+ ኣብ ጥቓ ባሕሪ ዝነበሩ ዅሎም ነገስታት ከነኣናውያንን፡+ የሆዋ እስራኤላውያን ክሳዕ ዚሳገሩ ኣብ ቅድሚኦም ንማይ ዮርዳኖስ ከም ዘንቀጾ ምስ ሰምዑ፡ ልቦም መኸኸ፡+ ብሰንኪ እስራኤላውያን እውን ኵሉ ትብዓቶም ጠፍአ።*+  በታ ግዜ እቲኣ፡ የሆዋ ንእያሱ፡ “በሊሕ ጽንጽሕለ* ጌርካ፡ ንእስራኤላውያን ከም ብሓድሽ ካልኣይ ሳዕ ግዘሮም”+ በሎ።  እያሱ ድማ በሊሕ ጽንጽሕለ ገበረ፡ ንእስራኤላውያን ከኣ ኣብ ጊብዓት-ዓራሎት*+ ገዘሮም።  እያሱ ዝገዘሮም ከኣ በዚ ምኽንያት እዚ እዩ፦ ኵሎም እቶም ካብ ግብጺ ዝወጹ ተባዕትዮ እቲ ህዝቢ፡ ኵሎም ተዋጋእቲ፡* ካብ ግብጺ ድሕሪ ምውጻኦም፡ ኣብ በረኻ ኣብ መገዲ ሞይቶም ነበሩ።+  ኵሎም እቶም ካብ ግብጺ ዝወጹ ህዝብስ እተገዝሩ ነበሩ፣ ኵሎም እቶም ካብ ግብጺ ምስ ወጹ፡ ኣብ መገዲ ኣብ በረኻ እተወልዱ ህዝቢ ግና፡ ኣይተገዝሩን ነበሩ።  ብዘሎ እቲ ህዝቢ፡ ማለት እቶም ካብ ግብጺ ዝወጹ እሞ፡ ንድምጺ የሆዋ ዘይተኣዘዙ ተዋጋእቲ ኽሳዕ ዚውድኡ፡+ እስራኤላውያን ኣብ በረኻ 40 ዓመት ተጓዕዙ።+ የሆዋ ድማ እታ የሆዋ ንዓና ኺህበና ንኣቦታቶም ዝመሓለሎም ምድሪ፡+ ጸባን መዓርን እተውሕዝ ምድሪ፡+ ከም ዘየርእዮም መሓለሎም።+  ኣብ ክንዳኦም ከኣ ንደቆም ኣተንስአ።+ ነዚኣቶም ድማ እያሱ ገዘሮም፣ ኣብ መገዲ ስለ ዘይገዘርዎም፡ ዘይግዙራት ነበሩ።  ንብዘሎ ህዝቢ ገዚሮም ምስ ወድኡ፡ ክሳዕ ዚሓውዩ፡ ኣብ ሰፈር ጸንሑ።  የሆዋ ድማ ንእያሱ፡ “ሎሚ፡ ጸርፊ ግብጺ ኻባኻትኩም ኣንከራርየ” በሎ። ስም እታ ቦታ እቲኣ ኸኣ ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ጊልጋል*+ ይብሃል ኣሎ። 10  እስራኤላውያን ድማ ኣብ ጊልጋል ሰፈሩ፣ ኣብ መበል 14 መዓልቲ እታ ወርሒ ኸኣ፡+ ምሸት ኣብ ጐላጕል ምድረ በዳ ያሪኮ ፋስጋ ኣብዓሉ። 11  ጽባሕ ፋስጋ ድማ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ካብ ፍረ እታ ምድሪ፡ ቅጫን+ ቆሎን በልዑ። 12  ካብ ፍረ እታ ምድሪ ምስ በልዑ፡ ንጽብሒቱ ማና ኣቋረጸ፣ እስራኤላውያን በታ ዓመት እቲኣ ኻብ እቶት ምድሪ ከነኣን በልዑ እምበር፡+ ደጊምሲ ማና ኣይበልዑን።+ 13  እያሱ ኣብ ጥቓ ያሪኮ ኸሎ፡ ኣዒንቱ ኣልዒሉ እተመልሐ ሰይፊ ኣብ ኢዱ ዝሓዘ ሰብኣይ ኣብ ቅድሚኡ ደው ኢሉ ረኣየ።+ እያሱ ኸኣ ናብኡ ኸይዱ፡ “ንስኻ ኣብ ጐድንና ዲኻ ወይስ ኣብ ጐድኒ ተጻረርትና፧” ኢሉ ሓተቶ። 14  ንሱ ድማ፡ “ኣይፋለይን፡ ኣነስ መስፍን* ሰራዊት የሆዋ ዀይነ ደኣ መጺአ ኣለኹ” በሎ።+ እያሱ ኸኣ ብገጹ ናብ ምድሪ ተደፊኡ፡ “ጐይታይ ንጊልያኡ ዚብሎ እንታይ እዩ፧” ኢሉ ሰገደ። 15  እቲ መስፍን ሰራዊት የሆዋ ድማ ንእያሱ፡ “እዛ ደው ኢልካላ ዘለኻ ቦታ ቕድስቲ እያ እሞ፡ ኣሳእንካ ኻብ ኣእጋርካ ኣውጽእ” በሎ። እያሱ ኸኣ ከምኡ ገበረ።+

እግረ ጽሑፍ

ቃ.ቃ.፡ “ብሸነኽ ባሕሪ።”
ቃ.ቃ.፡ “ደጊም መንፈስ ኣይነበሮምን።”
ቃ.ቃ.፡ “ኣዝሒት።”
ትርጉሙ፡ “ኵርባ ዕልቦታት።”
ወይ፡ “ንውትህድርና ዝኣኸሉ ሰባት።”
ትርጉሙ፡ “ምንክርራው።”
ወይ፡ “ሓለቓ።”