ዘሁልቍ 6:1-27

  • መብጽዓ ናዝራውነት (1-21)

  • ካህናት ዚባርኽዎ በረኸት (22-27)

6  የሆዋ ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፦  “ንእስራኤላውያን ከምዚ ኢልካ ተዛረቦም፦ ‘ሰብኣይ ወይ ሰበይቲ ንየሆዋ ናዝራዊ*+ ኪኸውን ፍሉይ መብጽዓ እንተ ተመባጺዑ፡  ካብ ወይንን ካብ ኣልኮላዊ መስተን ይርሓቕ። ዝመጸጸ ወይኒ ዀነ ዝመጸጸ ኣልኮላዊ መስተ ኣይስተ።+ ካብ ወይኒ እተጸምቈ ዘበለ ድማ ኣይስተ፡ ካብ ወይኒ እውን ብሰዊቱ ዀነ ብንቑጹ ኣይብላዕ።  ብዅለን መዓልትታት ናዝራውነቱ፡ ካብ ዘይበሰለ ፍሪኡ ዀነ ኻብ ገፈሉ፡ ኰታስ ካብ ተኽሊ ወይኒ እተገብረ ዘበለ ኣይብላዕ።  “‘ብዅለን መዓልትታት መብጽዓ ናዝራውነቱ፡ መላጸ ብርእሱ ኣይሕለፍ።+ እተን ንየሆዋ እተፈልየለን መዓልትታት ክሳዕ ዚመልኣ፡ ጸጕሪ ርእሱ ብምንዋሕ፡ ቅዱስ ይኹን።  ብዅለን እተን ንየሆዋ እተፈልየለን መዓልትታት፡ ናብ ምዉት ሰብ* ኣይቕረብ።  ምልክት ናዝራውነቱ ንኣምላኹ ኣብ ርእሱ እዩ እሞ፡ ዋላ እኳ ኣቦኡ፡ ወይ ኣዲኡ፡ ወይ ሓዉ፡ ወይ ሓብቱ እንተ ሞይትዎ፡ ኣይርከስ።+  “‘ብዅለን መዓልትታት ናዝራውነቱ ንየሆዋ እተቐደሰ እዩ።  ሰብ ኣብ ጥቓኡ ብሃንደበት እንተ ሞይቱ+ እሞ፡ ነቲ ንኣምላኽ ከም እተፈልየ ዜመልክት ጸጕሩ እንተ ኣርኪሱ* ግና፡ በታ ዚነጽሃላ መዓልቲ ርእሱ ይላጺ።+ ኣብ ሻውዐይቲ መዓልቲ ይላጽዮ። 10  ኣብ ሻምነይቲ መዓልቲ ድማ ክልተ ባሬቶ ወይ ክልተ ጫቚት ርግቢ ናብ ካህን ናብ ኣፍ ደገ ድንኳን ምርኻብ የምጽእ። 11  እቲ ኻህን ከኣ እታ ሓንቲ ንመስዋእቲ ሓጢኣት፡ እታ ኻልአይቲ ድማ ንዚሓርር መስዋእቲ የዳሉ እሞ፡ ካብቲ ምስ ምዉት ሰብ* ዚተሓሓዝ ሓጢኣቱ የተዓርቆ።+ በታ መዓልቲ እቲኣ ኸኣ ርእሱ ይቐድስ። 12  ንመዓልትታት ናዝራውነቱ ድማ ከም ብሓድሽ ገዛእ ርእሱ ንየሆዋ ይፍለ፣ ኣብ ቀዳማይ ዓመቱ ዘሎ ገንሸል* ከኣ ንመስዋእቲ በደል የምጽእ። ናዝራውነቱ ስለ ዝረኸሰ ግና፡ እተን ቀዳሞት መዓልትታት ኣይቍጸራን እየን። 13  “‘ሕጊ ናዝራዊ እዚ እዩ፦ መዓልትታት ናዝራውነቱ ምስ መልኣ፡+ ናብ ኣፍ ደገ ድንኳን ምርኻብ የምጽእዎ። 14  ኣብኡ ኸኣ እዚ መስዋእቱ ንየሆዋ የቕርበሉ፦ ኣብ ቀዳማይ ዓመቱ ዘሎ ሓደ ጥዑይ ገንሸል ንዚሓርር መስዋእቲ፡+ ኣብ ቀዳማይ ዓመታ ዘላ ሓንቲ ጥዕይቲ ሽበን* ንመስዋእቲ ሓጢኣት፡+ ሓደ ጥዑይ ድዑል ንመስዋእቲ ሕብረት፡+ 15  ሓደ መሶብ ካብ ድኹም ሓርጭ ብዘይቲ እተቘምጥዐ ዘይበዅዐ ዓንኬላዊ ቕጫታት፡ ዘይቲ እተለኽየ ረቀቕቲ ቕጫታት፡ ምስኡ ኸኣ መስዋእቲ እኽሉን+ መስዋእቲ መስተኡን።+ 16  እቲ ኻህን ድማ ናብ ቅድሚ የሆዋ የቕርቦ፡ መስዋእቲ ሓጢኣቱን ዚሓርር መስዋእቱን ከኣ ይሰውእ። 17  ነቲ ድዑል ምስቲ ቕጫታት ንየሆዋ መስዋእቲ ሕብረት ኪኸውን ይሰውኣዮ፣ እቲ ኻህን ድማ ምስኡ መስዋእቲ እኽሉን+ መስዋእቲ መስተኡን የቕርብ። 18  “‘እቲ ናዝራዊ ኸኣ ነቲ ዘይተቘርጸ ጸጕሪ ርእሱ* ኣብ ኣፍ ደገ ድንኳን ምርኻብ ይላጽዮ፣+ ነቲ ብግዜ ናዝራውነቱ ዝበቘለ ጸጕሪ ርእሱ ወሲዱ ድማ፡ ኣብ ትሕቲ እቲ መስዋእቲ ሕብረት ናብ ዘሎ ሓዊ የእትዎ። 19  እቲ ኻህን ከኣ ካብቲ ድዑል ዝበሰለ ኢድ፡+ ካብቲ መሶብ ድማ ሓደ ዘይበዅዐ ዓንኬላዊ ቕጫን ሓደ ዘይበዅዐ ረቂቕ ቅጫን ይውሰድ እሞ፡ እቲ ናዝራዊ ምልክት ናዝራውነቱ ምስ ተላጸየ፡ ኣብ ኢዱ የንብረሉ። 20  እቲ ኻህን ከኣ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ንመስዋእቲ ውዝወዛ ይወዝውዞ።+ እዚ ምስቲ ሓኸለ መስዋእቲ ውዝወዛን ምስቲ እግሪ መባእን ነቲ ኻህን ቅዱስ እዩ።+ ድሕርዚ፡ እቲ ናዝራዊ ወይኒ ኺሰቲ ይኽእል እዩ። 21  “‘ሕጊ እቲ እተመባጽዐ ናዝራዊ እዚ እዩ፦+ ኣብ ልዕሊ እቲ ብናዝራውነቱ ኼማልኦ ዚግባእ ንየሆዋ መስዋእቲ ኺገብር ከም ዓቕሙ እንተ ተመባጺዑ፡ ብምኽንያት እቲ ሕጊ ናዝራውነቱ፡ መብጽዓኡ ይፈጽም።’” 22  የሆዋ ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፦ 23  “ንኣሮንን ንደቁን ከምዚ ኢልካ ተዛረቦም፦ ‘ንህዝቢ እስራኤል ከምዚ ኢልኩም ባርኽዎም፦+ 24  “የሆዋ ይባርኽካን+ ይሓሉኻን። 25  የሆዋ ገጹ የብርሃልካ፡+ ሞገስ ከኣ ይሃብካ። 26  የሆዋ ገጹ ይምለሰልካ፡* ሰላም ድማ ይሃብካ።”’+ 27  ኣነ ኽባርኾምሲ፡+ ስመይ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ እስራኤል የንብሩ።”+

እግረ ጽሑፍ

ብእብራይስጢ ናዚር፡ ትርጉሙ “እተፈልየ፣ እተወፈየ።”
ወይ፡ “ምውትቲ ነፍሲ።” ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።
ወይ፡ “ንርእሲ ናዝራውነቱ እንተ ኣርከሰ።”
ወይ፡ “ምስ ነፍሲ።” ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።
ገንሸል ካብ ዕየት ዚዓቢ፡ ንእሽቶ ተባዕታይ በጊዕ እዩ።
ሽበን ካብ ዕየት እትዓቢ፡ ንእሽቶ ኣንስተይቲ በጊዕ እያ።
ወይ፡ “ርእሲ ናዝራውነቱ።”
ቃ.ቃ.፡ “ገጹ ናባኻ ኣቢሉ የልዕለልካ።”