ዘዳግም 11:1-32

  • ዕቤት የሆዋ ርኢኻ (1-7)

  • ምድሪ ተስፋ (8-12)

  • ተኣዛዝነት ዜምጽኦ ዓስቢ (13-17)

  • ንቓላት ኣምላኽ ኣብ ልብኹም ቅረጽዎ (18-25)

  • “በረኸትን መርገምን” (26-32)

11  “ንየሆዋ ኣምላኽካ ኣፍቅሮ፡+ ኣብ ቅድሚኡ ዘሎካ ግዴታን ሕግታቱን ፍርድታቱን ትእዛዛቱን ድማ ወትሩ ሓሉ።  ሎሚ ነቶም ተግሳጽ የሆዋ ኣምላኽኩምን+ ዕቤቱን+ ሓያል ኢዱን+ ዝርግሕቲ ቕልጽሙን ዘይፈለጡ ወይ ዘይረኣዩ ደቅኹም ዘይኰነስ፡ ንዓኻትኩም እዛረበኩም ከም ዘለኹ ትፈልጡ ኢኹም።  ንሳቶም እቲ ኣብ ግብጺ ኣብ ፈርኦን ንጉስ ግብጽን ኣብ ኵላ ምድሩን ዝገበሮ ትእምርትታቱን ግብርታቱን ኣይረኣዩን።+  እቲ ኣብቶም ኪሰጕጉኹም ከለዉ ብማያት ቀይሕ ባሕሪ እተደፍኑ ሰራዊት ግብጽን ኣፍራስን ሰረገላታትን ፈርኦንን ዝገበሮ፡ የሆዋ ኸኣ ሓንሳእን ንሓዋሩን* ከም ዘጥፍኦም ድማ ኣይረኣዩን።+  ናብዛ ቦታ እዚኣ ኽሳዕ እትመጹ፡ ኣብ በረኻ እንታይ ከም ዝገበረልኩም* ከኣ ኣይረኣዩን።  ንዳታንን ንኣቢራምን፡ ደቂ ኤልያብ ወዲ ሮቤል፡ ምድሪ ተኸፊታ ምስ ቤተ ሰቦምን ምስ ድንኳናቶምን ምስ ኵሉ ዚስዕቦም ዝነበረ ህያውን ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ ዅሉ እስራኤል ክትውሕጦም ከላ ዝገበሮም እውን ኣይረኣዩን።+  ኣዒንትኹም እየን እቲ የሆዋ ዝገበሮ ዅሉ ዓበይቲ ግብርታት ዝረኣያ።  “እዚ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘለኹ ዅሉ ትእዛዝ ሓልዉ፣ እዚ እትገብሩ ኸኣ ምእንቲ ኽትሕይሉ፡ ናብታ እትርስተይዋ ምድሪ ድማ ምእንቲ ኽትሳገሩ፡  ኣብታ የሆዋ ንኣቦታትኩምን ንዘርኦምን ኪህቦም ዝመሓለሎም ምድሪ፡+ ኣብታ ጸባን መዓርን እተውሕዝ ምድሪ+ ኸኣ ነዊሕ ዕድመ ምእንቲ ኽትነብሩ እዩ።+ 10  “እታ እትርስተያ ምድሪ፡ ከምታ ኻብኣ ዝወጻእኩም ምድሪ ግብጺ፡ ዘርእኻ ዘሪእካ፡ ከም ስፍራ ኣሕምልቲ ብእግርኻ ጌርካ ብመስኖ እተስትያ* ኣይኰነትን። 11  እታ ተሳጊርኩም እትርስተይዋ ምድርስ፡ ምድሪ ኣኽራንን ጐላጕል ስንጭሮን እያ።+ ካብ ሰማያት ዚዘንም ማይ እትሰቲ፡+ 12  የሆዋ ኣምላኽካ ድማ ዚከናኸና ምድሪ እያ። ካብ መጀመርታ ዓመት ክሳዕ መወዳእታ ዓመት ከኣ፡ ኣዒንቲ የሆዋ ኣምላኽካ ወትሩ ኣብኣ እየን። 13  “እዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘኩም ዘለኹ ትእዛዛት ብትግሃት እንተ ተኣዚዝኩም፡ ንየሆዋ ኣምላኽኩም ድማ እንተ ኣፍቂርኩምዎ፡ ብዅሉ ልብኹምን ብዅሉ ነፍስኹምን* ከኣ እንተ ኣገልጊልኩምዎ፡+ 14  ኣብቲ ምዱብ ግዜኡ ንምድርኹም ዝናም፡ ማለት ዝናም ኣዝመራን ዝናም ጽብሓትን ክህበኩም እየ፣ እኽልኻን ጕዕሽ ወይንኻን ዘይትኻን ድማ ክትእክብ ኢኻ።+ 15  ኣብ ግራውትኻ ኸኣ ንማልካ ሳዕሪ ኽህበን እየ። ንስኻ ድማ ክትበልዕን ክትጸግብን ኢኻ።+ 16  ልብኹም ከይስሕት፡ ኣልጊስኩም ከኣ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኸይተምልኹን ከይትሰግዱሎምን ተጠንቀቑ።+ 17  ከምኡ እንተ ጌርኩም፡ ቍጥዓ የሆዋ ኣባኻትኩም ኪነድድ እዩ፣ ንሰማያት ከይዘንም ኪዓጽዎ+ እሞ ምድሪ ፍሪኣ ኽትከልእ እያ፣ ንስኻትኩም ድማ ካብታ የሆዋ ዚህበኩም ጽብቕቲ ምድሪ ቐልጢፍኩም ክትጠፍኡ ኢኹም።+ 18  “ነዚ ቓላተይ እዚ ኣብ ልብኹምን ኣብ ነፍስኹምን* ቅረጽዎ፣ ከም መዘኻኸሪ ድማ ኣብ ኢድኩም እሰርዎ፣ ኣብ ግምባርኩም* ከኣ ከም ክታብ ይኹን።+ 19  ኣብ ቤትካ ኾፍ ምስ በልካን ኣብ መገዲ ኽትከይድ ከለኻን ኣብ በጥ ምባልካን ኣብ ምትንሳእካን ብዛዕባኡ እናተዛረብኩም እውን፡ ንደቅኹም ምሃርዎም።+ 20  ኣብ ልዳት ቤትካን ኣብ ማዕጾኻን ከኣ ጽሓፎ፣ 21  እዚ ድማ ንስኻትኩምን ደቅኹምን ኣብታ የሆዋ ንኣቦታትኩም ኪህቦም ዝመሓለሎም ምድሪ፡+ ሰማያት ኣብ ልዕሊ ምድሪ ኽሳዕ ዘሎ፡ ነዊሕ ዕድመ ምእንቲ ኽትነብሩ እዩ።+ 22  “ንየሆዋ ኣምላኽኩም ከተፍቅርዎን+ ብዅሉ መገድታቱ ኽትመላለሱን ምስኡ ኽትለግቡን፡+ እዚ ኣነ ዝእዝዘኩም ዘለኹ ትእዛዝ ተጠንቂቕኩም እንተ ሓሊኹምን እንተ ጌርኩምን፡ 23  የሆዋ ኸኣ ንዅሎም እዞም ኣህዛብ እዚኦም ካብ ቅድሜኹም ኪሰጕጎም እዩ፣+ ንስኻትኩም እውን ካባኻትኩም ንዚዓብዩን ንዚበዝሑን ኣህዛብ ከተልቅቑ ኢኹም።+ 24  እግርኹም ዝረገጸታ ዘበለት ቦታ ናታትኩም ክትከውን እያ።+ ዶብኩም ካብ በረኻ ሊባኖስ፡ ካብቲ ፈለግ፡ ፈለግ ኤፍራጥስ፡ ክሳብ እቲ ምዕራባዊ ባሕሪ* ኪኸውን እዩ።+ 25  ዚቃወመኩም ሰብ ኣይኪህሉን እዩ።+ የሆዋ ኣምላኽኩም ኣብ ብዘላ እታ እትኸድዋ ምድሪ፡ ከምቲ ዘተስፈወኩም፡ ብዛዕባኹም ራዕድን ፍርህን ኬሕድር እዩ።+ 26  “ርኣዩ፡ ሎሚ በረኸትን መርገምን ኣብ ቅድሜኹም አንብር ኣለኹ፦+ 27  እቲ በረኸት፡ እዚ ኣነ ዝእዝዘኩም ዘለኹ ትእዛዛት የሆዋ ኣምላኽኩም እንተ ተኣዚዝኩም እዩ፣+ 28  እቲ መርገም ድማ፡ ትእዛዛት የሆዋ ኣምላኽኩም እንተ ዘይተኣዚዝኩምን+ ካብዛ ኣነ ሎሚ ኽትስዕብዋ ዝእዝዘኩም ዘለኹ መገዲ ኣልጊስኩም ዘይትፈልጥዎም ካልኦት ኣማልኽቲ እንተ ስዒብኩምን እዩ። 29  “የሆዋ ኣምላኽካ ናብታ እትርስተያ ምድሪ ምስ ኣእተወካ፡ እቲ በረኸት ኣብ ከረን ጌሪዚም፡ እቲ መርገም ድማ ኣብ ከረን ዔባል ኴንካ ኣውጅ።*+ 30  እቲ ኣኽራን እትስ ኣብቲ ኻልእ ሸነኽ ዮርዳኖስ፡ ብሸነኽ ምዕራብ፡ ኣብ ምድሪ እቶም ኣብ ዓራባ ዚነብሩ ከነኣናውያን፡ ኣብ መንጽር ጊልጋል፡ ኣብ ጥቓ ዓበይቲ ኣእዋም ሞሬ ደይኰነን ዘሎ፧+ 31  ናብታ የሆዋ ኣምላኽኩም ዚህበኩም ምድርስ ክትኣትዉን ክትርስተይዋን ኢኹም።+ ምስ ተረስተኹምዋን ምስ ነበርኩምላን፡ 32  እዚ ኣነ ሎሚ ኣብ ቅድሜኹም ዘንብሮ ዘለኹ ዅሉ ስርዓታትን ፍርድታትን ተጠንቂቕኩም ግበርዎ።+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ክሳዕ ሎሚ።”
ወይ፡ “ዝገበረኩም።”
ወይ፡ “ብእግርኻ ጌርካ እተስትያ፡” ማለት፡ ብእግሪ መንኰርኰር ማይ ምዝዋር፡ ወይ ብእግሪ መትረባት ማይ ምድላውን ምኽፋትን ኬመልክት ይኽእል።
ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።
ቃ.ቃ.፡ “ኣብ መንጎ ኣዒንትኹም።”
ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።
ማለት፡ እቲ ዓብዪ ባሕሪ፡ ወይ ባሕሪ መዲተራነያን።
ወይ፡ “ሃብ።”