1 ዜና መዋእል 20:1-8

  • ራባ ተታሕዘት (1-3)

  • ንጉዓት ፍልስጥኤማውያን ተቐትሉ (4-8)

20  ኣብ መጀመርታ ዓመት፡* በቲ ነገስታት ንወፈራታት ዚወጹሉ ግዜ፡ ዮኣብ፡+ ሰራዊት ንወፈራ መሪሑ ንምድሪ ዓሞናውያን ኣጥፍኣ፣ መጺኡ ኸኣ ንራባ+ ኸበባ፣ ዳዊት ድማ ኣብ የሩሳሌም ጸንሐ።+ ዮኣብ ከኣ ንራባ ኣጥቂዑ ኣፍረሳ።+  ዳዊት ድማ ዘውዲ ማልካም ካብ ርእሱ ወሰደ፣ ሚዛኑ ኸኣ ሓደ ታለንት* ወርቂ ዀይኑ ረኸቦ፡ ክቡራት ኣእማን እውን ነበሮ፣ ኣብ ርእሲ ዳዊት ድማ ተገብረ። ካብታ ኸተማ ኸኣ ኣዝዩ ብዙሕ ምርኮ ወሰደ።+  ነቶም ኣብኣ ዝነበሩ ህዝቢ ድማ ኣውጺኡ፡ ኣእማን ብመጋዝ ከም ዚቘርጹ፡ ብበላሕቲ ናውቲ ሓጺንን ብፋሳትን እውን ከም ዚሰርሑ ገበሮም።+ ዳዊት ከኣ ንዅለን ከተማታት ዓሞናውያን ከምኡ ገበረን። ዳዊትን ኵሉ እቲ ሰራዊትን ድማ ናብ የሩሳሌም ተመልሱ።  ድሕርዚ፡ ምስ ፍልስጥኤማውያን ኣብ ጌዘር ውግእ ኰነ። ሽዑ፡ ሲብካይ+ እቲ ሑሻታዊ ነቲ ኻብ ረፋይም+ እተወልደ ሲጳይ ቀተሎ፡ ንሳቶም እውን ተምበርከኹ።  ከም ብሓድሽ ከኣ፡ ምስ ፍልስጥኤማውያን ውግእ ኰነ። ኤልሓናን ወዲ ያኢር ድማ ነቲ ዛብያ ዂናቱ ኽንዲ ወንደረሽ ኣላማይ ዝነበረ+ ላሕሚ ሓው ጐልያድ+ እቲ ጊታዊ ቐተሎ።  ከም ብሓድሽ ከኣ፡ ኣብ ጋት+ ውግእ ኰነ። ኣብኡ ድማ ኣጻብዕ ኣእዳዉን ኣእጋሩን ሸሽዱሽተ፡ ብድምር 24 ዘለዎ ገዚፍ ሰብኣይ ነበረ፣+ ንሱ እውን ካብ ረፋይም እተወልደ እዩ።+  ንሱ ኸኣ ንእስራኤል ኣባጨወሉ።+ ዮናታን ወዲ ሺምዓ+ ሓው ዳዊት ድማ ቀተሎ።  እዚኣቶም ኣብ ጋት+ ካብ ረፋይም+ እተወልዱ እዮም፣ ብኢድ ዳዊትን ብኢድ ገላዉኡን ከኣ ወደቑ።

እግረ ጽሑፍ

ማለት፡ ኣብ ከባቢ መፋርቕ መጋቢት።
ኣስታት 34.2 ኪ.ግ.። ኣብ መ.ጽ. ለ14 ርአ።