ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ክርስትያናት ኣብ ኣጠቓቕማ ኤለክትሮኒካዊ መልእኽቲ ዚልእኽ ኣፕሊኬሽናት ኪጥንቀቑ ዘለዎም ስለምንታይ እዮም፧

ገሊኦም ክርስትያናት ደሃይ ኣባላት ስድራ ቤቶምን ደሃይ ካልኦት ናይ የሆዋ መሰኻኽርን ንምርካብ ዘመናዊ ተክኖሎጂ ይጥቀሙ እዮም። እንተዀነ ግና፡ ሓደ ብሱል ክርስትያን ነዚ ዚስዕብ ምኽሪ ኣብ ግምት የእቱ እዩ፦ “ጐራሕሲ ሓደጋ ይርኢ እሞ ይሕባእ፣ ዘይለበሙ ግና ህሩግ ይብሉ እሞ ብሳዕቤናቱ ይጕድኡ።”—ምሳ. 27:12

የሆዋ ኼዕቍበና ኸም ዚደሊ ንፈልጥ ኢና። ስለዚ፡ ምስቶም ፍልልይ ዚፈጥሩ፡ እተወገዱ፡ ወይ ቄናን ትምህርቲ ዚምህሩ ኣይንሓብርን ኢና። (ሮሜ 16:17፣ 1 ቈረ. 5:11፣ 2 ዮሃ. 10, 11) ገሊኦም ኣብ ጉባኤ ዘለዉ ሰባት ዚመላለሱሉ ኣካይዳ ንኽብሪ ዚኸውን ኣይኰነን። (2 ጢሞ. 2:20, 21) ዕርክነት ክንምስርት ከለና፡ ነዚ ኣብ ግምት ነእቱ ኢና። ጽቡቕ ዕርክነት ምምስራት ግና ኣብቲ መልእኽቲ ዚልእኽ ኣፕሊኬሽናት ቀሊል ከይከውን ይኽእል እዩ።

ምናዳ መልእኽቲ ዚልኣኣኽ ዓብዪ ጕጅለ ኺፍጠር ኸሎ፡ ምስ መን ንሓብር ከም ዘለና መረጽቲ ኽንከውን ኣሎና። ገሊኦም ክርስትያናት ምስ ዓብዪ ጕጅለ ብምሕባሮም፡ ኣሉታዊ ፍረ ዓጺዶም እዮም። እሞ ደኣ ኣማእታት ወይ ኣሽሓት ዘለውዎ ጕጅለ ኺፍጠር ከሎ፡ ሓው ወይ ሓብቲ ብኸመይ ኪጥንቀቕ ይኽእል፧ ናይ ሓቂ መንነትን መንፈሳዊ ዅነታትን ኵሎም እቶም ኣብቲ ጕጅለ ዘለዉ ሰባት ምፍላጥ ኣይከኣልን እዩ። መዝሙር 26:4፡ “ምስ መታለልቲ ሰባት ኣይሓብርን፡ ካብ ኣምሰሉታት እውን እርሕቕ እየ” ትብል። እዝስ እቲ መልእኽቲ ዚልእኽ ኣፕሊኬሽን ምስቶም እንፈልጦም ሰባት ጥራይ ክንጥቀመሉ ኸም ዚግባእ ዚሕብር ደይኰነን፧

መልእኽቲ ኣብ ዚልኣኣኽ ንእሽቶ ጕጅለ እውን እንተ ዀነ፡ ሓደ ክርስትያን ነቲ ዜጥፍኦ ግዜን ንተገዳስነት እቶም ሰባትን ኣብ ግምት ኬእቱ ኣለዎ። እቲ ኣብቲ መልእኽቲ ዚልዓል ጕዳይ ወይ ኣብኡ ዚሃልኽ ግዜ ብዘየገድስ፡ ኣብኡ ኽንሳተፍ ኸም ዘሎና ዀይኑ ኺስምዓና የብሉን። ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ ብዛዕባ “ወረኛታትን ወልፋሳትን” ኣጠንቂቕዎ ነይሩ እዩ። (1 ጢሞ. 5:13) ኣብዚ ግዜና፡ ብኤለክትሮኒካዊ መገዲ ኣቢሎም ከምኡ ዝዀኑ ሰባት ኣለዉ።

ብሱል ክርስትያን ብዛዕባ ክርስትያናት ብጾቱ ነቐፌታ ወይ ምስጢር ኣይዛረብን ወይ ኣይሰምዕን እዩ። (መዝ. 15:3፣ ምሳ. 20:19) እተጋነነ ወይ ዘይተረጋገጸ ወረ እውን ኣየውርን ወይ ኣይሰምዕን እዩ። (ኤፌ. 4:25) በቲ jw.org ዚብሃል ወብሳይትናን በቲ ኣብ ፈነወ JW ዚወጽእ ወርሓዊ መደባትን ኣቢልና እኹል መንፈሳዊ ምግብን እሙን ሓበሬታን ንረክብ ኢና።

ገሊኦም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ፍርያት ንምዕዳግን ንምሻጥን ንምውዕዋዕን ወይ ድማ ናይ ስራሕ ምልክታ ንምልጣፍ፡ ብኤለክትሮኒካዊ መገዲ ዚልኣኽ መልእኽቲ ይጥቀሙ እዮም። እዚ ንግዳዊ ጕዳይ ደኣ እዩ እምበር፡ ምስ ቲኦክራስያዊ ጕዳይ ዜተሓሕዝ የብሉን። “ብዘይ ፍቕሪ ገንዘብ” ኪመላለሱ ዚደልዩ ክርስትያናት፡ ብሕውነትና ተጠቒሞም ንግዳዊ ጕዳያት ኣየሰላስሉን እዮም።—እብ. 13:5

ንእተሸገሩ ኣመንቲ ወይ ንረድኤት ኢልናኸ መልእኽቲ ብዚልእኽ ኣፕሊኬሽናት ኣቢልና ገንዘብ ክንእክብ ይግባእዶ፧ ብፍቕሪ ተደሪኽና ንሓድሕድና ኽንተሓጋገዝን ክንተባባዕን መሸም ንደሊ ኢና። (ያእ. 2:15, 16) መልእኽቲ ብዚልኣኣኽ ዓብዪ ጕጅለ ኣቢልካ ኸምኡ ኽትገብር ምፍታን ግና፡ ኣብቲ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ወይ ጉባኤ ዚገብሮ ዝሓሸ መሰናድዎ ጣልቃ ዚኣቱ እዩ። (1 ጢሞ. 5:3, 4, 9, 10, 16) ንኣባጊዕ ኣምላኽ ንምክንኻን ፍሉይ ዕዮ ኸም እተዋህበና ኸነምስል ኣይንደልን ኢና።

ንኣምላኽ ክብሪ ዜምጽእ ነገር ኢና ኽንገብር እንደሊ። (1 ቈረ. 10:31) ስለዚ፡ መልእኽቲ ዚልእኽ ኣፕሊኬሽን ወይ ካልእ ተክኖሎጂ ብዛዕባ ምጥቃም ክንውስን ከለና፡ ንሓደጋታቱ ኣብ ግምት ኣእቲና ኽንጥንቀቕ ኣሎና።