ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ለባም ሰበይቲ ንሕልናኣ ተኽብሮ

ርእይቶ መጽሓፍ ቅዱስ

ምንጻል ጥንሲ

ምንጻል ጥንሲ

ኣብ ዓዓመት ብዓሰርተታት ሚልዮናት ዚቝጸር ጥንሲ ይንጸል እዩ፣ እዚ ቝጽሪ እዚ ድማ ካብ ብዝሒ ህዝቢ ገሊአን ሃገራት ይዛይድ።

ብሕታዊ ምርጫዶ ወይስ ስነ ምግባራዊ ሕቶ፧

ሰባት እንታይ ይብሉ፧

 

ገሊኦም ሰባት፡ ደቂ ኣንስትዮ ብእተፈላለየ ምኽንያት፡ ንኣብነት ቍጠባዊ ጸገማት ስለ ዜስዕበለን፡ ምስ መጻምድተን ጸገማት ስለ ዘለወን፡ ኣብ ትምህርተን ወይ ኣብ ስራሐን ዕቤት ኪገብራ ስለ ዚደልያ፡ ወይ በይነን ቈልዓ ኼዕብያ ስለ ዘይደልያ፡ ጥንሲ ምስ ዚንጽላ ግቡእ ከም ዝዀነ ይኣምኑ። ገሊኦም ግና ሓንቲ ጥንስቲ ንጥንሳ ኽትንጽሎ ኸላ፡ ነቲ እተዋህባ ሓላፍነት ትጥሕስ ብምህላዋ፡ ብስነ ምግባራዊ መዳይ ጌጋ ምዃኑ ይኣምኑ።

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

 

ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ ኣምላኽ፡ ህይወት፡ ምናዳ ኸኣ ህይወት ሰብ፡ ቅዱስ እዩ። (ዘፍጥረት 9:6፣ መዝሙር 36:9) እዚ መሰረታዊ ስርዓት እዚ ነቲ ኣብ ማሕጸን ኣዲኡ ዚዓቢ ዕሸል እውን ዚምልከት እዩ፣ ማሕጸን ኣደ፡ ኣምላኽ ውሑስ መዕበዪ ዕሸል ኪኸውን እዩ ፈጢርዎ። ሓደ ኻብቶም ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ንኣምላኽ ንምውዳስ ኣብ ዝጸሓፋ ሓንቲ መዝሙር፡ “ኣብ ማሕጸን ኣደይ . . . ጋሪድካኒ” ኢሉ ጽሒፉ እዩ። ኣስዕብ ኣቢሉ እውን፡ “ኣዒንትኻ፡ ድቂ ኸለኹ እኳ ርእየናኒ፣ . . . ኵሉ እቲ ኣካላት ብዛዕባ እተሰርሓሉ መዓልትታት ኣብ መጽሓፍካ ተጻሒፉ ነይሩ” ኢሉ እዩ።—መዝሙር 139:13, 16

ኣምላኽ ብዛዕባ ህይወት ዘይተወልደ ዕሸል ዘለዎ ኣረኣእያ፡ ኣብቲ ንህዝቢ እስራኤል ዝሃቦ ሕግን ኣብቲ ንዅላትና ዝሃበና ሕልናን ይንጸባረቕ እዩ። ኣብቲ ኣምላኽ ንእስራኤላውያን ዝሃቦም ሕጊ፡ ሓደ ንጥንስቲ ዝጐድአ እሞ ንጥንሳ ኸም ዚንጸል ዝገበረ ሰብ፡ ብሞት ኪቕጻዕ ከም ዘለዎ ይድንግግ እዩ፣ እወ፡ እቲ ቐታሊ ኣሰያ እቲ ዘጥፍኦ ህይወት፡ ህይወቱ እዩ ዚኸፍል ነይሩ። (ዘጸኣት 21:22, 23) እዚ ኺብሃል ከሎ፡ እቶም ደያኑ ነቲ ዅነታትን እቲ ሰብ ከምኡ ኺገብር ዘለዓዓሎ ምኽንያትን ኣብ ግምት የእትዉ ነይሮም እዮም።—ዘሁልቍ 35:22-24, 31

ደቂ ሰብ፡ ሕልና እውን ተዋሂብዎም እዩ። ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ነቲ ሕልናኣ ወይ ነቲ ውሽጣ ዚነግራ ሰሚዓ ንህይወት ዘይተወልደ ዕሸላ ተኽብር እንተ ዀይና፡ ሕልናኣ ዓስባ ይህባ እዩ። * ንሕልናኣ እንተ ጥሒሳቶ ግና፡ ኬሸግራ ወይ ኪዅንና ይኽእል እዩ። (ሮሜ 2:14, 15) መጽናዕትታት ከም ዚሕብሮ፡ ጥንሲ ዚንጽላ ደቂ ኣንስትዮ፡ ንጭንቀት ብዝያዳ ይቃልዓ እየን።

ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ውላድ ምዕባይ ልዕሊ ዓቕማ ኸም ዝዀነ እንተ ተሰሚዕዋ፡ ምናዳ ኸኣ እቲ ጥንሲ ብዘይ መደብ እንተ ዀይኑ፡ እንታይ እያ ኽትገብር ዚግባእ፧ ኣምላኽ ነቶም ብተኣማንነት ስርዓቱ ዚስዕቡ ሰባት፡ “ምስ እሙን፡ እሙን ትኸውን፣ መንቅብ ምስ ዘይብሉ ሰብኣይ [ወይ ሰበይቲ] ከኣ፡ መንቅብ ዘይብልካ ትኸውን” ኢሉ ቓል ከም ዝኣተወሎም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመዝጊቡ ኣሎ። (መዝሙር 18:25) ብዘይካዚ፡ “የሆዋስ ፍትሒ ይፈቱ እዩ፣ ንእሙናቱ ኸኣ ኣይኪሓድጎምን እዩ” ዚብል ነንብብ ኢና።—መዝሙር 37:28

“ሕልናኦም ምሳታቶም ኰይኑ እናመስከረሎም፡ ሓሳቦም እውን እናኸሰሶም ወይ እናኣመኻነየሎም፡ እቲ ሕጊ ዚሓትቶ ግብሪ ኣብ ልቦም ጽሑፍ ምዃኑ የርእዩ ኣለዉ።”ሮሜ 2:15

ጥንሲ ዝነጸልኪ እንተ ዄንኪኸ፧

ሰባት እንታይ ይብሉ፧

 

ሩት ዝስማ በይና ደቃ እተዓቢ ኣደ፡ “ድሮ ሰለስተ ውሉዳት ነይሮምኒ፣ ራብዓይ ከዕቢ ዝኽእል ኰይኑ እውን ኣይተሰምዓንን። ነቲ ጥንሲ ምስ ሰደድክዎ ግና፡ ሕማቕ ከም ዝገበርኩ እዩ ተሰሚዑኒ” በለት። * እንተዀነ ግና፡ ኣምላኽ ይቕረ ዘይብሎ ነገር ድያ ገይራ፧

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

 

የሱስ ክርስቶስ፡ “ኣነ ንጻድቃን ዘይኰነስ፡ ንሓጥኣን እየ ናብ ንስሓ ኽጽውዕ መጺአ” ኢሉ ኺዛረብ ከሎ፡ ኣተሓሳስባ ኣምላኽ እዩ ኣንጸባሪቑ። (ሉቃስ 5:32) እወ፡ በቲ ዝገበርናዮ ጌጋ ብሓቂ ተጣዒስና ምስ እንንሳሕ፡ ንኣምላኽ እውን ይቕረ ኺብለልና ምስ እንልምኖ፡ ነቲ ኸቢድ ሓጢኣትና ብፍታው ይቕረ ይብለልና እዩ። (ኢሳይያስ 1:18) መዝሙር 51:17፡ “ኦ ኣምላኽ፡ እተሰብረን እተደቝሰን ልቢ ኣይትንዕቕን ኢኻ” ትብል።

ሓደ እተጣዕሰ ሰብ ብጸሎት ናብ ኣምላኽ ምስ ዚቐርብ፡ ኣምላኽ ንዕኡ ንጹህ ሕልና ጥራይ ዘይኰነስ፡ ናይ ኣእምሮ ሰላም እውን ይህቦ እዩ። ፊልጲ 4:6, 7፡ “ብዛዕባ ዅሉ ነገር ደኣ ልማኖኹም ብጸሎትን ብምህለላን ምስ ምስጋና ኣብ ኣምላኽ ይፈለጥ፣ . . . እቲ ኻብ ኵሉ ሓሳብ ዚበልጽ ሰላም ኣምላኽ ድማ ንልብኹምን ንኣእምሮኹምን . . . ኪሕልዎ እዩ” ትብል። * ሩት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ድሕሪ ምግባራን ኣብ ልባ ዘሎ ብጸሎት ንኣምላኽ ድሕሪ ምንጋራን፡ ውሽጣዊ ሰላም ረኺባ እያ። ምስ ኣምላኽ “ናይ ሓቂ ይቕረታ” ኸም ዘሎ ፈሊጣ እያ።—መዝሙር 130:4

“[ኣምላኽ] ከም ሓጢኣትና ኣይገበረናን፡ ከም መጠን ስሕተትና ኣይፈደየናን።” መዝሙር 103:10

^ ሕ.ጽ. 10 ጥዕና ኣደ ወይ ሕጻን ኣብ ሓደጋ ኺኣቱ ተኽእሎ ኸም ዘሎ ኣብ ዚግለጸሉ እዋን እውን እንተ ዀነ፡ ንምንጻል ጥንሲ እኹል ምኽንያት ኣይከውንን እዩ። ኣብ እዋን ሕርሲ፡ ካብ ህይወት ኣደን ህይወት ሕጻንን ሓዲኡ ኽትሓሪ ዜገድድ ኵነታት እንተ ኣልዩ፡ እቶም መጻምድቲ ኺውስኑ ይኽእሉ እዮም። ኰይኑ ግና፡ ኣብ ሓያሎ ዝማዕበላ ሃገራት ምዕቡል ሕክምና ስለ ዘሎ፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት ኣመና ሳሕቲ እዩ ዜጋጥም።

^ ሕ.ጽ. 15 ስም ተቐዪሩ እዩ።

^ ሕ.ጽ. 18 ብዘይካዚ፡ ተስፋ ትንሳኤ ንውሽጣዊ ሰላም ኣበርክቶ ኺገብር ይኽእል እዩ። ኣብ ናይ 15 ሚያዝያ 2009 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ዝወጸት፡ ሓደ ኣብ ማሕጸን ኣዲኡ ኸሎ ዝሞተ ዕሸል ተስፋ ትንሳኤ ዘለዎ እንተ ዀይኑ እትገልጽ፡ “ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ” ርአ።