ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ነቲ ኣምላኽ ብዛዕባ ደም ዘለዎ ኣረኣእያ ተቐቢለዮ

ነቲ ኣምላኽ ብዛዕባ ደም ዘለዎ ኣረኣእያ ተቐቢለዮ

ነቲ ኣምላኽ ብዛዕባ ደም ዘለዎ ኣረኣእያ ተቐቢለዮ

ሓደ ሓኪም ታሪኹ የዘንቱ

ኣብቲ ናይቲ ሆስፒታል ኣዳራሽ፡ ንጕጅለ ሓካይም ብዛዕባ እቲ መርመራ ሬሳ እገልጸሎም ነይረ። እቲ መዋቲ ሓደገኛ ዓይነት ጥረ ነይርዎ፣ ኣነ ድማ፡ “ቀጥታዊ ጠንቂ ሞቱ፡ እቲ ብሰንኪ ብዙሕ ምምሕልላፍ ደም ዘጋጠመ፡ ምፍርራስ ቀያሕቲ ዋህዮታት ደሙን ቅልጡፍ ምብልሻው ኰላሊቱን እዩ” በልኩ።

ሓደ ፕሮፌሰር ከኣ ተንሲኡ ብቝጥዓ፡ “ግጉይ ዓይነት ደም ሂብናዮ ዲኻ እትብል ዘለኻ፧” ኢሉ ጨደረለይ። ኣነ ድማ፡ “ከምኡ ማለተይ ኣይኰነን” ኢለ መለስኩሉ። ካብ ኰላሊት እቲ ተሓካሚ እተወስደ ንኣሽቱ ስእልታት እናኣርኣኹ፡ “ኣብ ኵሊቱ ብዙሕ ቀያሕቲ ዋህዮታት ደሙ ኸም ዝፈራረሰ ኽንርኢ ንኽእል ኢና፣ እዚ ኸኣ ኰላሊቱ ብቕልጡፍ ከም ዚበላሸዋ ገይሩ” ኢለ ገለጽኩሉ። * ሽዑ ውጥረት ሰፈነ፣ ኣፈይ እውን ደረቐ። ኣነ ንእሽቶ ሓኪም፡ ንሱ ድማ ፕሮፌሰር እኳ እንተ ነበረ፡ ካብ ምዝራብ ድሕር ክብል ከም ዘይብለይ ተሰምዓኒ።

እዚ ነገር እዚ ኣብ ዘጋጠመሉ እዋን፡ ናይ የሆዋ ምስክር ኣይኰንኩን ነይረ። ብ1943 ኣብ ሰሜናዊ ጃፓን ኣብ እትርከብ ከተማ ሰንዳይ እየ ተወሊደ። ኣቦይ ክኢላ ስነ ሕማምን ስነ ኣእምሮን ብምንባሩ፡ ሕክምና ኸጽንዕ ወሲነ። ብ1970 ካልኣይ ዓመት ተምሃራይ ሕክምና ኸለኹ ድማ፡ ማሱኮ ንዝስማ መንእሰይ ተመርዓኽዋ።

ኣብ ዓውዲ ስነ ሕማም ኣቶኹ

ትምህርተይ ክሳዕ ዝውድእ፡ ማሱኮ እናሰርሐት ንናብራና ዜድሊ ተማልእ ነበረት። ዓውዲ ሕክምና መሲጡኒ ነይሩ እዩ። ሰብነት ብኸመይ ከም እተሰርሐ የደንቐኒ ነይሩ እዩ። ኰይኑ ግና፡ ብዛዕባ ህልውና ፈጣሪ ሓሲበ ኣይፈልጥን እየ ነይረ። ሕክምናዊ ምርምር ንህይወተይ ትርጉም ዚህባ ይመስለኒ ነይሩ። ስለዚ፡ ሓኪም ድሕሪ ምዃነይ፡ ኣብ ዓውዲ ስነ ሕማም፡ ማለት ኣብ ባህርያትን ጠንቅታትን ሳዕቤናትን ሕማማት መጽናዕተይ ክቕጽል ወሰንኩ።

ብመንሽሮ ንዝሞቱ ተሓከምቲ መርመራ ሬሳ ኽገብር ከለኹ፡ ብዛዕባ ውጽኢታውነት ምምሕልላፍ ደም ጥርጣረታት ከሕድር ጀመርኩ። ብርቱዕ መንሽሮ ዘለዎም ተሓከምቲ ስለ ዚደምዩ፡ ዋሕዲ ደም ኬጋጥሞም ይኽእል እዩ። ኬሞተራፒ ንዋሕዲ ደም ስለ ዜጋድዶ ኸኣ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ሓካይም ደም ኪውሃቦም ይእዝዙ እዮም። ይኹን እምበር፡ ምምሕልላፍ ደም ነቲ መንሽሮ ኸም ዜላብዖ ኽጥርጥር ጀመርኩ። ዝዀነ ዀይኑ፡ ምምሕልላፍ ደም ንናይ ምክልኻል ዓቕሚ ኸም ዜዳኽም፡ ብሰንኪ እዚ ድማ ጥረ መንሽሮ መሊሱ ስለ ዚበቍል፡ ሕሙማት መንሽሮ ብህይወት ናይ ምጽናሕ ዕድሎም ከም ዚንኪ ሕጂ ይፍለጥ እዩ። *

ብ1975፡ እቲ ኣብ መእተዊ ዝጠቐስክዎ ጕዳይ ኣጋጠመኒ። እቲ ፕሮፌሰር ኣብቲ ጕዳይ ሓላፍነት ዝነበሮ ኽኢላ ስነ ደም እዩ ነይሩ። ስለዚ ድማ እዩ ምምሕልላፍ ደም ጠንቂ ሞት ምዃኑ ኽገልጽ ከለኹ እተቘጥዐ! ኰይኑ ግና፡ ኣነ ነቲ መግለጽየይ ቀጸልኩ፣ ንሱ እውን በብቝሩብ ሃድአ።

ሕማም ኰነ ሞት ዘይህልወሉ ግዜ

ኣብቲ ግዜ እቲ ኣቢሉ፡ ሓንቲ ብዕድመ ዝደፍአት ናይ የሆዋ ምስክር ንሰበይተይ መጸታ። እታ ሰበይቲ ኣብ መእተዊኣ “የሆዋ” ዚብል ቃል ተጠቕመት፣ ሰበይተይ ከኣ እዚ እንታይ ማለት ምዃኑ ሓተተታ። ንሳ ድማ፡ “የሆዋ ስም ናይ ሓቂ ኣምላኽ እዩ” ኢላ መለሰትላ። ማሱኮ ኻብ ቍልዕነታ ኣትሒዛ መጽሓፍ ቅዱስ ተንብብ ነይራ እያ፣ እቲ እተንብቦ ዝነበረት መጽሓፍ ቅዱስ ግና ንስም ኣምላኽ፡ “ጐይታ” ብዚብል ቃል ተኪእዎ ነይሩ እዩ። ድሕርዚ ግና፡ ኣምላኽ ስም ከም ዘለዎ ፈለጠት።

ማሱኮ ብኡብኡ ምስታ ብዕድመ ዝደፍአት ናይ የሆዋ ምስክር፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጀመረት። ሰዓት 1:00 ናይ ለይቲ ኣቢለ ኻብ ሆስፒታል ምስ ተመለስኩ፡ ሰበይተይ ብታሕጓስ፡ “ሕማምን ሞትን ከም ዘይህሉ መጽሓፍ ቅዱስ ይሕብር እዩ” በለትኒ። ኣነ ኸኣ፡ “እዚ እሞ ድንቂ ምዀነ!” ኢለ መለስኩላ። ኣስዕብ ኣቢላ ድማ፡ “ሓዳስ ዓለም ኣብ ቀረባ ግዜ ስለ እትመጽእ፡ ግዜኻ ኸተባኽን ኣይደልየካን እየ” በለትኒ። ከምኡ ኽትብል ከላ፡ ሓኪም ምዃን ክሓድጎ ዝበለትኒ ስለ ዝመሰለኒ፡ ኣመና ተቘጣዕክዋ፡ ኣብ መንጎና እውን ውጥረት ሰፈነ።

ይኹን እምበር፡ ሰበይተይ ብኣይ ተስፋ ኣይቈረጸትን። ብጸሎት እናተሓገዘት ግቡእ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ድሕሪ ምርካብ፡ ነዚ ኣርኣየትኒ። ምናዳ ኣብ መክብብ 2:22, 23 ዚርከብ ኸምዚ ዚስዕብ ዚብል ቃላት ልበይ ተንክዩኒ እዩ፦ “ሰብሲ ኻብ ኵሉ እቲ ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ዝጸዓረሉን ዝሃረፎን ጻዕሪ እንታይ እሞ እዩ ዚረብሕ፧ . . . ለይቲ እኳ ልቡ ኣይዓርፍን እዩ። እዚ እውን ከንቱነት እዩ።” እዛ ጥቕሲ ምስቲ ዝገብሮ ዝነበርኩ ትተሓሓዝ እያ፣ መዓልትን ለይትን ንሕክምና እኳ እንተ ተወፈኹ፡ ናይ ሓቂ ዕግበት ግና ኣይነበረንን።

ኣብ ሓምለ 1975 ሓደ ሰንበት ንግሆ፡ ሰበይተይ ናብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምስ ከደት፡ ኣነ እውን ብሃንደበት ናብኡ ክኸይድ ወሰንኩ። ሰበይተይ ኣብኡ ምስ ረኣየትኒ ኣዝያ እያ ተገሪማ፣ እቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከኣ ጽቡቕ ገይሮም እዮም ተቐቢሎምኒ። ካብ ሽዑ ንነጀው፡ ሰንበት ሰንበት ካብ ኣኼባ ኣይበዀርኩን። ድሕሪ ሓደ ወርሒ ኣቢሉ፡ ሓደ ናይ የሆዋ ምስክር፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪመርሓለይ ጀመረ። ሰበይተይ ድማ ካብቲ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እተራኸበትሉ ድሕሪ ሰለስተ ወርሒ ኣቢላ ተጠምቀት።

ነቲ ኣምላኽ ብዛዕባ ደም ዘለዎ ኣረኣእያ ተቐበልክዎ

ነዊሕ ከይጸናሕኩ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ንክርስትያናት፡ ‘ካብ ደም ርሓቑ’ ኸም ዝበሎም ተምሃርኩ። (ግብሪ ሃዋርያት 15:28, 29፣ ዘፍጥረት 9:4) ብዛዕባ ውጽኢታውነት ምምሕልላፍ ደም ጥርጣረታት ስለ ዝነበረኒ፡ ነቲ ኣምላኽ ብዛዕባ ደም ዘለዎ ኣረኣእያ ምቕባል ኣየጸገመንን። * ‘ፈጣሪ እንተ ኣልዩ፡ ንሱ እውን ከምኡ እንተ ኢሉ፡ ቅኑዕ ኪኸውን ኣለዎ’ ኢለ ሓሰብኩ።

ጠንቂ ሕማምን ሞትን፡ ሓጢኣት ኣዳም ከም ዝዀነ እውን ተምሃርኩ። (ሮሜ 5:12) ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ብዛዕባ ሕማም ሰራውር ደም አጽንዕ ነበርኩ። ብዕድመ እናደፋእና ምስ ከድና፡ ሰራውር ደምና እናተረረን እናጸበበን ስለ ዚኸይድ፡ ከም ሕማም ልቢ፡ ሕማም ሓንጐልን ሰራውሩን፡ ሕማም ኰላሊት ዝኣመሰለ ሕማማት የስዕብ እዩ። ዝወረስናዮ ዘይፍጽምና ነዚ ዜስዕቦ ምዃኑ፡ ብቐሊሉ ዚውሓጠልካ ምኽንያት እዩ። ድሕርዚ፡ ንሕክምና ዝነበረኒ ተወፋይነት እናነከየ ኸደ። የሆዋ ኣምላኽ ጥራይ እዩ ንሕማምን ንሞትን ኬጥፍእ ዚኽእል!

ኣብ መጋቢት 1976፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ዝጅምር ድሕሪ ሸውዓተ ወርሒ፡ ኣብቲ ዩኒቨርሲቲ ሆስፒታል ዝገብሮ ዝነበርኩ መጽናዕቲ ሓደግክዎ። ድሕሪኡ ሓኪም ኰይነ ምስራሕ ከይሽገር ፈሪሀ ነይረ፣ ኰይኑ ግና፡ ኣብ ካልእ ሆስፒታል ስራሕ ረኸብኩ። ኣብ ግንቦት 1976 ከኣ ተጠመቕኩ። ህይወተይ ብዝሓሸ ንምጥቃም፡ ፈላሚ፡ ማለት ናይ ምሉእ ግዜ ወንጌላዊ ዀይነ ኸገልግል ወሰንኩ፣ ነዚ ድማ ኣብ ሓምለ 1977 ጀመርክዎ።

ነቲ ኣምላኽ ብዛዕባ ደም ዘለዎ ኣረኣእያ ተጣበቕኩሉ

ኣብ ሕዳር 1979፡ ኣነን ማሱኮን ናብታ ዝያዳ ሰበኽቲ ዜድልዩላ ዝነበሩ ኣውራጃ ቺባ ገዓዝና። ኣብኡ ድማ ብኸፊል ግዜይ ክዓይየሉ ዝኽእል ሆስፒታል ረኸብኩ። ኣብታ ናብ ስራሕ ዝወፈርኩላ ቐዳመይቲ መዓልቲ፡ ሓካይም መጥባሕቲ ኸበቡኒ። “ናይ የሆዋ ምስክር ከም ምዃንካ መጠን፡ ደም ዜድልዮ ተሓካሚ እንተ መጺኡ እንታይ ኢኻ ኽትገብር፧” ኢሎም ብሕቶ ኣዋጠሩኒ።

ነቲ ኣምላኽ ብዛዕባ ደም ዚብሎ ኸም ዝስዕብ ብኣኽብሮት ገለጽኩሎም። ንምምሕልላፍ ደም ዚትክእ ኣማራጺታት ከም ዘሎ፡ ንተሓከምተይ ንምድጋፍ እውን ዚከኣለኒ ኸም ዝገብር ገለጽኩሎም። ንሓደ ሰዓት ዚኣክል ምስ ተመያየጥና፡ እቲ ቐንዲ ሓኪም መጥባሕቲ፡ “ተረዲኡኒ። ብዙሕ ደም ዝፈሰሶ ተሓካሚ እንተ መጺኡ ግና፡ ንሕና ነቲ ጕዳይ ክንሕዞ ኢና” በለኒ። እቲ ቐንዲ ሓኪም መጥባሕቲ ኣጸጋሚ ሰብ ጌርካ እዩ ዚርአ ነይሩ፣ ድሕሪ እቲ ምይይጥ ግና፡ ጽቡቕ ርክብ ኣማዕበልና፡ ወትሩ ድማ ንእምነታተይ የኽብረለይ ነበረ።

ንደም ዘሎኒ ኣኽብሮት ተፈተነ

ኣብ ቺባ እናኣገልገልና ኸለና፡ ኣብ ኢቢና ሓድሽ ቤት ጽሕፈት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ይህነጽ ነበረ። ኣነን ሰበይተይን ከኣ ነቶም ቤት-ኤል ተባሂሉ ንዚጽዋዕ ህንጻታት ዚሃንጹ ወለንተኛታት ጥዕናኦም ንምክንኻን ኣብ ሰሙን ሓደ መዓልቲ ናብኡ ንኸይድ ነበርና። ድሕሪ ሒደት ኣዋርሕ፡ ብምሉእ ግዜና ኣብቲ ኣብ ኢቢና ዚርከብ ቤት-ኤል ከነገልግል ጻውዒት ቀረበልና። በዚ ኸምዚ፡ ኣብ መጋቢት 1981 ልዕሊ 500 ወለንተኛታት ኣብ ዝሓዘ ግዜያዊ መንበሪ ኽንነብር ጀመርና። ንግሆ፡ ባኞታትን ሽቓቓትን እቲ ህንጸት ዚካየደሉ ቦታ አጽሪ፡ ድሕሪ ቐትሪ ድማ ሕክምናዊ መርመራታት እገብር ነበርኩ።

ሓንቲ ኻብቶም ተሓከምተይ ብ1949 ሚስዮናዊት ኰይና ኻብ ኣውስትራልያ ናብ ጃፓን ዝመጸት ኢልማ ኢዝሎብ እያ ነይራ። ንሳ ሉኪምያ ዚብሃል ሕማም ነበራ፣ ሓካይም ድማ ድሕሪ ሒደት ኣዋርሕ ከም እትመውት ነጊሮምዋ ነይሮም። ኢልማ ንህይወታ ንምንዋሕ ኢላ ደም ኪውሃባ ፍቓደኛ ኣይኰነትን፣ ኣብቲ ዝተረፈ ህይወታ ኸኣ ኣብ ቤት-ኤል ክትጸንሕ ወሰነት። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ከም ኢርትሮፖየቲን ዝኣመሰለ ብዙሕ ዋህዮታት ደም ከም ዚፈሪ ዚገብር መድሃኒት ኣይነበረን። ስለዚ፡ መጠን ሄሞግሎቢና ኽሳዕ 3 ወይ 4 ግራም ይወርድ ነይሩ እዩ! (ንቡር 12 ኽሳዕ 15 እዩ።) ንዓኣ ንምሕካም ዚከኣለኒ እየ ገይረ። ኢልማ ኣብ ጥሪ 1988 ክሳዕ እትመውት፡ ኣብ ቃል ኣምላኽ ነቕ ዘይብል እምነት ከም ዘለዋ ኣርእያ እያ፣ ካብቲ ኽትመውት እተባህለትሉ ሸውዓተ ዓመት እያ ብህይወት ጸኒሓ!

ድሕሪኡ፡ ኣብቲ ኣብ ጃፓን ዚርከብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዜገልግሉ ብዙሓት ወለንተኛታት መጥባሕቲ ኣድልይዎም እዩ። ኣብ ጥቓና ኣብ ዚርከቡ ሆስፒታላት ዚዓይዩ ሓካይም ድማ ብዘይ ደም መጥባሕቲ ብምግባሮም ኪነኣዱ ይግብኦም እዩ። ብዙሕ ግዜ ነቲ መጥባሕቲ ኽርኢ ናብቲ ኽፍሊ ኽኣቱ ይፍቀደለይ እዩ፣ ሓድሓደ ግዜ ድማ ኣብቲ መጥባሕቲ እሕግዝ እየ። ነቶም ነቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ደም ዘለዎም መትከል ኣኽቢሮም ዚርእዩ ሓካይም አመስግኖም እየ። ምሳታቶም ምዕያየይ፡ ብዛዕባ እምነተይ ክነግሮም ብዙሕ ኣጋጣሚታት ከፊቱለይ እዩ። ሓደ ኻብዞም ሓካይም፡ ኣብ ቀረባ ግዜ ናይ የሆዋ ምስክር ኰይኑ ተጠሚቑ ኣሎ።

እቲ ዜገርም፡ ሓካይም ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዘይ ደም ንምሕካም ዚገብርዎ ጻዕርታት፡ ኣብ ዓውዲ ሕክምና ኣገዳሲ ኣበርክቶ ገይሩ እዩ። ብዘይ ደም ዚግበር መጥባሕትታት፡ ደም ዘይምምሕልላፍ ጥቕምታት ከም ዘለዎ መርትዖ ዀይኑ እዩ። ተሓከምቲ ድሕሪ መጥባሕቲ ብዝያዳ ፍጥነትን ብዝወሓደ ጸገማትን ከም ዚጥዕዩ፡ መጽናዕትታት ኣርእዩ እዩ።

ካብቲ ዓብዪ ሓኪም ዝረኽቦ ዘለኹ ቐጻሊ ትምህርቲ

ምስቲ ሓድሽ ምዕባለታት ሕክምና ኽስጕም እጽዕር እየ። ኰይኑ ግና፡ ካብቲ ዓብዪ ሓኪም ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ እውን ብቐጻሊ እምሃር እየ። ንሱ ደጋዊ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብዘሎ ስብእናና እዩ ዚርኢ። (1 ሳሙኤል 16:7) ኣነ እውን ከም ሓኪም መጠን፡ ንዝዀነ ተሓካሚ ኽሕክም ከለኹ፡ ኣብ ሕማሙ ኣተኲረ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ምሉእ ስብእናኡ ኣብ ግምት ኣእትየ እየ ኽሕክሞ ዝጽዕር። እዚ ነቲ ተሓካሚ ዝሓሸ ሕክምናዊ ኽንክን ክገብረሉ ይሕግዘኒ እዩ።

ክሳዕ ሕጂ ኣብ ቤት-ኤል አገልግል ኣለኹ፣ ብዛዕባ የሆዋን ብዛዕባ እቲ ንሱ ንደም ዘለዎ ኣረኣእያን ምንጋር ድማ፡ ሓደ ኻብቲ ኣዝዩ ዜሐጕሰኒ ነገራት እዩ። እቲ ዓብዪ ሓኪም ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ ንዅሉ ሕማምን ሞትን ኣብ ቀረባ ግዜ መወዳእታ ኺገብረሉ ኸኣ ጸሎተይ እዩ።—ያሱሺ ኣይዛዋ ዘዘንተዎ።

[እግረ-ጽሑፋት]

^ ሕ.ጽ. 4 ብመሰረት እታ ብዶ/ር ደኒስ ሃርመኒንግ እተሰናደወት ሞደርን ብላድ ባንኪንግ ኤንድ ትራንስፍዩዥን ፕራክቲስስ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ብሰንኪ ምምሕልላፍ ደም፡ ጥንሲ፡ ወይ ምስግጋር ኣካላት፡ ጸኒሑ ቐያሕቲ ዋህዮታት ደም እቲ ተሓካሚ ኺፈራርስ ይኽእል እዩ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣጋጣሚ፡ እቲ ንተሓካሚ ምስቲ ዚመሓላለፍ ደም ከም ዚጋራጮ ዚገብሮ ጸረ ኣካላት በቲ “ንቡር ቅድመ ምምሕልላፍ ደም ዘሎ ሜላታት ኣይልለን እዩ።” ብመሰረት ደይለይስ ኖትስ ኦን ብላድ፡ ምፍርራስ ዋህዮታት ደም “ብንእሽቶ ዘይምቅዳው እቲ ዚውሃብ ደም እኳ ኺልዓል ይኽእል እዩ። ኰላሊት ስራሐን ደው እንተ ኣቢለን፡ ነቲ ርስሓት ካብ ደሙ ስለ ዘየወግዳኦ፡ እቲ ተሓካሚ በብቝሩብ ይምረዝ እዩ።”

^ ሕ.ጽ. 8 ጆርናል ኦቭ ክሊኒካል ኦንኮሎጂ፡ ነሓሰ 1988፡ ከምዚ ትብል፦ “ኣብ ከባቢ እቲ መጥባሕቲ ዚግበረሉ እዋን ደም ዚውሃቦም ተሓከምቲ፡ ምስቶም ብዘይ ምምሕልላፍ ደም መጥባሕቲ መንሽሮ ዚገብሩ ተሓከምቲ ኺነጻጸሩ ኸለዉ፡ ናይ ምጥዓይ ዕድሎም ይንኪ እዩ።”

^ ሕ.ጽ. 16 መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ደም እንታይ ከም ዚምህር ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ነታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት ሃው ካን ብላድ ሴቭ ዮር ላይፍ፧ ዘርእስታ ብሮሹር ርአ።

[ፍረ ሓሳብ]

“ንምምሕልላፍ ደም ዚትክእ ኣማራጺታት ከም ዘሎ፡ ንተሓከምተይ ንምድጋፍ እውን ዚከኣለኒ ኸም ዝገብር ገለጽኩሎም”

[ፍረ ሓሳብ]

“ብዘይ ደም ዚግበር መጥባሕትታት፡ ደም ዘይምምሕልላፍ ጥቕምታት ከም ዘለዎ መርትዖ ዀይኑ እዩ”

[ስእሊ]

ላዕሊ፦ መደረ መጽሓፍ ቅዱስ እናኣቕረብኩ

የማን፦ ሎሚ ምስ ሰበይተይ ማሱኮ