ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣከዳድናን ኣመለኻኽዓን ዕንቅፋት ኰይኑኒ ነበረ

ኣከዳድናን ኣመለኻኽዓን ዕንቅፋት ኰይኑኒ ነበረ

ኣከዳድናን ኣመለኻኽዓን ዕንቅፋት ኰይኑኒ ነበረ

ኣይሊን ብሮንቦ ዘዘንተወቶ

ካብ ንእስነተይ ኣትሒዘ፡ ኦልድ ኦርደር ጀርመን ባብቲስት ብረዘረን ኣብ ዚብሃል ሃይማኖት እየ ዓብየ፣ እዚ ምስ እምነት ኣሚሽን ሜኖኣውያንን ዚመሳሰል እዩ። ምንቅስቓስ ብረዘረን ብ1708 ኣብ ጀርመን ዝጀመረ ዀይኑ፡ ክፍሊ እቲ ፓየቲዝም ዚብሃል መንፈሳዊ ተሃድሶ እዩ። ዘ ኢንሳይክሎፔድያ ኦቭ ረሊጅን ፓየቲዝም፡ “ሰባት ወንጌል ክርስቶስ የድልዮም [እዩ]” ብዚብል እምነት ይፍለጥ ከም ዝነበረ ይገልጽ። ካብዚ እተለዓለ ድማ፡ ኣብ እተፈላለያ ሃገራት ዕዉት ሚስዮናዊ ወፈራታት ተሳሊጡ እዩ።

ብ1719 ብኣለክሳንደር ማክ እትምራሕ ንእሽቶ ጕጅለ፡ ናብታ ሎሚ ፐንሲልቨንያ እትብሃል ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ እትርከብ ሃገር መጸት። ካብ ሽዑ ኣትሒዙ ተወሰኽቲ ጕጅለታት ቈይመን እየን፣ ካብ ንሓድሕደን ድማ ተፈላልየን እየን። ነፍሲ ወከፍ ጕጅለ ንትምህርትታት ኣለክሳንደር ማክ ነናተን ትርጉም ሂበናኦ እየን። እታ ንእሽቶ ቤተ ክርስትያንና ኸኣ፡ ኣስታት 50 ኣባላት ነበርዋ። ኣብ ቤተ ክርስትያንና መጽሓፍ ቅዱስ ምንባብን ኣባላት እታ ቤተ ክርስትያን ዝሰርዕዎ ወግዕታት ኣጥቢቕካ ምስዓብን ዓብዪ ግምት ይውሃቦ ነበረ።

እንተ ወሓደ፡ ስለስተ ወለዶ ስድራ ቤተይ፡ ኣባላት እዚ እምነት እዝን ንመገድታቱ ዚስዕቡን እዮም ነይሮም። ጓል 13 ዓመት ምስ ኰንኩ፡ ኣባል እዛ ቤተ ክርስትያን ብምዃን ተጠመቕኩ። ካብ ንእስነተይ ኣትሒዘ ማኪና፡ ትራክተር፡ ተሌፎን፡ ረድዮ ወይ ኻልእ ብኤለክትሪክ ዚሰርሕ ነገራት ምውናን ኰነ ምጥቃም ጌጋ ምዃኑ እናተምሃርኩ እየ ዓብየ። እተን ኣንስቲ ዘበልና፡ ተራ ኽዳን ክንክደንን ጸጕርና ኸነንውሖን ክንጕልበቦን ነበረና። ሰብኡት ድማ ጭሕሞም የንውሑ ነበሩ። ክፍሊ ዓለም ዘይምዃን ኪብሃል ከሎ፡ ነቲ ኸም መግለጺ ትዕቢት እንወስዶ ዝነበርና ዘመናዊ ኣከዳድና፡ መጸባበቒ፡ ወይ ስልማት ዘይምግባር ይመስለና ነበረ።

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ከም መንፈሳዊ ምግብና ጌርና ንርእዮ ስለ ዝነበርና፡ ንዑኡ ዓሚቝ ኣኽብሮት ነበረና። ንግሆ ንግሆ ቕድሚ ቝርሲ፡ ኣብ ሳሎን ተኣኪብና ባባ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ ሓንቲ ምዕራፍ ኬንብበልናን ብዛዕባኡ ሓሳብ ኪህበናን ከሎን ንሰምዖ ነበርና። ባባ ኺጽሊ ኸሎ ድማ ኵላትና ንምብርከኽ ነበርና። ድሕሪኡ፡ ማማ ነታ ጸሎት ጐይታ ትደግማ ነበረት። ምልእቲ ስድራ ቤትና ብሓባር ኣብ መንፈሳዊ ነገራት ተተኵር ስለ ዝነበረት፡ ነቲ ኣምልኾ ንግሆ ተሃንጥየ እጽበዮ ነበርኩ።

ኣብ ጥቓ ደልፊ ኢንድያና ኣብ ዚርከብ ሕርሻ ንነብር ነበርና። እተፈላለየ ፍርያት ሕርሻ ድማ ነፍሪ ነበርና። ነቲ ፍርያት ብካሮሳ ጌርና ናብ ከተማ ንወስዶ፡ ኣብኡ ኸኣ ኣብ መገድን ኣብ በቤትን ንሸጦ ነበርና። ከምዚ ዝኣመሰለ ኸቢድ ዕዮ ኽፍሊ እቲ ንኣምላኽ እነቕርቦ ኣገልግሎት ጌርና ንሓስቦ ነበርና። ብጀካ ኣብታ “ኸቢድ ዕዮ” ዘይዕየየላ ሰንበት፡ ነዚ ወትሩ ንገብሮ ነበርና። ሓድሓደ ግዜ ግና፡ ብዕዮ ሕርሻ ኣዚና ትሑዛት ስለ ዝነበርና፡ ኣብ መንፈሳዊ ነገራት ምትኳር የጸግመና ነበረ።

ሓዳርን ስድራ ቤትን

ብ1963፡ ጓል 17 ዓመት ምስ ኰንኩ፡ ጀምስ ምስ ዚብሃል ኣባል ኦልድ ብረዘረን ተመርዓኹ። ንሱ ኻብ ኣርባዕተ ወለዶ ኣትሒዙ፡ ሰዓቢ እምነት ኦልድ ብረዘረን እዩ ነይሩ። ክልቴና ንኣምላኽ ንምግልጋል ሓያል ባህጊ ነበረና። ቤተ ክርስትያና ጥራይ ድማ ናይ ሓቂ ምዃና ንኣምን ነበርና።

ክሳዕ 1975፡ ሽዱሽተ ደቂ ነበሩና፣ ብ1983 ድማ እቲ ሻብዓይ ናይ መወዳእታ ወድና ተወልደ። ካብ ኵሎም ከኣ እታ ምንኣስ ቦኽሪ ዝዀነት ረበካ ጥራይ እያ ጓል። ጻዕራማትን ቈጠብትን ቀሊል ናብራ እንነብርን ኢና ኔርና። ነቲ ኻብ ወለድናን ካብ ካልኦት ኣባላት ኦልድ ብረዘረን እተማሃርናዮ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ንደቅና ኸነስርጸሎም ንጽዕር ነበርና።

ኦልድ ብረዘረን ንደጋዊ ትርኢት ዓብዪ ቦታ ይህብዎ ነበሩ። ዝዀነ ይኹን ሰብ ልቢ ኸንብብ ስለ ዘይክእል፡ ውሽጣዊ መንነት ሓደ ሰብ ብኣከዳድናኡ ኽፍለጥ ይከኣል እዩ ኢልና ንሓስብ ነበርና። ስለዚ፡ ሓንቲ ኣባል፡ ጸጕራ ኣመና እንተ ተመሻሺጣ ትዕቢተኛ ጌርካ ትቝጸር ነበረት። ካብቲ ልሙድ ኣከዳድና ቕዲ ኣከዳድና እትኽደን እውን ከም ትዕቢተኛ ጌርካ ትርአ ነበረት። ሓድሓደ ግዜ፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ጕዳያት ንቕዱሳት ጽሑፋት ይዕብልሎ ነበረ።

ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዘጋጠመ

ኣብ መወዳእታ 1960ታት፡ እቲ ኣብ ኦልድ ብረዘረን ዝዓበየ ሓሙተይ፡ ኣብ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ምስታፍ ስለ ዝኣበየ ተኣሰረ። ኣብኡ ምስቶም ኣብ ውግእ ምስታፍ ምስ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዚጋጮ ዚኣምኑ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተራኸበ። (ኢሳይያስ 2:4፣ ማቴዎስ 26:52) ጀሲ ምስቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሓያሎ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ምይይጥ ይገብር ነበረ። ነቲ ጽቡቕ ባህርያቶም ከኣ ተዓዘቦ። ብዙሕ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ድሕሪ ምግባር፡ ናይ የሆዋ ምስክር ኰይኑ ተጠምቀ፣ እዚ ድማ ኣጕሃየና።

ጀሲ ብዛዕባ እቲ እተማሃሮ ነገራት ንሰብኣየይ ነገሮ። ብዘይካዚ፡ ንጀምስ መጽሔታት ግምቢ ዘብዐኛንቕሑ!ን ብስሩዕ ከም ዚበጽሖ ገበረ። ጀምስ ነዚ ኼንብብ ምስ ጀመረ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበሮ ተገዳስነት ሓየለ። ጀምስ ወትሩ ንኣምላኽ ኬገልግል ሓያል ድሌት እኳ እንተ ነበሮ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ግና ካብኡ ዝረሓቐ ዀይኑ ይስምዖ ነበረ። ስለዚ፡ ናብ ኣምላኽ ብዝያዳ ኬቕርቦ ዚኽእል ዝዀነ ይኹን ነገር የገድሶ ነበረ።

ሽማግለታት ቤተ ክርስትያና፡ ንሃይማኖታዊ ጽሑፋት እቶም ከም ክፍሊ ዓለም ጌርና እንርእዮም ዝነበርና ኣሚሽን ሜኖኣውያንን ካልኦት እምነታት ኦልድ ብረዘረንን ከነንብብ የተባብዑና ነበሩ። ኣቦይ ግና ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣመና ይጸልኦም ነበረ። ኣቦይ መጽሔታት ግምቢ ዘብዐኛን ንቕሑ!ን ከነንብብ ኣይደልየናን ነይሩ። ስለዚ፡ ጀምስ ከንብብ ክርእዮ ኸለኹ እጕሂ ነበርኩ። ነቲ ናይ ሓሶት ትምህርትታት ከይኣምነሉ ድማ እፈርህ ነበርኩ።

ይኹን እምበር፡ ጀምስ ኣቐድም ኣቢሉ ነቲ ምስ መጽሓፍ ቅዱስ ይጋጮ እዩ ኢሉ ይሓስቦ ዝነበረ ገለ ትምህርትታት ኦልድ ብረዘረን ሕቶታት ነበሮ። ብፍላይ ድማ ብዛዕባ እቲ ኣብ ሰንበት “ከቢድ ዕዮ” ሓጢኣት ከም ዝዀነ ዚገልጽ ትምህርቲ ሕቶ ነበሮ። ንኣብነት፡ ኦልድ ብረዘረን ብሰንበት ንማልካ ማይ ምስታይ ከም ዚፍቀድ፡ ምጽሃይ ግና ከም ዘይፍቀድ ይምህር ነበረ። እቶም ሽማግለታት ብዛዕባ እዚ ሕጊ እዚ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ መርትዖ ኬቕርቡሉ ኣይከኣሉን። ውዒሉ ሓዲሩ፡ ኣነ እውን ብዛዕባ እዚ ትምህርትታት እዚ ጥርጣረታት ከሕድር ጀመርኩ።

ኣምላኽ ዚቕበላ ቤተ ክርስትያን ናትና ጥራይ እያ ኢልና ንኣምን ስለ ዝነበርና፡ ካብኣ እንተ ወጺእና ድማ ሕማቕ ከም ዜጋጥመና ስለ እተገንዘብና ንኦልድ ብረዘረን ምግዳፍ ኣጸጋሚ ዀይኑና ነበረ። እንተ ዀነ ግና፡ ንመጽሓፍ ቅዱስ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ዘይቅበል ሃይማኖት ምጽናሕ ሕልናና ኣይፈቐደልናን። ስለዚ፡ ብ1983 ካብታ ቤተ ክርስትያን ስለምንታይ ከም ዝወጻእና እትገልጽ ደብዳበ ጸሓፍና፣ እታ ደብዳበ ኸኣ ኣብ ጉባኤ ኽትንበብ ሓተትና። በዚ ኸምዚ ኻብታ ጕጅለ ተወገድና።

ናይ ሓቂ ሃይማኖት ኣናደና

በዚ ኸምዚ፡ ነታ ናይ ሓቂ ሃይማኖት ከነናድያ ጀመርና። እታ ሃይማኖት፡ ምእመናና ነቲ ዚምህርዎ ዚትግብርዎ ኪዀኑ ኸም ዘለዎም ንኣምን ኔርና። ቅድም ቀዳድም፡ ኣብ ውግእ ንእትሳተፍ ዝዀነት ትኹን ሃይማኖት ካብ ዝርዝርና ኣውጻእናያ። ሓንቲ ሃይማኖት ክፍሊ ዓለም ዘይምዃና ዚረጋገጸሉ መገዲ፡ ምእመናና ቐሊል ናብራ ዚነብሩን ተራ ኽዳን ዚኽደኑን ኪዀኑ ኣለዎም ኢልና ንኣምን ስለ ዝነበርና፡ ከምዚ ዓይነት ሃይማኖት እዩ ዚስሕበና ነይሩ። ካብ 1983 ክሳዕ 1985: ከም ሜኖኣውያንን ክዌከርን ካልኦት ተመሳሳሊ እምነት ዘለዎም ጕጅለታትን ንምምርማር ኣብ ብዘላ እታ ሃገር ተጓዓዝና።

ኣብቲ እዋን እቲ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናብቲ ኣብ ጥቓ ካምደን ኢንድያና ዚርከብ ሕርሻና መጹ። ነቲ ዚብልዎ ዝነበሩ ንሰምዖም እኳ እንተ ነበርና፣ ኪንግ ጀምስ ቨርሽን ጥራይ ኪጥቀሙ ሓተትናዮም። ነቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንውግእ ዚምልከት ዘለዎም መትከል ኣኽበርክዎ። እንተዀነ ግና፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተራ ኣከዳድና፡ ብምኽዳን ካብ ዓለም ኪፍለዩ ስለ ዘይጽዕሩ፡ ሃይማኖቶም ናይ ሓቂ ኣይኰነትን ኢለ ሓሰብኩ። ስለዚ፡ ክሰምዖም ኣጸጊሙኒ ነበረ። ሰባት ከምቲ ንሕና እንኽደኖ ዘይክደንሉ ምኽንያት ትዕቢተኛታት ስለ ዚዀኑ እዮም ኢለ ይሓስብ ነበርኩ። ንሓደ ሰብ ዚውንኖ ነገራትን ዘለዎ ጥሪትን ትዕቢተኛ ይገብሮ ኢለ እኣምን ነይረ።

ጀምስ ንገለ ኻብ ደቅና ሒዙ፡ ናብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኪኸይድ ጀመረ። በዚ ኣዝየ ተበሳጨኹ። ሰብኣየይ ምስኡ ክኸይድ እኳ እንተ ሓተተኒ ኣና ግና ኣበኹ። ሽዑ ሓደ መዓልቲ፡ “ዋላ ንዅሉ ትምህርትታቶም ኣይትቀበልዮ፡ ነቲ ኣብ ንሓድሕዶም ዘለዎም ርክብ ግና ኬድኪ ርኣዪ” በለኒ። ከመይሲ፡ ንሱ በዚ ተመሲጡ ነበረ።

ስለዚ፡ ክኸይድ ወሰንኩ፡ ግርህ ኢለ ግና ኣቀረብክዎምን። ናብቲ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ዝኸድኩሉ እዋን ከምቲ ዅሉ ሳዕ ዝኽደኖ ተራ ኽዳንን ባርኔጣን ገይረ ኸድኩ። ገሊኦም ደቅና ጥራይ እግሮምን ተራ ኣከዳድና ተኸዲኖምን እዮም ነይሮም። እንተዀነ ግና፡ እቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጺኦም ሰላም በሉናን ብፍቕሪ ተቐበሉናን። ‘ካብኦም እተፈለና ኽነስና፡ ተቐቢሎምና’ ኢለ ሓሰብኩ።

በቲ ዘርኣዩና ፍቕሪ እኳ እንተ ተሰሓብኩ፡ ብዘይስክፍታ ግና ክቐርቦም ኣይከኣልኩን። ኣብ እዋን መዝሙር ኣይትስእን መዝሙሮም እውን ኣይዝምርን ነበርኩ። ድሕሪ ኣኼባ ኸኣ ብሕቶታት አዋጥሮም ነበርኩ፣ ንኣብነት፡ ተጋግዮም ኢለ ብዛዕባ ዝሓስቦ ነገራት ወይ ብዛዕባ ገሊኡ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ እሓቶም ነበርኩ። ዝመጸለይ ዝዛረብ እኳ እንተ ነበርኩ፡ ኵሎም ዝሓተትክዎም ናይ ሓቂ ተገዳስነት የርእዩኒ ነበሩ። ንእተፈላለዩ ሰባት ሕደ ዓይነት ሕቶ እሓቶም ነበርኩ፡ መልሶም ዚሳነ ምንባሩ ግና የደንቐኒ ነበረ። ሓድሓደ ግዜ፡ ነቲ መልሲ ጽሒፎም ይህቡኒ ነበሩ፣ እዚ ድማ፡ ጸኒሓ ነቲ ጽሑፍ ባዕለይ ከጽንዖ ኣጋጣሚ ይኸፍተለይ ስለ ዝነበረ፡ ኣዝዩ ሓጋዚ እዩ ነይሩ።

ኣብ ሓጋይ 1985፡ ኵላትና ኣባላት ስድራ ቤት ነቲ ኣብ መምፊስ፡ ተነሲ እተገብረ ኣኼባ ዞባ ናይ የሆዋ መሳኻኽር ክንርኢ ኸድና። ጀምስ ጭሕሙ ኸይተላጸየ፡ ንሕና ኸኣ ነቲ ወትሩ እንኽደኖ ኽዳን ኢና ተኸዲና ኼድና። ኣብ እዋን ዕረፍቲ፡ ሰላም ዘይበለና ሰብ የለን ኪብሃል ይከኣል እዩ። በቲ ዘርኣዩና ፍቕርን ኣቓልቦን ተሰሓብና። ብዘይካዚ፡ በቲ ዘለዎም ሓድነት ተመሰጥና፣ ከመይሲ፡ ትምህርትታቶም ኣብ ኵሉ ቦታ ሕደ እዩ።

ጀምስ፡ በቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘርኣይዎ ብሕታዊ ተገዳስነት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪገብር ተሰማምዓ። ነቲ ዝምሃሮ ዝነበረ ሓቂ ምዃኑ ንምርግጋጽ ንዅሉ ኣድቂቑ ይምርምሮ ነበረ። (ግብሪ ሃዋርያት 17:11፣ 1 ተሰሎንቄ 5:21) ድሕሪ ግዜ፡ ጀምስ ሓቂ ዝረኸበ ዀይኑ ተሰምዖ። ኣነ ግና ልበይ ተመቓቐለ። ቅኑዕ ዘበለ ኺገብር እደሊ እኳ እንተ ነበርኩ፡ “ዘመናዊት” ክኸውንን “ክፍሊ ዓለም” ኰይነ ክቝጸርን ኣይደልን ነበርኩ። ንፈለማ እዋን ኣብ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምስ ተረኸብኩ፡ በቲ ሓደ ወገን ኪንግ ጀምስ ቨርሽን በቲ ሓደ ኸኣ፡ ብዘመናዊ ቛንቛ እተዳለወ ትርጉም ሓዳስ ዓለም ሒዘ የነጻጽሮ ነበርኩ። ከም ዘይተታለልኩ ንምርግጋጽ ንዅሉ ጥቕስታት ኣብ ክልቲኡ ትርጉማት እርእዮ ነበርኩ።

ብኸመይ ከም ዝኣመንኩ

ምስቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከነጽንዕ ከለና፡ እቲ ሰማያዊ ኣቦና ስላሴ ዘይኰነስ፡ ሓደ ኣምልኽ ምዃኑ ተምሃርና፣ ዘይትመውት ነፍሲ ዘላትና ዘይኰነስ፡ ንሕና ባዕልና ነፍሲ ምዃና እውን ተምሃርና። (ዘፍጥረት 2:7፣ ዘዳግም 6:4፣ ህዝቅኤል 18:4፣ 1 ቈረንቶስ 8:5, 6) ብዘይካዚ፡ ሲኦል ሓፈሻዊ መቓብር ደቂ ሰብ እምበር፡ ገሃነም እሳት ከም ዘይኰነ ተምሃርና። (እዮብ 14:13፣ መዝሙር 16:10፣ መክብብ 9:5, 10፣ ግብሪ ሃዋርያት 2:31) ኦልድ ብረዘረን፡ ብዛዕባ ሲኦል ዘለዎም ርድኢት እተፈላለየ ብምዃኑ፡ ብዛዕባኡ እቲ ሓቂ ምፍላጥና ነጥበ መቐይሮ እዩ ነይሩ።

ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ከም ክፍሊ ዓለም ገይረ እቘጽሮም ስለ ዝነበርኩ፡ ከመይ ገይሩ ናይ ሓቂ ሃይማኖት ኪህልዎም ይኽእል ኢለ ሓሰብኩ። ከመይሲ፡ ነቲ ኣነ ኣገዳሲ ገይረ ዝሓስቦ ተራ ኣከዳድና ኣይስዕቡን እዮም። በቲ ኻልእ ሸነኽ ግና፡ ነቲ የሱስ ንሰዓብቱ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንምስክር ኵሎም ኣህዛብ ኪሰብኩ ዝሃቦም ከም ዚፍጽሙ ኽግንዘብ ክኢለ እየ። በዚ ኸምዚ እንታይ ከም ዚውስን ጠፍኣኒ።—ማቴዎስ 24:14፣ 28:19, 20

ኣብዚ ኣጸጋሚ እዋን እዚ፡ እቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘርኣዩኒ ፍቕሪ፡ ምምርማር ክቕጽል ሓጊዙኒ እዩ። ኵሎም ኣባላት እታ ጉባኤ ድማ ኣብ ስድራ ቤትና ተገዳስነት ኣሕደሩ። እተፈላለዩ ኣባላት እታ ጉባኤ፡ ጸባን እንቋቍሖን ኪገዝኡ ምኽንያት ብምግባር ይበጽሑና ነበሩ፣ ሽዑ ናይ ሓቂ ጥዑያት ሰባት ምዃኖም ክንርኢ ጀመርና። ዋላ እኳ ሓደ ናይ የሆዋ ምስክር ጥራይ ጽንዓት ይመርሓልና እንተ ነበረ፡ እቶም ካልኦት ዕሽሽ ኣይበሉናን። ከመይሲ፡ ኣባላት እታ ጉባኤ ብገዛና ኺሓልፉ ኸለዉ ሰላም ይብሉና ነበሩ። እዚ ኣጋጣሚ እዚ፡ ነቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝያዳ ኽንፈልጦም ስለ ዝሓገዘና፡ በዚ ኸምዚ ነቲ ተገዳስነቶምን ፍቕሮምን ከነማስወሉ ጀመርና።

ብሕታዊ ተገዳስነት ዘርእዩና ዝነበሩ፡ ኣባላት እታ ጉባኤና ጥራይ ኣይኰኑን። ብዛዕባ ግቡእ ኣከዳድናን ኣመለኻኽዓን ብዚምልከት መልሲ ስኢነሉ ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን፡ ሓንቲ ብምርጫኣ ተራ ኣከዳድና እትኽደንን መጸባበቒ ዘይትጥቀምን ካ ብሬግስ እትብሃል ሓብቲ ኻብ ጐረቤት ጉባኤ ኽትበጽሓኒ መጸት። ምስኣ ፍዅስ ኢሉኒ ኸይተሰከፍኩ ኼዕልል ጀመርኩ። ድሕሪኡ፡ ሓደ መዓልቲ ኸማይ ተራ ኣከዳድና ኣብ ዚኽደኑ ሃይማኖት ዝዓበየ ሉዊስ ፍሎረ ዚብሃል ሰብ ክበጽሓኒ መጸ። ነቲ ኣብ ገጸይ ዝነበረ ጭንቂ ኸንብቦ ስለ ዝኸኣለ፡ ምእንቲ ኸረጋግአኒ ኢሉ ዓሰርተ ገጽ ዘለዋ ደብዳበ ሰደደለይ። ለውሃቱ ንልበይ ስለ ዝተንከዮ ነባዕኩ። ንደብዳበኡ ኸኣ ደጋጊመ ኣንበብክዋ።

ንሓደ ኦደል ዚስሙ ገያሺ ሓላዊ፡ ንኢሳይያስ 3:18-23 ከምኡ እውን ን1 ጴጥሮስ 3:3, 4ን ኬብርሃለይ ሓተትክዎ። “እዚ ጥቕስታት ተራ ኣከዳድና ንኣምላኽ ዜሐጕስ ከም ዝዀነ ዚገልጽዶ ኣይኰነን፧” በልክዎ። “መዐመምያ ወይ ባርኔጣ ምግባር ጌጋ ድዩ፧ ምቝናንከ ጌጋ ድዩ፧” በለኒ። ንቘልዑ ንቝንነን፡ ኣንስቲ ዘበልና ኸኣ ቈብዕ ወይ መዐመምያ ንገብር ነበርና። ሽዑ እቲ ዝነበረና ኣረኣእያ ንሓድሕዱ ኸም ዚጋጮ ኣስተብሃልኩ። በቲ እቲ ገያሺ ሓላዊ ዘርኣየኒ ዓቕልን ጽቡቕ ጠባይን ከኣ ተመሰጥኩ።

ውዒሉ ሓዲሩ፡ ኪርድኣኒ እኳ እንተ ጀመረ፡ ኣንስቲ ጸጕረን ምቝራጸን ግና ኣዝዩ ዚርብሸኒ ነገር እዩ ነይሩ። ክርስትያን ሽማግለታት ናይ ገሊአን ኣንስቲ ጸጕሪ ሓጺር ናይ ገሊአን ድማ ነዊሕ ምዃኑ ድሕሪ ምግላጽ፡ እዚ ናይ ሓንቲ ጸጕሪ ኻብ ናይ ካልእ ከም ይሓይሽ ማለት ከም ዘይኰነ ብመርትዖ ኣረድኡኒ። ብዘይካዚ፡ ኣከዳድናን ኣመለኻኽዓን ንሕልና ዚምልከት ከም ዝዀነ ገለጹለይ፣ ኣብ ገዛይ ወሲደ ዘንብቦ ጽሑፋት ድማ ሃቡኒ።

ንእተምሃርናዮ ተግበርናዮ

ነቲ እንደልዮ ዝነበርና ጽቡቕ ፍረ ረኸብናዮ። የሱስ፡ “ንሓድሕድኩም ፍቕሪ እንተ ኣልያትኩም፡ በዚ ደቀ መዛሙርተይ ምዃንኩም ኵሉ ኺፈልጥ እዩ” በለ። (ዮሃንስ 13:35) ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናይ ሓቂ ፍቕሪ ዘርእዩ ሰባት ምዃኖም ኣመና። ይኹን እምበር፡ እቶም ናታንን ረበካን ዚብሃሉ ኽልተ ዓበይቲ ደቅና፡ ኣብ ሃይማኖት ኦልድ ብረዘረን ተጠሚቖም ስለ ዝነበሩ፡ እንታይ ከም ዚውስኑ ተደናጊሮም ነበሩ። ኣብ መወዳእታ፡ በቲ ዝነገርናዮም ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስን በቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘርኣይዎም ፍቕርን ተስሓቡ።

ንኣብነት፡ ረበካ ምስ እምላኽ ጽቡቕ ርክብ ኪህልዋ ወትሩ ሃረር ትብል ነበረት። ኣምላኽ፡ ሓደ ሰብ ኣብ መጻኢ እንታይ ከም ዚገብር፡ ወይ እንታይ ዓይነት ሰብ ከም ዚኸውን ኣቐዲሙ ኸም ዘይውስን ምፍላጣ፡ ናብ ኣምላኽ ምጽላይ ቀሊል ኰይኑ ረኸበቶ። ብዘይካዚ፡ ኣምላኽ፡ ምስጢራዊ ስላሴ ዘይኰነስ፡ ህያውን ክትመስሎ እትኽእልን ምዃኑ ምፍላጣ ዝያዳ ኸም እትቐርቦ ገበራ። (ኤፌሶን 5:1) ንኣምላኽ በቲ ኣብ ኪንግ ጀምስ ዘሎ ኣጸዋውዓ ኽትጽውዖ ኸም ዘይብላ ምፍላጣ እውን ኣሐጐሳ። ኣምላኽ ብዛዕባ ጸሎት ዘለዎ መለክዒታትን ኣብታ ገነት እትኸውን ምድሪ ንሰባት ንዘለኣለም ኬንብሮም ዘለዎ ዕላማን ምስ ፈለጠት ናብ ፈጣሪኣ ብዝይዳ ቐረበት።—መዝሙር 37:29፣ ራእይ 21:3, 4

ዝረኸብናዮ ፍሉይ መሰላት

ኣነን ጀምስን እቶም ናታን፡ ረበካ፡ ጆርጅ፡ ዳንኤል፡ ጆን ዚብሃሉ ሓሙሽተ ዓበይቲ ደቅናን ኣብ ሓጋይ 1987 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኴንና ተጠመቕና። ሃርሊ፡ ብ1989 ሳይመን ከኣ ብ1994 ተጠምቁ። ኵላትና ኸኣ ነቲ የሱስ ክርስቶስ ንሰዓብቱ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኪእውጁ ዝመዘዞም ዕዮ ተወፊና ንዓዪ ኢና።

ሓሙሽተ ደቅና ማለት፡ ናታንን ጆርጅን ዳንኤልን ጆንን ሃርሊን ረበካን ኣብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ኣገልጊሎም እዮም። ጆርጅ ኣብኡ 14 ዓመት ገይሩ ኣሎ፣ እቲ ብ2001 ትምህርቱ ዝወድአ ሳይመን ከኣ ኣባል እታ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ኰይኑ ኣሎ። ኵሎም ደቅና ኣብ ጉባኤታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ሽማግለታት ወይ ኣገልገልቲ ጉባኤ እዮም። ሰብኣየይ ኣብታ ኣብ ምዙሪ እትርከብ ጉባኤ ተየር ሽማግለ ዀይኑ የገልግል፡ ኣነ ድማ ኣብ ኣገልግሎት ንጥፍቲ እየ።

ጀሲካን ለቲሻን ካሌብን ዚብሃሉ ደቂ ደቂ ኣለዉና፣ ወለዶም ካብ ቍልዕነቶም ኣትሒዞም ኣብ ልቦም ፍቕሪ የሆዋ ኼስርጹሎም ምርኣይና የሐጕሰና እዩ። ከም ስድራ ቤት የሆዋ ናብኡ ስለ ዝስሓበናን ነቶም ንስሙ ዝዀኑ ህዝቢ በቲ ዘርኣይዎ ኣምላኻዊ ፍቕሪ ኸነለልዮም ስለ ዝሓገዘናን ሕጕሳት ኢና።

ነቶም ንኣምላኽ ንምሕጓስ ሓያል ባህጊ ዘለዎም ክነሱ፡ ሕልናኦም ግና ኣብ ክንዲ ብመጽሓፍ ቅዱስ፡ ብኸባቢኦም እተጸልወ ሰባት ንሓዝነሎም ኢና። ሎሚ ኸም ቀደም ፍርያት ኣብ በቤት ብምሻጥ ዘይኰነስ፡ ብዛዕባ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽን ብዛዕባ እቲ እተምጽኦ በረኸትን ንሰባት ብምንጋር ሓጐስ ረኺብና ኢና። ካልኦት ሰባት እውን ከምዚ ዓይነት ሓጐስ ኪረኽቡ ንምነየሎም ኢና። ንዅሉ እቶም ንስም የሆዋ እተሰከሙ ዘርኣዩና ፍቕርን ትዕግስትን ክሓስብ ከለኹ ኣዒንተይ ንብዓት ይመልኣ።

[ኣብ ገጽ 19 ዘሎ ስእሊ]

ጓል ሸውዓተ ዓመት ከለኹን ምስ ዓበኹን

[ኣብ ገጽ 20 ዘሎ ስእሊ]

ጀምስን ጆርጅን ሃርሊን ሳይመንን

[ኣብ ገጽ 21 ዘሎ ስእሊ]

ፍርያት ናብ ዕዳጋ ኽወስድ ከሎኹ ዘርኢ ኣብ ጋዜጣ ዝወጸ ስእሊ

[ምንጪ ስእሊ]

Journal and Courier, Lafayette, Indiana

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]

ሎሚ ምስ ስድራ ቤትና