ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ተፈጥሮ እንታይ ይምህረና፧

ተፈጥሮ እንታይ ይምህረና፧

ተፈጥሮ እንታይ ይምህረና፧

“በጃኻ ንእንስሳታት ሕተት እሞ፡ ኪምህሩኻ እዮም፣ ንኣዕዋፍ ሰማያት እውን ጠይቕ እሞ፡ ኪነግራኻ እየን። ወይስ ብዛዕባ ምድሪ ሕሰብ እሞ፡ ክትምህረካ እያ፣ ዓሳታት ባሕሪ እውን ኪነግሩኻ እዮም።”—እዮብ 12:7, 8

ኣብ ቀረባ ዓመታት፡ ተመራመርቲ ስነ ፍልጠትን መሃንድሳትን ቃል ብቓሉ ኻብ ኣትክልትን እንስሳታትን ይምሃሩ ኣለዉ። ሓድሽ ፍርያት ኪምህዙን ነቲ ዘሎ ማሽናት ኬመሓይሹን ኢሎም፡ ንድፊ በበይኑ ዓይነት ፍጥረታት የጽንዑን ይቐድሑን ኣለዉ። እዚ ዓውዲ እዚ ኸኣ ባዮሚመቲክስ ይብሃል። ነዚ ዚስዕብ ኣብነታት ክትርኢ ኸለኻ፡ ‘በዚ ንድፍታት እዚ ብሓቂ ኺንኣድ ዘለዎ መን እዩ፧’ ኢልካ ገዛእ ርእስኻ ሕተት።

ካብ ኣኽናፍ ዓሳ ኣንበሪ ዚርከብ ትምህርቲ

ነደፍቲ ነፋሪት ካብቲ ሃምፕባክ ዚብሃል ዓሳ ኣንበሪ እንታይ ኪምሃሩ ይኽእሉ፧ ብዙሕ ኪምሃሩ ይኽእሉ እዮም። ሓደ እኹል ሃምፕባክ 30 ቶን ኣቢሉ ይምዘን፣ እዚ ድማ ማዕረ እተጻዕነት ናይ ጽዕነት ማኪና ማለት እዩ። ኣካላቱ ብተዛማዲ ተሪር ኪኸውን ከሎ፡ ከም ኣኽናፍ ዝበለ መቕዘፊ ኣለዎ። እዚ 12 ሜተር ዝንውሓቱ እንስሳ ግና፡ ኣብ ውሽጢ ማይ ከም ድላዩ እዩ ዚተዓጻጸፍ። ንኣብነት፡ ኣብ ባሕሪ ዚርከቡ ድርዓውያን እንስሳታትን ዓሳታትን ኪምገብ ከሎ፡ ብዙሕ ዓፍራ እናነፍሐ ኻብ ታሕቲ ንላዕሊ ገጹ ሕምብሊል እናበለ ይሕምብስ። እቲ 1.5 ሜተር ዝሰንጣቒቱ ኸም መርበብ ዜገልግል ብዙሕ ዓፍራ ኸኣ፡ ነቶም ኣብ ላዕለዋይ ክፋል ጽፍሒ እቲ ባሕሪ ዚርከቡ እንስሳታት ይእክቦም። ድሕሪኡ፡ እቲ ዓሳ ኣንበሪ ነቲ ምግቡ ብሓደ ዅላሶ ይውሕጦ።

እቲ ንተመራመርቲ ዝደንጸዎም ከኣ፡ እዚ ተሪር ዝኣካላቱ ፍጥረት ኣብ ጸቢብ ክቢ ኺጠዋወ ምኽኣሉ እዩ። ቅርጺ ኽንፉ ነዚ ኽእለት እዚ ወሳኒ ምዃኑ ተገንዚቦም ኣለዉ። እቲ ብቕድሚት ሸነኽ ክንፉ ዘሎ ጥርዚ ኸም ክንፊ ነፋሪት ልሙጽ ኣይኰነን፣ የግዳስ፡ ከም ኣስናን መጋዝ ተር ዝበለ ዓካራት ወይ ሓባጥ መባጥ ኣለዎ።

እቲ ዓሳ ኣንበሪ ንማይ ሰንጢቑ ኺሕምብስ ከሎ፡ እዚ ዓካራት እዚ ንላዕሊ ሓፍ ኪብልን ንድሕሪት ከይጕተትን ይሕግዞ እዩ። ብኸመይ፧ መጽሔት ናቹራል ሂስትሪ ኸም ዝገለጸቶ፡ ዋላ እውን እቲ ዓሳ ኣንበሪ ንዓቐብ ኪሕምብስ ከሎ፡ እቲ ዓካራት ነቲ ማይ በቲ ኽንፉ ሕምብሊል እናበለ ተሰሪዑ ኸም ዚሓልፍ ይገብሮ። እቲ ኽንፉ ብሸነኽ ቅድሚቱ ልሙጽ እንተ ዚኸውን ነይሩ፡ እቲ ማያት ስለ ዚሕቈንን ብድሕሪ እቲ ኽንፉ ሕምብሊል ስለ ዚብልን ሓፍ ኪብል ኣይምደገፎን።

እዚ ርኽበት እዚ እንታይ ጥቕሚ ኺህልዎ ይኽእል፧ ኣብዚ ንድፊ እዚ እተመስረተ ኽንፊ ነፋሪት፡ ነቲ ዋሕዚ ኣየር ንምቕያር ኣብቲ ኽንፊ ኺግጠም ዜድልዮ ናውቲ ዝወሓደ እዩ ዚኸውን። እቲ ኽንፊ እቲ እውን ብዝያዳ ውሑስን ንምክንኻኑ ብዝያዳ ቐሊልን እዩ ዚኸውን። ጆን ሎንግ ዚብሃል ክኢላ ባዮመካኒስክ፡ ኣብ ቀረባ ግዜ፡ “ኵለን ነፈርቲ ጀት፡ ዓካራት ክንፊ ዓሳ ኣንበሪ ዚመስል ነገራት ሃልይወን ንርእየን ንኸውን” ኢሉ ኸም ዚኣምን ገሊጹ ኣሎ።

ካብ ኣኽናፍ ሮብራ ንምቕዳሕ ዚገብር ጻዕሪ

ኣኽናፍ ነፋሪት ካብ ኣኽናፍ ኣዕዋፍ ከም እተቐድሐ ፍሉጥ እዩ። ኰይኑ ግና፡ መሃንድሳት ነዚ ንምቕዳሕ ዚገብርዎ ጻዕሪ፡ ናብ ዝለዓለ ጽፍሒ ኣደዪቦምዎ ኣለዉ። መጽሔት ኒው ሳይንቲስት፡ “ኣብ ዩኒቨርሲቲ ፍሎሪዳ ዚርከቡ ተመራመርቲ፡ ከም ሮብራ ኽትዝምብን ብቕልጡፍ ክትንቈትን ክትዓርግን እትኽእል ብሪሞት ዚቈጻጸርዋ ድሮን ሰሪሖም ኣለዉ” ትብል።

ሮብራ ነቲ ኣብ መንጎ ኽንፈን ዘሎ መላግቦን ኣብ መንኵበን ዘሎ መላግቦን ብምትዕጽጻፍ እየን ኣብ ኣየር ከም ድላየን ኣናተዓጻጸፋ ዚዝምብያን ዚነፍራን። እታ መጽሔት ከም ዝገለጸቶ፡ ነዚ ተዓጻጻፊ ንድፊ ኽንፊ ብምቕዳሕ፡ “እታ 60 ሰንቲ ሜተር እትኣክል ድሮን ነቲ ኣኽናፍ ዜንቀሳቕስ ዘንግታት ሜታል ዚቈጻጸር ንእሽቶ ሞተር ኣለዋ።” እዚ ብጥበብ እተሃንደሰ ኣኽናፍ ነታ ንእሽቶ ነፋሪት ኣብ መንጎ ነዋሕቲ ህንጻታት ክትዝምብን ንታሕቲ ኽትንቈትን የኽእላ። ሓይሊ ኣየር ሕ.መ.ኣ. ኣብ ዓበይቲ ኸተማታት ቀመማዊ ወይ ስነ ህይወታዊ ኣጽዋር ንምድላይ እተገልግል ልዑል ተዓጻጻፍነት ዘለዋ ነፋሪት ኪሰርሕ ደልዩ ኣሎ።

ካብ ኣእጋር ጥፍንቕ ንምቕዳሕ ዚግበር ጻዕሪ

ካብ እንስሳታት ምድሪ እውን ብዙሕ ትምህርቲ ይርከብ እዩ። ንኣብነት፡ ጥፍንቕ ዚብሃል ንእሽቶ ዓይነት ጠበቕ ኣብ መንደቕ ናይ ምሕኳርን ኣብ ሰንቀ ጠቢቑ ናይ ምኻድን ክእለት ኣለዎ። ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ እኳ፡ በዚ ዜደንቕ ክእለቱ ይፍለጥ ነይሩ እዩ። (ምሳሌ 30:28) እሞ ደኣ ኸመይ ገይሩ እዩ ንስሕበት መሬት ተጻዊሩ ኺጠብቕ ክኢሉ፧

እዚ ዓይነት ጠበቕ ኣብ ከም መስትያት ዝኣመሰለ ነገር ንምጥባቕ ዘለዎ ኽእለት፡ ሳላ እቲ ኣብ ኣእጋሩ ዘሎ ኸም ጸጕሪ ዝኣመሰለ ደቀቕቲ ጽሕግታት እዩ ኺርከብ ተኻኢሉ። ኣእጋሩ ኸም ኮላ ዝበለ መጣበቒ ኣየውጽእን እዩ። የግዳስ፡ ነቲ ደቀቕቲ ሞለክዩላዊ ሓይሊ እዩ ዚጥቀመሉ። እቲ ኣብ ኣእጋሩን ኣብቲ ዚኸደሉ ጽፍሕን ዘሎ ሞለክዩላት በቲ ሓይልታት ቫን ደር ዋልስ ተባሂሉ ዚፍለጥ ድኹም ሓይሊ ስሕበት ይላገብ። ከም ንቡር፡ ስሕበት መሬት ነዚ ሓይሊ እዚ ይበልጾ እዩ፣ በዚ ምኽንያት እዚ ድማ እዩ ኣእዳውካ ኣብ መንደቕ እናኣላገብካ ኽትሓኵር ዘይትኽእል። ኰይኑ ግና፡ እቲ ምስ መንደቕ ዚላገብ ጫፍ እቲ ኣብ ኣእጋሩ ዘሎ ደቀቕቲ ጽሕግታት ስፍሕ ዝበለ እዩ። እቲ ንኽልቲኡ ዜላግብ ሓይሊ በቲ ኣብ ኣእጋር ጥፍንቕ ዘሎ ኣሽሓት ጽሕግታት ኪራባሕ ከሎ ኸኣ፡ ንኽብደት እቲ ንእሽቶ ጠበቕ ኪስከም ዚኽእል ሓይሊ ይፍጠር።

እዚ ርኽበት እዚ እንታይ ጥቕሚ ኺህልዎ ይኽእል፧ ካብ እግሪ ጥፍንቕ ተቐዲሑ እተሰርሐ ነገር፡ ካልኣይ ኣማራጺ እቲ ቨልክሮ ዚብሃል መላገቢ ኪኸውን ይኽእል እዩ፣ ቨልክሮ እውን ካብ ተፈጥሮ እተወስደ ምህዞ እዩ። * መጽሔት ዘ ኢኮኖሚስት ንሓደ ተመራማሪ ጠቒሳ ኣብ ዘስፈረቶ ጽሑፍ፡ ካብ ጥፍንቕ እተሰርሐ መላገቢ ምናዳ ኣብቲ “ከሚካዊ ኮላ ኽትጥቀም ዘይትክእለሉ ዓውዲ ሕክምና” ኸም ዜገልግል ገሊጻ ኣላ።

መን እዩ ኺንኣድ ዚግብኦ፧

ሃገራዊ ምምሕዳር ስነ በረራን ህዋን (ናሳ) ከም ዕንቅርቢት ኪኸይድ ዚኽእል ሮቦት ይሰርሕ ኣሎ። ኣብ ፊንላንድ ዚርከቡ መሃንድሳት ከኣ ልክዕ ከም ሓደ ዓብዪ ሓሸራ ዝኣመሰለት ዝዀነ ይኹን ዕንቅፋት ክትሰግር እትኽእል ሽዱሽተ ዝመሓውራ ትራክተር የማዕብሉ ኣለዉ። ገሊኦም ተመራመርቲ ድማ ከምቲ ኣብ ኮኖ ጽሕዲ ዘሎ ንኣሽቱ ዘፈራት ዚኽፈተሉን ዚዕጸወሉን ኣገባብ ገይሮም ዓለባ ይሰርሑ ኣለዉ። ሓደ ትካል ፋብሪካ ማካይን ከኣ ቦክስፊሽ ካብ ዚብሃል ዓይነት ዓሳ፡ ዝሓሸ ፍጥነት ዘለዋ ዓይነት ማኪና የማዕብል ኣሎ። ካልኦት ተመራመርቲ ድማ ፈኲስን ተሪርን ድርዒ ሰብነት ንምስራሕ፡ ነቲ ዛዕጐላት ኣባሎን ዘለዎ መውቃዕቲ ናይ ምጽዋር ክእለት ይምርምርዎ ኣለዉ።

ካብ ተፈጥሮ ብዙሕ ጽቡቕ ሓሳባት ስለ እተረኽበ፡ ተመራመርቲ ንኣሽሓት ህይወታውያን ስርዓታት ብሓደ ዚምዝግቡሉ ማዕከን ሓበሬታ ኣዳልዮም ኣለዉ። ተመራመርቲ ስነ ፍልጠት “ንናይ ንድፊ ጸገማቶም ተፈጥሮኣዊ ፍታሕ ንምርካብ” ኣብዚ ማዕከን ሓበሬታ ኺውከሱ ኸም ዚኽእሉ መጽሔት ዘ ኢኮኖሚስት ሓቢራ ኣላ። ኣብዚ ማዕከን ሓበሬታ ዚርከብ ስርዓታት ተፈጥሮ “ስነ ህይወታዊ ምስክር ምህዞ” ተባሂሉ ይፍለጥ። ከም ንቡር፡ ምስክር ምህዞ በቲ ነቲ ሓድሽ ሓሳብ ወይ ማሽን ዘመዝገቦ ሰብ ወይ ትካል እዩ ዚውነን። መጽሔት ዘ ኢኮኖሚስት ብዛዕባ እዚ ስነ ህይወታዊ ምስክር ምህዞ ኽትገልጽ ከላ፡ “ተመራመርቲ ንብልሓት ባዮሚመቲክ ‘ስነ ህይወታዊ ምስክር ምህዞ’ ኢሎም ምጽዋዖም፡ ብኻልእ ኣበሃህላ፡ ተፈጥሮ ነቲ ምስክር ምህዞ ወናኒኡ ምዃኑ እዮም ዜጕልሑ ዘለዉ” ትብል።

ተፈጥሮ ነዚ ዅሉ ዜደንቕ ሓሳባት ካበይ ኬምጽኦ ኽኢሉ፧ ብዙሓት ተመራመርቲ ነቲ ኣብ ተፈጥሮ ዘሎ ዜደንቕ ንድፊ፡ ንሚልዮናት ዓመታት በቲ ኣብ ፍልቀት ዘሎ መስርሕ ፈተነን ጌጋን እናተመሓየሸ ኸም ዝመጸ እዮም ዚኣምኑ። ገሊኦም ተመራመርቲ ግና፡ እተፈልየ ኣረኣእያ እዩ ዘለዎም። ንኣብነት፡ ማይክል ቢሂ ዚብሃል ማይክሮባዮሎጀኛ ብ2005 ኣብ ዘ ኒው ዮርክ ታይምስ፡ “[ኣብ ተፈጥሮ] ንድፊ ብንጹር ዚርአ ምዃኑ፡ ነዚ ዚስዕብ ቀሊልን ዜእምንን መጐተ እዩ ዜቕርብ፦ ትርኢታን ኣካይዳኣን ቃቕ ኣበሃህላኣን ከም ደርሆ ማይ እንተ ዀይና፡ ነዚ ዚጻረር ካልእ መርትዖ ኽሳዕ ዘይተረኸበ፡ ደርሆ ማይ ምዃና ኢና እንድምድም” ኢሉ ጽሒፉ ኣሎ። እሞ ደኣ ኣብ ምንታይ መደምደምታ እዩ በጺሑ፧ ባዕሉ ኺገልጽ ከሎ፡ “ንድፊ ርኡይ ስለ ዝዀነ፡ ከም ቀሊል ጌርካ ዕሽሽ ኪብሃል የብሉን” ይብል።

ብዝያዳ ውሑስን ውጽኢታውን ክንፊ ነፋሪት ዝነደፈ መሃንድስ፡ ስለቲ ንድፉ ናእዳ ይግብኦ እዩ። ከምኡ እውን ንብዙሕ ዕላማ ዚውዕል መዘነኒ፡ ዝያዳ ምሾት ዘለዎ ዓለባ፡ ወይ ነዳዲ እትቝጥብ መጓዓዝያ ዝሰርሐ መሃዚ፡ ስለቲ ንድፉ ናእዳ ይግብኦ እዩ። ከም ሓቂ፡ ንድፊ ኻልእ ሰብ ቀዲሑ ኼብቅዕ ንመን ናእዳ ኸም ዚግብኦ ዘይሕብር ዘበለ ሰብ ከም ገበነኛ እዩ ዚርአ።

እሞ ደኣ ሓደ ብዙሕ ስልጠና ዝወሰደ ተመራማሪ ነቲ ኣብ ምህንድስና ዜጋጥሞ ጸገማት ንምፍታሕ ካብ ተፈጥሮ ብጥረኡ ቐዲሑ ኼብቅዕ፡ እቲ ሓሳብ እቲ ምስትውዓል ካብ ዘይብሉ ፍልቀት ከም ዝመጸ እንተ ዚዛረብሲ ምተዋሕጠልካዶ፧ ቅዳሕ ንምስራሕ ኣስተውዓሊ ነዳፊ ኻብ ኣድለየ፡ መበቈላዊ ንምስራሕ ደኣኸ፧ ንምዃኑኸ መን እዩ ብዝያዳ ኺንኣድ ዚግብኦ፧ እቲ ፈለማ ዝመሃዘ ስነ ጥበበኛዶ ወይስ እቲ ንተክኒኩ ዝቐድሐ ተምሃራይ፧

ርትዓዊ መደምደምታ

ብዙሓት ሰባት ነቲ ኣብ ተፈጥሮ ዘሎ መርትዖ ንድፊ ድሕሪ ምምርማር፡ ምስቲ ኸምዚ ዚስዕብ ዝበለ ዘማሪ ይሰማምዑ እዮም፦ “ኦ የሆዋ፡ ግብርታትካስ ክንደይ ኰን ብዙሕ እዩ! ንዅሉ ብጥበብ ጌርካዮ። ምድሪ ብተግባርካ መሊኣ ኣላ።” (መዝሙር 104:24) ሓደ ኻብቶም ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝዀነ ጳውሎስ እውን ኣብ ተመሳሳሊ መደምደምታ እዩ በጺሑ። ንሱ ኸምዚ ኢሉ ጽሒፉ ኣሎ፦ “እቲ ብግብሩ ዚፍለጥ ዘይርአ ባህርዩ [ባህርይ ኣምላኽ] ዀነ ናይ ዘለኣለም ሓይሉን ኣምላኽነቱንሲ፡ ካብ ፍጥረት ዓለም ኣትሒዙ ብንጹር ይርአ እዩ።”—ሮሜ 1:19, 20

ይኹን እምበር፡ ንመጽሓፍ ቅዱስ ኣኽብሮት ዘለዎምን ኣብ ኣምላኽ ዚኣምኑን ብዙሓት ቅኑዓት ሰባት፡ ኣምላኽ በቲ ኣብ ፍልቀት ዘሎ መስርሕ ምምሕያሽ ገይሩ ነቲ ኣብ ናይ ተፈጥሮ ዓለም ዘሎ ድንቂ ነገራት ከም ዝፈጠረ ይማጐቱ እዮም። መጽሓፍ ቅዱስ ግና እንታይ እዩ ዚምህር፧

[እግረ-ጽሑፍ]

^ ሕ.ጽ. 15 ቨልክሮ ካብ ጠነግ እተቐድሐ ጥውዮን ዓንቃሪቦን ገይሩ ዚላገብ፡ ኣብ ገሊኡ ሳንጣታትን ጫማታትን ካልእ ነገራትን ዜገልግል ልግብ ኢሉ ዚተሓሓዝን ክትፈላለዮ ኸለኻ ጨት ዚብልን እዩ።

[ፍረ ሓሳብ]

ኣብ ተፈጥሮ ኣዝዩ ብዙሕ ብሉጽ ሓሳባት ኪህሉ ዝኸኣለ ብኸመይ እዩ፧

[ፍረ ሓሳብ]

ወናኒ እቲ ናይ ተፈጥሮ ምስክር ምህዞ መን እዩ፧

[ስእሊ]

ቅዳሕ ንምስራሕ ኣስተውዓሊ ነዳፊ ኻብ ኣድለየ፡ መበቈላዊ ንምስራሕ ደኣኸ፧

እዛ ኣብ በረራኣ ብዙሕ ተዓጻጻፍነት ዘለዋ ነፋሪት፡ ካብ ኣኽናፍ ሮብራ እያ ተቐዲሓ

ኣእጋር ጥፍንቕ ኣይረስሕን፡ ወይ ኣሰር ኣይገድፍን እዩ፣ ብዘይካ ምስ ተፍሎን ከኣ፡ ምስ ዝዀነ ነገር ይጠብቕ እዩ፣ ብቐሊሉ ድማ ኪለግብን ኪፈላለን ይኽእል እዩ። ተመራመርቲ ኸኣ ኪቐድሕዎ ይጽዕሩ ኣለዉ

“ቦክስፊሽ” ዚብሃል ዓሳ ሳላ ንድፉ ብዝወሓደ ጕልበት ኪንቀሳቐስ ዚኽእል ምዃኑ፡ ንንድፊ ማኪና ኣበርክቶ ገይሩ

[ምንጪ ስእሊ]

Airplane: Kristen Bartlett/​University of Florida; gecko foot: Breck P. Kent; box fish and car: Mercedes-Benz USA

[ስእሊ]

ብባህረት ጥበበኛታት ዝዀኑ ተጓዓዝቲ

ብዙሓት ፍጥረታት ኣብቲ ኣብ ምድርና ዚገብርዎ ጕዕዞታት “ብባህረት ጥበበኛታት” እዮም። (ምሳሌ 30:24, 25) ክልተ ኣብነት እስከ ንርአ።

ምቍጽጻር ዋሕዚ ትራፊክ ጻጸ፦ ምግቢ ዚምእርሩ ጻጸ ብኸመይ እዮም ናብ ሰፈሮም ዚምለሱ፧ ኣብ ዩናይትድ ኪንግደም ዚርከቡ ተመራመርቲ ኸም ዝረኸብዎ፡ ጻጸ ኣብ ርእሲ እቲ ዚሓድግዎ ምልክት ሽታ፡ ንሰፈሮም ንምርካብ ዜቕለሎም ኣሰር ንምስዓብ ዜኽእል ጂኦመትሪ ይጥቀሙ እዮም። ንኣብነት፡ መጽሔት ኒው ሳይንቲስት ከም ዝገለጸቶ፡ ጻጸ ፈርኦን ዚብሃሉ ዓሌት፡ “ካብቲ ሰፈሮም ካብ 50 ኽሳዕ 60 ዲግሪ ዚኸውን ቃራና ዀይኑ ዚወጽእ መገዲ ይጥቀሙ።” እዚ ዜደንቕ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ ጻጸ ናብ ሰፈሩ ኺምለስ ከሎ እሞ ናብ ሓደ ኻብዚ ቓራና መገዲ ምስ በጽሐ፡ ብባህረት ተደሪኹ ብቐጥታ እዩ ናብ ቤቱ ዚምለስ። እታ ዓንቀጽ ኣስዕብ ኣቢላ ኸምዚ ትብል፦ “ቃራናታት መገዲ ንምግባር ዚጥቀሙሉ ጂኦመትሪ፡ ምናዳ ጻጸ ናብ ክልተ ኣንፈት ኪጕዓዙ ኸለዉ፡ ኣብቲ ኸም መርበብ ዝዀነ መገድታት ንዋሕዚ እቶም ጻጸ ስሉጥ ይገብሮ እዩ፣ ናብ ግጉይ ኣንፈት ብምኻድ ኬህልኽዎ ዚኽእሉ ዝነበሩ ጕልበት እውን ይንክየሎም እዩ።”

ኮምፓስ ኣዕዋፍ፦ ብዙሓት ኣዕዋፍ ንነዊሕ ርሕቀት ኣብ ኵሉ ዓይነት ኵነታት ኣየር ብልክዕ ኣንፈተን ፈሊጠን ይጕዓዛ እየን። ብኸመይ፧ ብማግነታዊ ዓውዲ ምድሪ ኸም ዚጥቀማ፡ ተመራመርቲ ፈሊጦም ኣለዉ። ይኹን እምበር፡ መጽሔት ሳይንስ ከም ዝገለጸቶ፡ “መስመራት ማግኔታዊ ዓውዲ ኻብ ቦታ ናብ ቦታ ይፈላለ፡ ወትሩ እውን ናብ ናይ ሓቂ ሰሜን ኣየመልክትን እዩ።” እሞ ደኣ ኻብ ቦታ ናብ ቦታ ዚፈልሳ ኣዕዋፍ ኣንፈተን ከይስሕታ ዚሕግዘን እንታይ እዩ፧ ኣዕዋፍ ነቲ ውሽጣዊ ኮምፓሰን ምስቲ ምሸት ምሸት ዚርአ ዕራርቦ ጸሓይ የስተኻኽላኦ እየን። ብመሰረት መጽሔት ሳይንስ፡ ኣንፈት ዕራርቦ ጸሓይ ምስ ላቲትዩድን ምስ ወቕትን ስለ ዚቀያየር፡ ኣዕዋፍ ነዚ ለውጢ እዚ ‘በቲ እንታይ ወቕቲ ምዃኑ ዚሕብር ተፈጥሮኣዊ ሰዓተን’ ኣቢለን ኸም ዜዐርያኦ ተመራመርቲ ይኣምኑ እዮም።

ጻጸ ብዛዕባ ጂኦመትሪ ናይ ምፍላጥ ክእለት ካብ መን ረኺብዎ፧ ንኣዕዋፍከ ኮምፓስን ተፈጥሮኣዊ ሰዓትን ነዚ ሓበሬታ ንምርዳእ ዜኽእል ሓንጐልን ዝሃበን መን እዩ፧ ምስትውዓል ዘይብሉ ፍልቀት ድዩ፡ ወይስ ኣስተውዓሊ ፈጣሪ፧

[ምንጪ ስእሊ]

© E.J.H. Robinson 2004